Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF
ኮንፈረንስ ብራስለስ ንኤዲኪን ን&#4848

ኮንፈረንስ ብራስለስ ንኤዲኪን ንደምበ ተቛውሞን ክሃስዮ እዩ።

ብረዘነ .ሚካኤል

ስለምንታይ እንተበልካ

  1. ኤዲኪን 13 ተቋወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝጠርነፈ ክሳተፍ ብዘይምዕዳሙ። እንተኮነ ኣባላት ኤዲኪ ዝኮኑ EPP, EPM, EDP ብተናጸል ምዕዳሞምን ምስታፎምን።

  2. Eritrean Global Solidarity ከም'ኡውን መርበብ ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮፓ ከሳትፍ ብዘይምዕዳሙ እንተኮነ ኣባላት ክልቲኤን ዝኮነት ማሕበር ብስድሪ ትፍለጥ ካልእ እውን Release Eritrea and EHDR-UK  ክዕደማ ምብቕዓን

  3. ንሓደ ዓመት ዝኣክል ዝተጠጅኣ ጉዳይ ክንሱ ውሑድ መዓልታት ክተርፎ ከሎ ምቕልሑ እሞ ምስጢራዊ ምሓዙ

  4. ውሑዳት ዝፋለጡ ጉጅለ ጥራሕ ዘይኮነ ዝተዓደሙ መን ከም ናትና ዓይነት ሓሳብ ኣለዎም ኢልካ ውራይ ኢልካ ዝተማህዘ ዕድመ ስለዝኮነ ነቲ ደምበ ተቛውሞ ብፍላይ ነቲ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ዝብል ንጉድኒ ንክገድፍ ብቕድመ ቕየሳ ዝወጸ ምኳኑ ብምርኣይ

  5. ጉዳዩ ንሕብረት ኤውሮፓን ኣመሪካን ናይ ሓባር ፓሊሲ ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ ስለዝኮነ ገዚፍ ወይ ዓቢ ጉዳይ ምኳኑ ብምርኣይ

  6. እዚ ዓይነት ኣገባብ ኣሰራርሓ ከም' ህግሓኤ ንተሓኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ሕወኣት ኮይና ሜዳ ኤርትራ ብሒታ ኣብ' ዓዘቕቲ ኣእትያትና ዘላ እዚ እውን ብተመሳሳሊ ንጉዳይ ኤርትራ ወጻእተኛታት ንክውስንዎ ገዚፍ ሃጓፍ ዝፈጥር ብምኳኑ ምክንያቱ ኤርትራውይን ተሓባቢሮም ክውስኑ ብዘይምክኣሎም። ብጾትካን መቓልስትካን ገዲፍካ ወጻእተኛ ዓዲሙኒ ኢልካ ዘብዘብ እንታይ እዩ ጉዳዩ?

ዋዕላ ብራስለስ ዋዕላ ንሕና ፈለጥናልካ ኣታ ኤርትራዊ ጥራሕ ዘይኮነ መልእክቱ መልእክቲ ናይ ተነጻጸግ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ጉዳያትና ብሓንሳብ ምፍታሕ ካብ ንገድፎ እንሆ ሓያሎ ግዜ ወሲዱስ ከሳቕየና ካብ ዝጅምር ብዙሕ ዓመታት ጌሩ ኣሎ። ጉዳይ ኤርትራውይን ብኤርትራውይን ብጥርኑፍ እንተዘይኮነ ብተናጸል ክፍታሕ ኣይከኣልን። እንተተገብረ እውን ይጸብቕ ይሕመቕ ሕጋውነት የብሉን ወይ ተቐባልነት የብሉን። እዚ ክብሃል ከሎ ብውሕዱ ነቲ ተጠርኒፉ ዘሎ ኤርትራዊ ክሳትፍ እኩል ግዜ ኔሩ እዩ፤ እዚ ማለት ሓደ ዓመት ምሉእ።

ሕጂ'ውን እንተኮነ ንሕና ኤርትራውይን ለቢምና ኢሂን ምሂን ተባሂልና እቶም ኣብ ደምበ ተቛውሞ ዘለና ብሓደ ክንስጉም እንተዘይክኢልና ንህዝብና ነባሪ ዘቕስን ፍታሕ ከነምጽእ ኣይንክእልን ኢና። ገለ ማዕከናት ዜና እውን ነቲ ጉዳይ ካብ ፍላጥ ድዩ ካብ ዘይፍላጥ ኣነኣኢሰን ከቕርብኦ ፈቲኔን እየን እንተኮነ ግን እዚ ኣዋሳኒ ኣገባብ ኣሰራርሓ ገዲፍና ንናይ ወጻኢ ሓይሊ ብሓደ ድምጺ ክንቐርቦ ክንበቕዕ ኣሎና። እዚ ዝተገብረ ኮንፈረንስ ናይ ብራስለስ ንደምበ ተቛውሞ ኣብ ነንሕድሕዱ እምነት ከጉድለሉን ክሃስዮን ምኳኑ ፍሉጥ እዩ እንተኮነ ካብ'ዚ ተማሂርና ጉዳያትና ጠርኒፍና ጸኒሕና ንናይ ወጻኢ ሓይሊ ብሓደ ድምጺ ክንቐርቦ ክንበቕዕ ይግብኣና። ኤዲኪ እውን ነብሱ ሰሪዑ ናይ ወጻኢ ርክባት ብውልቐ ውድባት ከይግበር ቀይዲ ዝገብር ሕጊ ወይ ስምምዕ ከውጽእ ክክእል ኣለዎ።

ረዘነ .ሚካኤል

………………………………………………………………………………………….

This article reflects the author’s personal view and not his affiliation with EDA or EPM. For comments, criticism or suggestions please reach me at rezzene@gmail.com

 

التصنيفات
التصنيف متاح للأعضاء فقط.

نرجو الدخول أو التسجيل للتصويت.

لم يتم نشر تصنيفات حتى الآن.
أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,915,786 وقت التحميل: 0.27 ثانية