Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF
ልዕሊ ህዝቡን ሃገሩን ንሰልፉን ው&#484

ልዕሊ ህዝቡን ሃገሩን ንሰልፉን ውዱቡን ዝፈቱ

ንህዝቢ ምትላልዩ ፈጺሙ ዓዲ ዘይ የእቱ

ብ ገብሪሂወት (ኣቡዓሸራ)

ምዕዶ ዘይ ሰምዕ ነየድምዕ፤ እዚ ኣርእስስቲ እዚ ብዕምቆቱ ክረኤን ክልተ ግዜ ክንማራመር ይገብረና ብመሰረቱ ውድብን ሰልፍን ከሎ ካልእ ውድብን ሰልፍን ምምስራት ኣድላይ ኣይ ነበረን፡ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን፥ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክኣ ክኸውን ኣይ ክእልን አዩ፤እንትርፎ ንብሕታዊ ስልጣን የዔዊትካ ኣብ ኮሮሻ ዓመጽ ተወጢሕካ ንውልቃዊ ረብሓኻ ብዘገልግል ንህዝቢ እና ከፋፈልካን ብደም እና ኣናቆትካን ናይ ብሓትነት ዓመጽ ስልጣን ምርጋጽ ጥራሕ ካብ ምኻን ሓሊፉ፤ ካልእ ንህዝብን ሃገርን ከምጽእ ዝኽእል ሰላምን፥ፍትሕን፥ራህዋን፥ቅሳነትን ፥ምዕባሌን ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ጥራሕ ናይ ኣታሓሳስባ ስንክልና ምኻኑ ነውሰከፍ ጉዱስ ኤርትራዊ ክግንዞቦ ይግባእ።

ተሞኩራዊ መርትዖ ናይዚ ዝጠቀስኩዎ

ብረታዊ ቃልስና ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ) ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ንሙልእ ህዝብን ሃገርን ናጻ ካልእ መተካእታ የብሉን ኣብ ትሕቲ ዝብል ፍትሓዊ ጨርሖ ሓንቲ ተጋድሎ ሃርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ)ጥራሕ እያ ነይራ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ እዚ ኹሉ ቁኑዕ ተበጉሶኣ ዲሞኩራሲ መትከላ ቁኑዕ ዕላማኣ >>>> ኣብ ርእሲ ተ.ሓ.ኤ ካልእ ውድብ ኣብ 1970 ህዝባዊ ሓይልታት ዝብል ውድብ እንታይ ኣድለየ፤ ሂወት ኣሻሓት ኤርትራውያን ኣብሪስካ ኣጥፊኻን ስልጣንካ ንምብሓት ዶ ኣይኮነን ዝነብረ። እቲ ውድብ ህዝባዊ ሃይልታት ተባሂሉ ዝተፈለየ ሸነኽ ናይ ብዓል ስውእ ዕስማን ሳልሕ ሳበን፥ ሸነኽ ናይ ኢሳያስ ኣፈውርቅን፥ሸነኽ ብዓል ዕማሮን ብሓንሳብ ክሰርሑ ተሳማሚዖም ኣብ ርእሲ ተጋድሎ ሓርንርት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ) ጸብለልነት ከሪኡ ንግዝያዊ ህላውነቶም ክሳብ ዝድልዱሉ ከራጋግጹ መምስ ተንኮሎም ሃቂ ዘይብሉ ሱሙር ግምባር ብውዲት ተላዕጠጠ ውድብ መስረቱ።

ኩቡራት ተካታተልቲ ዓዘቡ

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ) ነዚ ሓደጋታት እዚ ዘምጾኦ ሳዕቤንን ጠንቕን ኣጸቢቃ ስለ ዘስትባሃለት ኢሂን ሚሂን ተባሃሂልና ሽግርና ብሓባር ክንፈትሖ ኣሎና ካብ ዝብል ሓላፍነት ዝመልኦ ተበግሶ ወሲዳ ንስምረት ክትዝቲ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ መወዳእታ 1974 ወሰነት።

ተዓዘቡ ተካታተልቲ ተንኮል ኢሳያስ ኣፈወርቂ

ኣብ ዘበነ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት ብዕሊ ዝፍለጥ ዝነበረ ከም መራሕ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት ስዉእ ተጋዳላይ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ከምዝነበረ ይፍለጥ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ)ጀብሃ ከምቲ ቅዱስ ዕላማኣን መትከላን ኣብ ሃድነት ዝነበራ መርገጽ መሰረት ብምግባር በቲ ዕላዊ መራሒ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት ስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ኣቢላ ንስምረት ኣብ ከባቢ ወርሒ 2/1975 ካኣላይ ውባዊ ግባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝቃራረበሉ ዝነበረ እዋን መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ስውእ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ኣብ ቱኑዝያ ተራኺባ ብመስርሕ ሓድነት ድነት ተሳማሙዑ ኣብ ማዕከን ዚናታት ዓለም ብራድዮ ኩለን ሃገራት ኣቃሊሔንኦ ህዝብና ድማ ታሕጋሱ ወሰናይነበሮን፤ እንተኾነ ታሕጓስ ህዝቢ ዘይፈቱ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነታ ስምምዕ መስርሕ ስምረት ፋሕ ከብል ጀብሃ ምስ ዕስማን ሳልሕ ሳበ ተራኪባ መስርሕ ዘተ ስምረት ወዲኣቶ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ናይ ወጻኢ ሉሁኽ ዳምበር ነቲ ናይ ሜዳ ዘሎ ሓይሊ ኣይ ውኩሎን ኢዩ ኢሉ በቲ ሓደ ወገን ንመስርሕ ሓድነት ሓርሙ ፋሕ ኣቢሉዎ፤ በቲ ካላኣይ ሸነኽ ክኣ ንህልውነቶም ክብሉ መምስ ተንኮሎም ዝመስረትዎ ውድብ ህዝባዊ ሃይልታት ፋሕ ኣቢሉ መስርሕ ሃድነታዊ ዘተ ዝተበጽሔ ኣብ ቱኑዝያ ፋሕ ኣቢሉዎ።

እንደገና ካልእ ናይ በይኑ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ብዝብል ውድብ መስሪቱ ከም ፍረ ውጽኢት ህዝብና ደቁ ብ ኣሽሓት ዝቁጸሩ ኣብ ዘይ ፍትሃዊ ውግእ ሕድሕድ ነቊቱ የህለቆም ክንዲ ዘኮለስኩስ ኢደይ ተነኸስኩ ዝብል ምሳሌ ድማ ኣብ ርእሲ ጀብሃ ዝወሰዶ ንወጻእተኛታት ኣዕናዊ ስጉምቲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ፍረ ውጺቱ እዚ ሕጂ ዝስሕኖ ዘሎ ሕሰመ መከራን ስቃይን ሞትን ብጋህዲ ዝዕዘቦን ዝሪኦን ዘሎ ብምኻኑ ስዋት ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ዝሓለፉ ጀጋኑ እንቋዕ ኣይሪእዎ።

ሕጅኸ ከምቲ ኢሳያስ ብታሕቲ ታሕቲ ምስ እንደራሴ ኣስራተ ካሳ ዝራከቦ ዝነበረ ብታሕተ ታሕቲ ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ ተቃወምቲ ብሃልቲ ገና ምስ ኢሳያስ ዘይ ተባተኩ ኣብ ውሽጢ ተቃዉሞ ደምበ ኮይኖም ውድብና ሰልፍና እናተባሕለ መማኽርቲ ኢሳያስ እውን ኣይ ተሳኡኑን፡ እቲ ዘገርም ግን ያዕ ዓገብ ዝብል ምውሓዱዩ ቀንዲ ግደ እዚኣቶም ኴንካ ኣጻር ተቕምኻ መጓሃሃሪ ምኻንዩ።

እዚ ኣሉታዊ ተመኩሮ እዚ ኻዩ ኣሻሓት ክዕቆብ ዝግቦኦ ሂወት በሊዑልና ኣሻሓት ሂወት ዝበልዔ ተመኩሮ ዘይ ተማሃርናሉ ካልእ ክንማሃረሉ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ናይ የእምሮ ግድለት ስንክልና ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል ሕጂውን ሓቢርካ ተኣማሚንካን ተኻባቢርካን ተማኪካን ምቅላስ ክሳብ ዘይ ሃለወ ደይ መደይ ኢልካ ንረብሓ እምፕሮቶር ንጉስ ሃጸይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ምዃን ሓሊፍካ ንህዝብና ንቅለስ ኣለና ምባል ንውድብን ሰልፍን ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ሰሪዕካ ምኻድ በዚሎሚ ዝዳናገር ሰብ ከምዘየሎ ክፈልጡ ይግባእ ንሕና ድማ ካብ ምቅላሕ ውዲት ሰጋእ ከምዘይ ንብል ተሪር መልእክቲ የህልፍ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሕብኣት ኢሳያሳት ክሓቁፍ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ክጻወሮ ዘይ ክእል ምኻኑ ዝሳሓቱ ሙሁራት ፈለጥቲ ብሃልት ክግንዘቡ ይግባእ፡ ብመንጽር እዚ ተረዲኦም ናብ መንፈሶም ክምለሱ ሕልና ክገብሩ እቲ መስርሕ ኪዳን ከዔዉቱ ተማኪሎም ክእዱ ንኹሉ ውድብ ይኹን ሰልፊ ጠለብ ሃገርን ህዝብን ስለ ዝዓቢ ነዚ ድልየት ሃገርን ህዝብ ከተዔውት ኲኖ ሰልፍን ውድብን ክንሓስብ ክንክእል ይግባእ ብልጽትን ቅስንትን ርህውትን ሃገር ክትህልወና ምእንቲ ኣብ ብልጽትን ቅስንትን ርህውትን ሃገርካ ኩሉ ብማዕረ አዩ ዝረብሕ ብትፈንጫልነት ዝመጽእ ዓወት እንተ ኣልዩ ሃገር ከምዚ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ድከታ ትሰቲ ዘላ ካላኣይ ድከትካ ምስታይ ስለ ዝኾነ ወጊድ ንሰልፈይ ሰልፍካ ወጊድ ንውድበይ ውድብካ ኣብትሕቲ ሓንቲ ጽላል ምቅላስ ክናምን ኣለኣን እናበኩ ጹሕፈይ ይዛዝም።

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,909,099 وقت التحميل: 0.27 ثانية