Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
17/10/1445 (25 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF
ሙስሉይነት ሃመደኤ/ብፍረወይኒ ገ/&#492

ሙስሉይነት ሃመደኤ

ብፍረወይኒ ገ/ጻድቕ

22 ሕዳር 2009 / ካብ ሃገር ጀርመን

ትማል ቀዳም 21 ሕዳር “ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ (ሃማደኤ)“ አብ ጀርመን መበል 30 ዓመት ምስረታ ማሕበረን ጸምቢለን። እቲ ኣደራሽ ብፖሊስ ጀርመንን ብናታተን ሓለውትን ተሐዚኡን ተሐልዩን ብምንባሩ ካልኦት ግዱሳት (ተቓወምቲ) ውሽጡ ክንርእዮ አይከአልናን። አቲ ቦታ አብ ከተማ ማንሃይም ወይ አብ ምሕዱግ ክፍሊ ኡንዳስትሪ ናይቲ ከተማ ነይሩ። አብኡ ዋላ ከይደሌኻዮ ንዓይኒ ዚማርኽ ተርእዮ ዚነበረ ኵላተን ተሳተፍቲ ተኸዲነንኦ ዚነበራ ጥሉፍ-ክዳን (ዙርያ) ነይሩ። ከም ዝሰማዕናዮ ህግዲፍ ንሓደ ጥሉፍ-ዙርያ 100 (ኦይሮ) አኽፊሉ ነዘን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዚኸደነን ኢዩ። ጥሉፍ-ዙርያ ለቢሰንን በብከተመኣን ብሕብሪ’ቲ ዙርያ ተኸፋፊለን ዕጸፍ ዝርግሕ ብምባል ባንዴራ ህግዲፍ-ኤርትራ ከቑማ’ዩ  ነይሩ። እዚ አብ ከተማ ማንሃይም ብ“ሃማደኤ“ ዚተገብረ ጓይላን ዳንኬራን ብዓንተብኡ ንምቅንጃው ስርዓት ህግዲፍ ዚተደዀነ’ዩ ነይሩ።

ብመንጽሩን ከምቲ አብ ኩሉ ኤርትራዊ መርበባት ተሰቒሉ ከም ዚቐነየን "ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ አብ ጀርመን" ዚተባህለ ናጻ-ማሕበር ዚዓደምኦ ሰላማዊ ሰልፊ ተራእዩ። ብኻልእ አዘራርባ ህግደፍ አብ ጓይላ፣ ተቓውሞ ከአ ኣንጻሩ አብ ሰልፊ ኔርና። ኣነ ህግዲፍ ደኒኖምን ሓፊሮምን ዚሐልፍሉ ገጽ ንመጀመርያ ግዜ ርእየ። ብኣንጻሩ ከአ እቶም ንቃወም ዚነበርና መንፈስ ትብዓትና ላዕሊ ነይሩ። መሳዅቲ አደራሽ ህግደፍ ብወረቓቅቲ ዲ’ዩ ጨርቂ ካብ ኣዕዒንትና ተዓሺጉ ብምንባሩ ብዝተኻእሎም መጠን ኣንስቶም ካብ ነድርና ከዊሎመን ውዒሎም።

ነዚ ብጻውዒት ተበግሶ ናጻ ማሕበርና ዚተጸውዐ ሰላማዊ ሰልፊ ሐደ ሓበላ ነይርዎ። ንኹሉ ዚምልከቶ ቀጥታ ብደብዳበን ብሓፈሻዊ ማለት ብመርበብ ሓበሬታን ብኣግኡ ዓዲምና።  ብዘይካ ኣባላትናን ካልኦት ምሳና ዚደናገጻን ደቂ ኣንስትዮ ካልኦት ከም ዝድለ አይሐገዛናን። ኣውራ ከአ ካብ ጥርኑፍ ሸነኽ ብዘይካ ሰልፊ ህዝቢ ካልኦት ውድባትን ስቪክ ማሕበራትን ፍጹም ብኹራት ብምንባሮም ባህ ዘየብል ነገር ነይሩ። ከምቲ ዝሰማዕናዮ ከአ "ወዮ ሰላማዊ ሰልፊ ብአና አይተጸውዓን“ እናማኻነዩ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘይተሐወስዎ ፈሊጥና። እዚ ብሐቂ ድኽመት ኢዩ። ስለዚ ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ተቓወምቲ አብ ግብራውነት ንራኸብ!

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኵሎም ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ/ሓ ይጽውዕ ነይሩ። ገለ ካብቶም ዚነበሩ ጭርሖታት ከአ ከምዚ ዚስዕብ ነበሩ።

1)  ህግደፍ ምልካዊ ስርዓት'

2)  ኣይፋል ንምልኪ

3)  ቅዋማዊት ኤርተራ ትንገስ

4)  መሳርሒ ምልኪ ይደምሰሳ

5)  ጭኩናት ኣሓትና ይደበሳ

6)  መሰል ደቀንስተዮ ይኽበር

7)  ነጻ ማሕበር ደቀንስትዮ ይዓምብብ

8)  እሱራት ይፈትሑ

9)  ፍትሒ ንህዝቢ ኤርትራ

10) ወፍሪ ባርነት የብቅዕ

11)  መንእሰይ ንትምህርቲ

12)   ንፍትሒ ንቃለስ

13) ደበስ ንስድራ ስዉኣት

14) ለበዋ ሰዉእ ይኽበር

15)  ብዙሕነት ጸጋ'

16) ሃይማኖት ናይ ግሊ'ዩ፣ ሃገር ከአ ናይ ሓባር

17)  ምቁዋም መሰል'

18)        ብተሳትፎ ኩሉ ወዲሃገር -- ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ትትሃነጽ

19) ውላድ ምስ ወለ^ዱ - መንእሰይ ኣብ ዓዱ

20)  ስድራ ስዉኣት ይናበዩ

21)  መስረትቲ ሃማደኤ ኣብ ማእሰርቲ

22)  ሃማደኤ መደልደሊ ምልኪ

23)  ኣዴታት ክነብዓ ሃማደኤ ይስዕስዓ

24)  ሃማደኤ መሰለይ ዘይብል ኣብዲ’ዩ

 

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,413,662 وقت التحميل: 0.24 ثانية