May 18 - 2011
ኣገዳሲ ህዝባዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ
ተቐማጦ ቶሮንቶን ከባቢኣን
ናይ ህዝቢ ሽማግለ ፖለቲካዊ ጉዳያት ቶሮንቶን
ከባቢኣን ነቲ ኣብ’ዚ ዝመጽእ ዘሎ ጉባኤ ዝዝተየሉ ንድፊ ሰነዳት ናብ ህዝቢ ንምይይጥ ከተውርዶ ኢያ ። እዚ ምይይጥ ንድፊ
ሰንዳት’ዚ ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ከምኡ ድማ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን እምነትን ዘለዎ ዝምልከት ኢዩ ።
ዝተወደበን ዘይተወደበን ፡ ሲቭል ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ፡ ደቂ ኣንስትዮ ፡ መንእሰያት ፡ ምሁራት ኮታ ኩሉ ኣካል ሕብረት ሰብና
ዝሳተፎን ብነጻ ሓሳባቱ ዝገልጸሉን ኣኼባታት ኢዩ ። ስለዚ ኣብዚ ኮምሽን ዘዳለዎ ምይይጥ ንድፊ ሰነዳት ጉባኤ ዝተሳተፉን
ዝተመዝገቡን ጥራይ ኢዮም ንጉባኤ ዝሓጽዩን ዝሕጸዩን ፡ ዝመርጹን ዝምረጹን ። እዚ ምግባር ናይ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ
መሰልን ግዴታን ሓላፍነትን ምዃኑ ድማ ነተሓሳስብ ። እዚ ዘየማልኡ ኣብ መስርሕ ሕጸ ይኹን ምርጫ ከምዘይሳተፉ በዚ ኣጋጣሚ
ኣቐዲምና ንሕብር ። ነዚ ዝምልከት ኣኼባታት ዝካየደሉ ቦታን ግዜን ከምዚ ዝስዕብ እንሆ፡
ቦታ ኣኼባ ፤
847
Dovercourt .Rd
ዕለት
፤
May 28 - 2011
ግዜ
፤
4PM – 8PM
ብደሓን ምጹ
ናይ ህዝቢ ሽማግለ ፖለቲካዊ ጉዳያት
ቶሮንቶን ክባቢኣን
|