Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
2011 ትኹን ናይ ህግደፍ መድምደምታ
أخبار

2011 ትኹን ናይ ህግደፍ መድምደምታ

እዚ የዋህ ህዝቢ ኤረትራ ክረክብ ሩፍታ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ለበዋ)

(ነብስኻ ምቕታል ኣይኮነን መፍትሒ ሽግርና መንእሰያት ደቂ ኤረ)

ምክልኻል ሓይልታት ኤረትራ

ምስ ኣሃዱታት ኪዳን ስርሑ ብሓበራ

ዕምሩ ካሓጽር ስርዓት ኣስመራ

ነብስኻ ምቕታል ንሃገርና እዩ ክሳራ።

ደቂ መንኢኹም እንተ በሉና

ንብሎም ኣፍልብና ነፊሕና

ደቂ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ጅግና

ኣሕዋት ቶም ተበጂዮም ሃገር ዘረከቡና

ዕላማ ናቶም ክነተግብር ንቃለስ ዘለና  

ፍትሒ ክነግስ ኣብ ሃገርና

እወ ንሕና

ኣስላምና ክስታና

መሰልን ክሕሎ ኩለን ቢሄራትና

ኤረትራ ንኤረትራዊያ እዩ ጭርሖና

ድሕሪ ስዕረት ህግደፍ ግና

ደሞክራስያዊ ኤረትራ ክንሃንጽ ኢና።

(ትቐንኡ ዶ ከማይ)

ብሓወልቲ ሰማእታት ኣምሓራ ኦሮሞ ትግራይ ዘንቃዕረረ ንሰማይ)

ታሪኽ ሰማእታቶም ተንቲኑ ዝነግር ሓወልቲታት ንዓለም ዘገረሞ።

እንተ ናትናሞ ንኣዳም ገረሞ ዘይተዓደልና ኣበይ ክንረኽቦ ፡

ኣብ ርእሲ ከተማና ዘሎ ሓወለቲ እንታዋይ) ናይ ቶም ቅያ ሰሪሖም ሃገር ነጻ ዝገበሩ ሓወልቲ ዘይተተኽለስ ተተኺሉ፡ ሓወልቲ ዝመጸ ካብ ስግር ቃላይ ኢደሰባራ ገሩና ዚ ጣልማይ። ክልተ ዝመልሓሱ ከም መንደላይ ኢደይ ኢድካ ንበል ምስ ጭፍሩኡ ንምእላይ።

ህግደፍ ጃህረኛታት ኣብ መበል 20 ዓመት ክንተክል ኢና (ሓወልቲ)

እንዳበለ ገንዘብ ኣኪቡ ካብቲ ካብቲ

ንፕራፖጋንዳኡ ገርዎ መሄውተቲ

ህዝቢ ብጥምዩ ንዝናይ ሳዕሲዒ ተጻወቲ

መራሒ ህግደፍ ሒዝዎ ዛርቲ።

ኣቲ ሃገር መንዩ ዋናኺ

ለከ ሓቆም ዋናኣ ዘይትፈቱ ዝበሉኺ

ወደባት ደም ተንብዒ እንታይዩ ዕላማኺ

ንዘይ ፍትሓዊያን መሪጽኪ

ኣይፋልኪ ኤረትራ ኣይፋልኪ

ኡዩ እባ በሊ ኣስምዒ ድምጽኺ

በብሓደ ይጸንት ኣሎ ህዝብኺ

ያኣክል በልዮ ነቲ ደም ዘንብዓኪ

ክድምደም ግዝኣተ ምልኪ

ሰፍካ ምዘዝ በሊዮ ንህዝብኺ።

(ፈራህ ዓሰርተ በትሩ)

ህግደፍ በትሪ ኣይተዋጣውጡ

ከም ኢሰባ ትሕቲ መረት ከይትዋሓጡ

ህዝቢ ይቆጽር ኣሎ ማዓልቲ ኣጽቂጡ

ቃንዙኡ ዊሒጡ ንውሽጡ።

ክንብል ዶ ኣብቂዑ

ኣይፋሉን ከይትዝንግዑ

ኣለዉ ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዑ

ወረ ከባጻጽሑ ኣብ ተቓውሞ ዝተጸግዑ።

(ህግደፍ ዝነብር ዝመስሎም)

ከም ጠበቅ ርእሶም ዝንቕንቑ

ህዝቢ ብሰንኮም ከም ጮው ሕቒቑ

ብደገን ብውሽጥን ንጸይቂ ዝተዓጠቑ

ዎይጦታት ደመደይ ኢሎም ዝጽይቑ

መሳርሒ ሸፋቱ ዝበልዑ ጸጽብቑ።

(ሃገርና ኤረትራ)

ኣብ ንበር ክምለሳ ኣውራጃታታ

ኤረትራዊ ኣደ ክነቅጽ ንብዓታ

2011

ትኹን ናይ ህግደፍ መደምደምታ።

ሓባል መጠመቲኣ ትኳሓል

መን ድዩ ንዓመታት ዘበለና ኮለል

ንጠንቀቕ ከይንድህለል

20 ዓመት ዝዓሸናዮ ያኣክል

ካብ ኪድ በሎ ኪድ ንብሎ ይቐልል።

(ትኽስ ድሙስ መዘንግዒ ኣናጹ)

ይመስለን ደቂሱ

ሕማቕንፋስ ኣይተንፍሱ

ክልተ ግዝየ ሕሰቡ ከይትጣዓሱ

ዊዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፎ ህግደፍ ምፍራሱ።

(ሰናይ ቅነ ኣብ ዝቕጽል የራኽበና)

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ)

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና)

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም)

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን።

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,917,345 وقت التحميل: 0.30 ثانية