Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ክቡር ጆሰ ማኑ&#47
أخبار

Shar Al Tahalf 2.JPG

ቅሉዕ መልእኽቲ

ናብ ክቡር ጆሰ ማኑኤል ባሮሶ

 

 

ጉዳዩ፡- ብዛዕባ’ቲ ኣብ 9 ሕዳር 2009 ኣብ ቡሩክሴልስ ንኹነታት ኤርትራ አመልኪቱ ብናይ ወጻኢ ጉዳያት ኣማኸርቲ (EEPA) ዝውደብ ዘሎ ዋዕላ ብዘርኢ፡፡

ክቡር ጆሰ ማኑኤል ባሮሶ

ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ኮሚሽን ፕረሲደንት 

ክቡር ፕረሲደንት

 

     ብቀዳምነት ንካልኣይ ዙር ፕረሲደንት ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ኮሚሽን ኰንኩም ብምምራጽኩም  ዝስማዓኒ ሓጎስ እንዳገለጽኩ ቀጻሊ ዕማማት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምዕዋት ልዑል ግደኹም

 

 ክትጻወቱ ሰናይ ትምኒተይ እገልጸልኩም፡፡   

 

     ንሕና ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ተጠርኒፍና እንቃለስ ዘላና ውድባት እቲ ብናይ ኤውሮጳ ሕብረት ናይ ወጻኢ ጉዳያት ፖሊሲ አማኸርቲ (EEPA) “ ንመርገጻት ሕቡራት

 

 መንግስታትን ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራሲን ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ንምስምማዕ ” ብዝብል ክዝቲ ተወዲቡ ዘሎ ዋዕላ ብደረጃ ኪዳን ዘለና ዕቃበታት

 

 ንምግላጽ እዩ፡፡ ኩሉና ሰብ ጉዳይ ዝኾና ተቃለስቲ ኤርትራውያን ብሰንኪቲ እዚ ብጉዳይና ክዝቲ ዝጋባእ ዘሎ ዋዕላ ኣብ ኣገባብ ኣወዳድብኡን አሰታትፉኡን ዘለዎ ጸገማት ብሓፈሻ ኣብ መላእ ደንበ

 

 ተቃውሞ ኤርትራ ብፍላይ ካኣ ብድሕሪ እቲ ከቢድ ቃልሲ ናይ ህዝብናን ተቃለስቲ ሓይልታቱን ሲቪካዊ ማሕበረሰባትን ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ተወዲቡ

 

 ሓድነቱ ዘረጋገጸ 13 ውድባትን ሰልፍታትን ህዝብናን ክፈጥሮ ዝኽእል አሉታዊ ሳዕቤናት መሰረት ብምግባር ዘሎና ዕቃቤታት በዚ መልእኽቲ’ዚ ከነማሓላልፈልኩም ንፈቱ፡፡  

  

     ንሕና ንዝኾኑ ንመጻኢ ዕድል ህዝብናን ሃገርናን ዝምልከቱ መሰረታዊ ጉዳያት ኣብ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራውን ዓለምለኻውን መጋባእያታት ብዘይተሳትፎ ወሳኒ ተራ ዘለዎ ናይ ኤ.ዲ.ኪ ግንባርናን

 

 ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ተቃለስቲ ውድባትን ምንቅስቃሳትን ሲቪካውያን ማሕበረሰባትን ምሁራንን ሓርበኛታት ሃገራውያንን ሃይማኖታውያን መራሕትን ወዘተ ክዝተን ክውሰንን ሱቅ ኢልና ክንሪኢ

 

 ፖለቲካውን ሞራላውን ገድላውን ዕላማታትና ፈጺሙ ኣየፍቅደልናን እዩ፡፡ ፈተውቲ ሰላምን ዲሞክራሲን ዚኾኑ ህዝብታትን መንግሰታትን ግብረሰናይ ማሕበራትን ሕብረተሰብ ዓለም ንፍትሓውን

 

 ሕጋውን ደሞክራሲያዊ ተጋድሎና ክደጋግፉና ሓንጎፋይ ኢልና እንቅበሎን እነመስግኖን ቅዱስ ዕላማ ይኹን ደኣምበር ኣብ ክንዲ ሰብ ጉዳይ ኩልና ኤርትራውያን ብሓባር ኮይና ኣብ ምውሳኑ ተራና

 

 ንጻወት በዚ ትኸድዎ ዘለኹም ብወሳኒ መልክዑ ብዘይ ተማለኤ ጉዳይና ክዝተን ክውሰንን ፍትሓዊ ኣይኮነን፡፡ ብደረጃ ከምዚ ዝኣመሰለ መጋባእያ ጉዳይና ክዝተን ኣብ መድረኽ ክቀርብን ምውጣንኩም

 

 ሕጅውን ዝምስገን ተበግሶ ይኹን ደኣምበር በዚ ተሊምኩሞ ዘለኹም ኣወዳድባ እዚ ጻዕርኹም ነቲ ዝድለ ሽቶ ክወቅዕ ግን ኣብ ጥጡሕ ባይታ ስለዘይተዘርኤ ውጽኢቱ ኣወንታዊ ክኸውን ኣይክእልን፡፡

 

 ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ አቀዲምኩም ትፈልጥዎ ዝጸናሕኩም ዝምድና ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ሕብረት ኤውሮጳን ብናይ ኢ.ዲ.ኪ ወጻኢ ጉዳያት ሓለፍትን ኣብኡ ብዝርከብ ቀዋሚ ወኪልናን

 

 ተበግሶ ውፍያትን ጽኑዓትን ሃገራውያን ሲቪካዊያን ማሕበረሰባትን ክትስዕብዋ ዝጸናሕኩም ዝተታሕዘ መስመር ኩሉና ንፈለጦ እዩ፡፡ እዚ አፍልጦ እዚ እንዳሃለወ እዩ ካብዚ ተዋዲዱ ዘሎ ዋዕላ እዚ

 

 እንታይ ክግበር እዩ ዝድለ ዘሎ ኩላትና ንቅድሚት ሓቢርና እንርእዮ ኮይኑ ነቲ ዝሰፍሔ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ዕሽሽ ኢልካ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ድሕሪ መጋረጃ በታታኒ አገባብ ዝኸይድ ግን ብጣዕሚ

 

 ዘሕዝን ተርእዮ እዩ፡፡  

 

     ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ሓደ ከብቶም ቀንዲ ንኣካናውና ህላወ ሕብረተሰብና ዝግለጸሉ መልክዕን ትሕዝቶን ዘለዎ ሰፊሕ ናይ ሓድነት ግንባር እዩ፡፡ ሕብረብሄራዊ ብሄራዊ ሃይማኖታዊ

 

 መልክዕ ውዳበታት ዝሓቆፈ ንፍትሕን ሰላምን ዲሞክራሲን ዝቃለስ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ተቃውሞ ግንባር እዩ፡፡ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ካኣ ኣብዚ ኣወዳድባኹም እዚ እቲ ዘገርም ጉዳይ እንተ ዳኣ ሃልዩ

 

 ኣብ ቲሕቲ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ናይ ሃገርናን ደንበ ተቃውሞን እዩ እዚ ንገለ ውሱን ኣካል ዘሳትፍ ንዝሰፍሔ ዓቅምታት ደንበ ተቃውሞ ኤርትራን ኤ.ዲ.ኪ ዘዋስን ከፋፋሊ ዋዕላ’ዚ ይካየድ አሎ

 

 ምርኣይ አገዳሲ ይመስለና፡- 

 

1. ኣብ ኩነታት ሃገርና ክንርኢ ከለና ጸረ ህዝቢ ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ እቲ ብውሽጥን ብደገን ዝኸተሎን ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ፖሊሲታቱ ካብ ዝሰፍሔ ክፍልታት ሕብረሰብናን ዓለምን

 

 ተነጺሉ ንውድቀት ዝሳጣሓሉ ዘሎ እዋን ይጋባእ ምህላው ጥራሕ ዘይኮነስ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ’ቲ ናይ ዞባና ዝርገተ ሰላም ዋና ተዋሳኢ ብምኻን ብኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት መንግስታት

 

 ዓለምን ተሪር ናይ እገዳ ውሳነታት ተግባራዊ ክኾኑ ጥጡሕ ባይታ ኣብ ዝተፈጥረሉ ንጸይቂ ባህሪያት ስርዓት ተገንዚብካ ኣብ ክንዲ’ዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ምድፋእ ንውሽጣዊ ዓቅምታት ደንበ ተቃውሞ

 ኤርትራ ዘዳኽምን ዝመቃቅልን አካይዳ ምኽታል ኣብዚ ህሞት’ዚ ዕላምኡ እንታይ እዩ?  

 

2. ናይ መላእ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ካልኦት ውድባትን ምንቅስቃሳትን ሲቪካዊ ማሕበረሰባትን ምሁራንን ሃይማኖታውያን መራሕትን ዓበይቲ ዓድን ወዘተ ዝሳተፍዎ

 

 ሰፊሕ ዋዕላን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክጋባእን ኩሉ ዓቅምታት ሕብረተሰብና ኣብ ክሊ ዝሰፍሐ ናይ ተቃውሞ ግንባር ተጠርኒፎም ክቃለሱ ኣብ ዝሸበሸብሉ ወቅቲ ነዚ ናይ ህዝብናን ተቃለስቲ

 

 ሓይልታቱን ናይ ሓድነት ጻዕሪ’ዚ ብዝያዳ ክሓላልኾን ክዕንቅፎን ዝኽእል ክስተት እዩ፡፡

 

3. እዚ አዋሳኒ ዋዕላዚ ሓደጉኡ እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ተዋሃሂዱ ክቃለስ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ክምርሽ ተበጊሱ ዝጸንሔ ዓቅምታት ኤ.ዲ.ኪ ሲቪካዊ ማሕበረሰባትን ሕጅውን ኣብቲ ሑሉፍ

 

 ኣሉታዊ ተመኩሮ ናይ ምንጽጻግን ዘይሃናጺ ውድድራትን ዝፈጥሮ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማናትን ክጥሕልን ከዓሙቅን ስለዚ ኻኣ በብሸነኹ ደደንቢኡ ፈልዩ ንምምብትታን ክሳጣሕ ዝገብር ሰራም

 

 ተርእዮ ብምዃኑ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ምትእትታው ይኸውን ስለ ዘሎ እዚ ሓደጋ’ዚ ብትኽክል ክትግንዘብዎ ነተሓሳስብ፡፡

 

     ካብዚ ሓቅታት እዚ ብምብጋስ እዚ ኣብ በልጁም ብሩክሴልስ ንኽልተ መዓልቲ ብጉዳይና ክዝቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክጋባእ ተዓዲሙ ዘሎ ዋዕላ ከምዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ሓደጋታት

 

 ሓቂፉ ይጋባእ ስለዘሎ ብምልኣት ሰብ ጉዳይ ወናታቱ ዘይሳተፍሉ ንፍትሕን ሰላምን ዲሞክራሲን ህዝብና መሊኡ ኣብ ምርግጋጽ ይኹን ናይ ዞባና ርግኣትን ሰላምን ብዘይ ጸገም ኣብ ምዕዋት ብቁዕ

 

 መተካእታ ክኸውን አይክእልን እዩ፡፡ ስለዝኾነ ኻኣ ኣብ መደምደምታ መልእኽትና እዚ ዝስዕብ ርእይቶና ክነማሓላልፈልኩም ንፈቱ፡-

 

1. ዝኾነ አካል ኣብዚ ዋዕላ እዚ ብስም እቲ ዝተጠርነፈ 13 ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኪዛረብ ሕጋዊ ሓላፍነት ከምዘይብሉ ከነረጋግጽ ንፈቱ፡፡ 

 

2. ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ ዝዝቲ ዋዕላ ንዝሰፍሐ ብሓባር ዝተጠርነፈ ይኹን ኣብ ምጥርናፍ ጉዕዞ ዘሎ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበረሰባትን ምሁራንን

 

 ሃይማኖታዊ መራሕትን ዕሽሽ ኢልካን አዋሲንካን ዝካየድ መጋባእያታት ንረብሓ ህዝብና ስለ ዘይኮነ ብኣና ሸነኽ ቁቡል ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ መርገጹ ብልክዕ ከበርህን

 

 ተሳትፎኡ ኣብዚ ኮንፈረንስን’ዚ እንታይ ክኸውን እዩ ክነጽርን ብትሕትና ነተሓሳስብ፡፡

 

3. ሕብረት ኤውሮጳ ሕጂውን እቲ ምስ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዝጀመሮ ዝምድና ግቡእ መስመሩ ሒዙ ክቅጽልን ንዝኸዱ ምዕብልናታት ደንበ ተቃውሞ ኤርትራን ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርናን

 

 ብትኹረት ኪከታተልን ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዝካየዱ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጎሰይቲ ዋዕላታት ቅኑዕ ኣገባብ ተኸቲሎም ኪኸዱ ኣብ ምግባር ልዑል ተርኡ ክጻወት ይግባኦ ኔሩ ንብል፡፡ ስለዝኾነ ኻኣ ሕጂ

 

 ይኹን ንድሕሪ ሕጂ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዋዕላታት ብቀንዲ ንረብሓቲ እቲ በዓል ጉዳይ ዝኾነ ህዝብናን ከባቢናን ሕብረተሰብ ዓለምን ብፍትሓዊ አገባብ ብዝጠቅም መንገዲ ክጋብኡ ብትሕትና

 

 ነተሓሳስብ፡፡ ዝኾነ ወዳቢ ኣካል ካብ ጸቢብ ጊዚያዊ ረብሓታትን ሕሳባትን ዲሒኑ ብሓላፍነታዊ አገባብ ብነዊሕ እስቲራቲጂካዊ አጠማምታ ክሰርሕ ክጽዕር ይህልዎ

 

ንብል፡፡ 

 

4. እዚ ሕጂ ክጋባእ ኣብ ምውዳድ ተኣትዩ ዘሎ ዋዕላ ብዝምልከት ኻኣ ሳዕቤናቱ ነቲ ነዚ ጉዳይ ዝወደበ አካል ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ናይ ወጻኢ ጉዳያት አማኻሪት (EEPA) ሓንቲ ናይ በልጁም

 

 ሰብኣዊ ማሕበር ወካሊት ዝኾነትን ብመሪሒነት ዶ/ር ሚሪ ጃም ቫን ሬይሰንን ኣብዚ ታህዋሳዊ ረዚን ሃገራዊ ዛዕባ’ዚ ኣማኸርታን ተሓባበርታን ዝኾኑ ሎቢስት አካላትን ዝስከምዎ ይኸውን፡፡ 

 

ምስ ዕዙዝ ናይ አኽብሮት ሰላምታ!

 

 ተወልደ ገ/ስላሴ

 

ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

 

 ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

 

  5 ሕዳር 2009

 

ቅዳሕ

 

   ንክቡር  ካርል ደ ጉቾት

 

   ናይ ምዕባለን ሰብኣዊ ሓገዝን ኮሚሽነር

 

   ሕብረት ኤውሮጳ

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,903,967 وقت التحميل: 0.26 ثانية