Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ብድሆታት ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መ&#4757
أخبار

ERITREAN YOUTH MOVEMENT.jpg 

ብድሆታት ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ-ዓባይ ብሪጣንያ

ህዝባዊ ምልዕዓል፡ ወላውን  ነቶም ብዝላዓለ ጥርዚ ናይ ጭቆናን መግዛእትን እናፈራረሑ ስልጣኖም ከናውሑ ዝጸነሑ ዲክታቶሪዊያን ስርዓት፡ ሓደ ብሓደ፡ በብታራ  እናርገፈ፡ ገሊኦም ዑቅባ ክሓቱ፡ ገሊኦምውን ንፍርዲ ቀሪቦም ብገበናቶም ክኽሰሱ፡ ኩላትና ብቀረባ ተዓዚብና። ሓደ ካብቶም ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣህዛብ ከም ሙኻንና መጠን ድማ፡ እቲ  ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝህንደድ ዘሎ ናይ ለውጢ ህቦብላ ክጸልወና ናይ ግድን እዩ።

በዚ ተመክሮ እዚ ተማሂርና ነቲ ብዝተፈላለየ ናይ ስቃይ ሜላታት እናተጠቀመ ህዝብና ዘበሳበስ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ከነቃልዖን፡ ካብ ስሩ ንምምሓው ዝግበር ቃልሲ ኣስተዋጽኦና ንምብርካት፡ ብዕለት 2 መጋቢት 2011 ብግዱሳት ባእታታት ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ኣብ በርሚንጋሃም ተመስሪቱ።

ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ዕድመን ጾታን ብዘየገድስ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ  ዘሳትፍ ኮይኑ፡ ዕላምኡ ድማ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ሱታፌ ቦኺሩ ዘሎ ዝበዝሐ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብና፡ ንምልዕዓል ኮይኑ፡ ምስ ዝኾነ ፓለቲካዊያን ውድባት ይኹን ቤርጌሳውያን ማሕበራት ጸጊዕነት ዘይብሉ ህዝባዊ ምልዕዓል እዩ።

በዚ ተበግሶ እዚ ድማ፡ ብምትሕብባር ምስ ኣሕዋት ኣብ ሎንደንን ካሎኦት ከተማታትን፡ ብዕለት 24.03.2011 ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ፡ ብቁጽርን ዓይነትን ቅድሚ ሕጂ ተራእዪ ዘይፈልጥ ዕዉት ዝኾነ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። ቀጺሉውን ብዕለት 25.05.2011 ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝተሓወሶ እንደገና ፍልይ ዝበለ ውዕዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። ብተወሳኺ፡ እቲ በጋጣም  መበል 20 ዓመት ብዓል ነጻነት ምኽናያት ተሓሲቡ ዝነበረ ዑደትን ናይ ለመና ወፍሪ ወዲ ገርሃቱ ናብ በርሚንጋሃም ኣፍሺሉ።

ነዚ ኣብ ውሑድ ግዜ ብድሩት ዓቕሚ ዝተረኽበ ዓወታት ንምዕቃቡን ንምሕያሉን፡ ሽማግሌ ሰለማዊ ሰልፊ እንደገና ምስ መሰረታት ተራኺቡ ንቀጻልነት ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ዘውሕስ መደባትን ንዕኡ ተተግብር ቀዋሚት ሽማግሌን ክመርጽ ኣብ መስርሕ ይርከብ።

ይኹን እምበር፡ ከምቲ ዝኾነ እኽሊ ብዘይ ክርዳድ ዘይበቁል፡ ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ እውን ብግስ ከይበለ ብዙሕ ብድሆታትን ዕንቅፋትን ከጋጥሞ ጸኒሑን ኣሎን። ኩሉ ንምዝካሩ እኳ ኣድላዪ እንተዘይኮነ፡ እቲ ነዚ ስምን ምልክትን ተጠቂሞም፡ ናይ ፓልቶክ ይኹን ካልእ ሰሚናራት ዝገብሩ ዘለዉን  ብስምና ዝሽቅጡ ዘለዉ ብቀረባ ይኹን ብሩሑቕ ምሳና ዘተኣሳስር ከምዘይብሎም ክንሕበር ንፈቱ።  በዚ ኣጋጣሚ፡ እቲ ንዕለት 03.07.2011 ኣብ ሎንደን ዝካየድ ሰሚናር ሕጅውን ብቀረባ ይኹን በርሑቕ ዝኾነ ዓይነት ምትእስሳር ከምዘይብልናን ንፈልጦ ነገር ከምዘየለን ክንሕበር ንፈቱ።

ዓወት ንውጹዕ ተቃላሰይ ህዝብና

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

ዝኽሪ ንስውኣትና

ሽማግለ ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ

 ዓባይ ብሪጣንያ

26.06.2011

Eym4change@yahoo.co.uk

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,290,868 وقت التحميل: 0.31 ثانية