Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
15/10/1445 (23 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ን&#484
أخبار

ENCD March 2011.jpg

ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስዊ ለውጢ

ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክትዕ ወሪዱ

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሳዊ ለውጢ ኣብቲ ብዕለት ብ10 ግንቦት 2011 ብዕድመ ኪዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ተሳቲፉ፡፡ ኣብዚ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ’ዚ ብዙሓት ወከልቲ ፖሎቲካዊ ሓይልታት፡ ኣባላት ኪዳን፡ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝርከቡ ውድባት፡ ገዳይም ሓርበኛታት፡ ኣባላት በርጌሳዊ ማሕበራት፡ መንእሰያት ሰደተኛታት፡ ደቂ-ኣንስትዮን ጋዜጠኛታትን ከምኡ’ውን ኣገደስቲ ውልቐ ሰባት ከምዝተረኽቡ እቲ ዝመጸና ሓበሬታ የረድእ።

 

ኣብዚ ብኪዳን ዝተጸወዐን ዝተዋሃሃደን ህዝባዊ ኣኼባ’ዚ አቦ-ወንበር ፖሎቲካዊ ኮሚቴ ኮምሽነር ዓሊ መሓመድ ስዒድን አቦ-ወንበር ውደባ ኮሚቴ ኮምሽነር መሓመድ ሳልሕ ኣቡበከርን ነቲ መድረኽ ንዘዳለወ ኪዳን መልእኽቲ ምስጋና ብድሕሪ ምቕራብ፡ ንተሳተፍቲ’ውን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባል፡ ብሕጽር ዝበለ ሓፈሻዊ ኩነታትን ጉዕዞን ኮምሽንን ዛጊት መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ሓቢሮም።

 

ቀጺሉ አቦ-ወንበር ፖሎቲካዊ ኮሚቴ ዓሊ መሓመድ ስዒድ እቶም ብኮምሽን ዝተዳለዉ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ማለት፡ ንድፍታት ሃገራዊ ፖለቲካዊ ቻርተር፡ መሪሕ ሓሳብ (Roadmap)፡ ሕገ ህንጻ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶን ስፊሕ መብርሂ ሂቡ፡፡ ብድሕሪ እቲ መግለጺ ተሳተፍቲ ብወገኖም ዝተፈላለየ ሕቶታት ድሕሪ ምሕታት፡ ኮምሽነራት ኣብቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ሂቦም፡፡  ተሳተፍቲ ብወገኖም ሃገራዊ ኮምሽን ንዘሳልጦም ዘሎ ንጡፍ ዕዮታት ብምምስጋን፡ ብህዱእ መንፈስን ዓቢ ሓላፍነትን ግሉጽነትን ንልዕሊ 7 ስዓት ዝኣኽል ኣዝዩ ውዕዉዕ ክትዓት ብምክያድ፡ ነቲ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ንምህብታም ዝሕግዙ ሃናጽቲ መማረጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ምቕራቦም እቲ ዝመጸና ሓበሬታ የረጋግጽ። ዝርዝር ውጽኢት ናይቲ ኣኼባ ሓበሬታ ምስ መጸና ክንዝርግሖ ምኻና እናረጋግጽና፡ እቲ ተሪፉ ዘሎ ፖሎቲካዊ ሰነድ ማለት ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ብተመሳሳሊ መድረኽ ክትዕ ክካየደሉ ምዃኑ፡ እቲ ዝመጸና ዜና የርድእ። 

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሳዊ ለውጢ (ኤ.ሃ.ኮ.ደ.ለ) ህዝብና ኣብቲ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ዘርእዮ ዘሎ ዓቢ ተገዳስነትን ተሳታፍነትን፡ እቲ ዝመጽእ ሃገራዊ ጉባኤ ዓይነታዊ ለውጢ ንምምዝጋብን፡ ሕብሪ ኤርትር ዘረጋግጽን ንምግባሩ ዘካይዶ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቃልስን ምትሕብባርን የመጉስ፡፡  እዚ ብኪዳንን ኣባላቱን ዝተወስደ ተበግሶ’ዚ ሓደ ብኣብነት ዝግለጽ ምዃኑ ብድሕሪ ምርግጋጽ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዱን፡ ነቲ ዝካየድ ንፖሎቲካዊ ሰነዳት ንምድንፋዕ ሃገራዊ እጃሞም ክጻወቱን ኩሉ ዓቕምታቶም ከበርክቱን ድማ ጻውዒቱ የቕርብ።  

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኩሉ ግዱስ ዜጋ ነቶም ፖሎቲካዊ ሰነዳት ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኮምሽን www.encdc.com  ክረኽቦም ከም ዝኽእል ብድሕሪ ምሕባር፡ ኣብቲ ሰነዳት ዝቐርቡ ሃነጽቲ መማረጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ለበዋታትን በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኢ-መይል (politicalcomm10@gmail.com) ክቕበል ድልዉ ምህላዉ ኮምሽን የረጋግጽ።

 

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

 ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

11 ግንቦት 2011

www.encdc.com

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,369,862 وقت التحميل: 1.07 ثانية