Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
17/10/1445 (25 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ኣብ ኤረትራ ስፖት ሲኢኑ መቀረት
أخبار

ኣብ ኤረትራ ስፖት

ሲኢኑ መቀረት

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ናይ ህግደፍ ጋዘጠኛ ኣብ ኣስመራ ንገዲም ተቃዳዳማይ ብሽግለታ ዝነበረ ፍስሓጽዮን ገብረየሱስ ክምዚ ኢሉ ካሓቶ ሰሚዔ ንስኻ ንኢትዮጵያ ወኪልካ ኣብ ኦሎምፒክ ትኻፊልካ ነርካ እሞ እዚ ናይ ሎም ቅድድም ከመይ ረኺብካዮ ይብሎ። ንሱ ካኣ እወ ጽቡቕ ወዘተ ይብል። ካብኡ ሓሊፋካ ሎሚ ኣብ ኤረትራ ሓሳብካ ምግላጽ ስለ ዘይካኣል እንበር ፍስሓጽዮን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ቅድድምን ናጽነትካ ወኒንካ ትገብሮ ቅድድምን ፍልልይ ከምዘለዎ ምተንተነ ነሩ፡ ግን እዚ ኮይኑ እቲ ንታሪኽ ንገድፎ እሞ፡ እወ ኤረትራዊያን ብስፖት ኣብ ኣፍሪቃ ታሪኽ ኣለዎም፡ ዋላ ውን ንኢትዮጵያ ወኪሎም እንተወጹ ኣብኡ ማዓስ ተሪፎም ከምዚ ናይ ሎሚ፡ ይምለሱ ነሮም ንሃገሮም ትምንታይሲ መግዛእቲ ከምዚ ናይ ሕጂ ድሕሪ ነጻነት ስለዘይ መረሮም። ከም እኒ ፍስሓጽዮን ዝኣምሰሉ ስፖርተኛታት ንሃገሮም ተመሊሶምስ ኣብ ቃልሲ እጃሞም ኣበርኪቶም ገለ ብጅግንነት ተሰዊኦም ገለ ድማ ሰንኪሎም ገለ ውን ብሂዎቶም ኣለዉ። ዘስደምም ግን ንተጻወቲ ኵዑሶ እግሪ ይኹን ንተቃዳደምቲ ብሽክለታ ከምዚ ናይ ዘበን ህግደፍ እኳ ጀነራላት ኣኮነን ነሮም ኣሰልጥንቶም። ቲ ጋዘጠኛ ከም ፓፓጋሎ ዲክታቶር ዝበሎ ዝደግም ዓሊ ዓብዱ ዝላኣኾ ካብኡ ሓሊፉ እንታይ ካሓትት ። ዝመስሎ ካሓትት ናጻነት ማዓስ ኣለዎ።

ኣብ ኤረትራ ስፖት

ሲኢኑ መሰረት

ሰኢኑ መቀረት

ንመንእሰይ ደም ጥዒምዎ ብርነት

ብሰንኪ ህግደፍ ሓሲሩ ኤረትራውነት

ተቃውሞ ብስፖርተኛታት

ብዝወጽዎ ይኾኑ ዑቑበኛታት

ፍንፊኖሞ ነቲ ስርዓት

ከምዚ ምግባር ውን ያሓትት ትብዓት፡

እንበር

ሃግሮም ዶ ጸሊኦም

ዘይነቶም ጠላማት

ጠፊእዎም ነጻነት ድዩ ባርነት

ካብ ምምላስ ናብ ህግደፍ

መሪጾም ስደት

ናይ ኤረትራ ስፖርት

ወኒኖም ጀነራላት

ስፖርተኛታት

ብጥምዮም ጀነራላት

ዊስኪ ይሰትዩ ይበልዑ ጮማታት

ኣይግዶም ይዕንድሩ ኣብ ባራት

ድሕሪ ናይ ዲክታቶር ውድቀት

ወዮም ጀነራላት

ወይ ጊዲኦም ይጥዕምዋ ስደት

ወይ ተኸሲሶ ይቀርቡ ፍርድበት።

ሹዑ

ኤረትራዊ ዓዱ ስለ ዝፈቱ

ክምልለስዩ ንምሸቱ

ናብታ ዝተበጀዉላ ኣያታቱ

ከምብሓድሽ ከስተማቅሮ ነጻነቱ

ክወግሕዩ ኣይተርፍን ጸልሚቱ።

እንዳ ሰምዔ ዝደቀሰ መን የስምዖ

ከፍእዎ ኮሎ ክንዲ እንቢ ኢሉ ዝኖዖ

ከይጠፍኦ ብዶላር ዝገዝኦ ቃጽዖ

ኦሆይ ይብል ቀታል ኣሓቱ እንተ ጸዎዖ

ቲ ጥዒምዎዘሎ ዘይመስሎ ትኸፍኦ

ዘንጊዑ ታሪኽ ከም ዝተፍኦ

ቲ ሓደ ውን ትም ውላዱ እንዳ ጠፍኦ

ኦ ኣምላኽ ረቢ ፍጠር ኣዋጾኦ።

ሃገረይ ጨኪንኪ

ኣብ ትሕቲ ምልኪ

ይሕሸኒ ኢልኪ

እንዳ ጠመየ ህዝብኺ

ንለውጢ ምሕጋዝ ኣቢኺ

ዶንሕና ኢና ደኺምናኪ

ምስ ገበነኛታት ወጊንኪ

በቲ ሓደ ወገንስ ሓቅኺ

ጥልመት ብውሽጢ ብደገ ኮይኑኪ

ሕጂ ግን ኣጆኺ

ተሳንዮም ደቅኺ

ተበጊሶም ንድሕነትኺ

ክፈድዩ ሕነኺ

ኣብ ልዕሊቶም ደም ዘንብዑኺ።

ሕደግ ኣታወዲ

ቃልስና ኮይኑዩ ኣብ ውሽጢ ዓዲ

ህዝቢ ቦታ ስለያ ዘለዎ ክሕበር መንገዱ

ክነፍርሶ ናይ ማፍያ ዕርዲ

ግፍዔኛታት ክቅበል ህዝባዊ ፍርዲ።

ስኒ ዓሻ ቁሪወደኦ

ንኤረትራዊ ዳስ መን ይጻቦኦ

በይኑ ዝሕጎስ ጽባሕ ይኸፍኦ

ቀባሕባሕ የብዝሕ ይስእን ኣብ ዝሕቦኦ።

ካብ ሕጂ ዘይለበመ

ሓገዝ ነቲ ርእሱ ዝሓመመ

ዳሰይ

ዘክሮ ናይ ቀደም ውራይ

ካልኣይ ነቲ ንእሽቶይ

ኣይትታሓጎስ ከም ማማይ

ኣይምሰልካ ዝኾንካ ሳዓራይ

ይሕሸካ ስኒት ምምናይ።

ሰናይ ቅነ ኣብ ዝቅጽልየራኽበና

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጃጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,425,255 وقت التحميل: 0.22 ثانية