Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
16/10/1445 (24 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ኣርእስታ ን ሃገራዊ ጉባኤ ዝጽበዮ &#4
أخبار

 ስክፍታ  እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ

ብሓው ሱለማን ማንዱር ዝተጻሕፈት

ብሓው ዓብደላ ሓሰን ዝተተርጎመት

 ኣርእስታ ን ሃገራዊ ጉባኤ ዝጽበዮ ዘሎ ብድሆታት ትብልያ

GABRHWAT ABOASHERA.jpg 

  ካብ ገብሪሂወት (ኣቡዕሸራ) 7/31/2011

 ዝኸበርኩም ዝከበርክን ንሰላምን፥ራህዋን፥ንግዛተ ሕግን፥ፍትሕን ትቃለሱን ትቃለሳን ዘለኩም ዘለኽን ደቂ ሃገር ኤርትራ ልዕሊ ኽሉ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ሕጊ ነጊሱ ዘሎ ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ሓንሳብ ንሓዋሩ ኣብ ናይ ታሪኽ ጓሓፍ ደርቢና ንኹሉ ሕብረ ብሔራትና ዘማእኸልን ዘማዕርን ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ዘስፍን ግዛተ ሕጊ ከነውሕስ መሪር ቃልሲ ዝካየድ ዘሎን ኣብ ርእሲ ህዝብና ክኣ ጨካን ኣራዊታዊ ግፍዕን ስቅያትን ዝወርድ ዘሎ መገዲ መፍትሒኡ ኣብዚ ዝጽበየና ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ኹሉ ኣብ ትሕቲ  ዝብል ቴማ ተኸቲልና ብዓወት ክንወጽእ ነቲ ቁዱስ ዕላማና ንምዕዋት ፍቕርን ሰላምን ምክብባርን ተጻዋርነትን ይምነ።

     ካብዚ ቀጺለ ናብቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ኣርእሲ ክመልሰኩም ክመልሰክን ……..> ብሓው ሱለማን ማንዱር ዝተጻሕፈት ….> ብሓው ዓብደላ ሓሰን ዝተተርጎመት…..> ኣርእስታ ን ሃገራዊ ጉባኤ ዝጽበዮ ዘሎ ብድሆታት ትብልያ ኣብዚ ንሓው ሱለማን ማንዱርን ንተኻታተልትን ከሓልፍ ዘለዎ መልእኽትን ኣገዳሲ ኮይኑ ስለ ዝረኸብክዎ ሕልናይ ክኣ መልሲ ክህብ ስለ ዝደረኸኒ ኣምቢበ ስቕ ክብል ኣይመረጽኩን።

   ብቀዳምነት ንሓው ሱለማን ማንዱር ዝላዓለ ሃገራዊ ሕውነት ዝሓዘለ ሰላምታ የቕርበሉ ብምቕጻል ንዘቕረቦ ሓሳብ ንሪኢቱኡ እና ኣኽበርኩ ንዘቕረቦ ሓሳብ ግን ኣይ ይሳማማዓሉን ከም ውልቀ ሪኢቶይ ምስ ሓፋሽ ሪኢቶ እውን ኣይ ይቃዶን ዝብል እምንቶ ኣሎኒ ።

       ሓው ሱለማን ማንዱር ሪኢቱኡ ብዛዕባ ናይ መሰል ብሄር ክሳብ ርእሰ ወሳኒ ዝብል ኣርእስቲ ኣልዒሉ ዘምጾኦ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣካታዒ ኮይኑ ስለ ዘሎን ዝነበረን ነቲ ዝሓለፈ ናይ ብሄር መሰል ክሳብ ርእሰ ወሳኒ ዝብል ሕቶ ኣብ ዝሓለፈ ጉዕዞ ካብ ምሕዝነት ጀሚርካ ክሳብ ድሮ ዋዕላ ዝበጻሕናሉ ኣብ ዕንክሊል ስለ ዝነበርና ንዕንክሊል ክኣ ከም ተመኩሮ ስለ ተማሃርናሉ ኣብ ዋዕላ ምስ ኣተና ክኣ እዚ ጉዳይ ኣዚ ተላዕሉ ዋዕላ ይኹን ግባእየ ተቓውሞ በይኑ ድውስኖ ኣይ ኮነን ድሕሪ ሙውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ዝውሰን ጉዳይ ኢዩ ተባሂሉ ዋሕላል ዝኾነ ውሳኔ ኣጽዲቁ ዋዕላ።

    ዋዕላ ስለምንታይ ንመሰል ብሄራት ክሳብ ርእሰ ውሳኔ ዝብል ሕቶ ድሕሪ ምዳቕ ስርዓት ህግደፍ ዝብል ዋሕላል ውሳኔ የሕሊፉ?  እቲ መልሲ ንመሰል ህዝብና ዝተሓለወን ዝጠመተን አዩ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ሕጂ ምልኪ ስርዓት ህግደፍ ከሎ  ካብ ኣፈሙዝ ብረት ሻምብቆ ምልኪ ህግደፍ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ተቓውሞ ዝግበር ዋዕላ ይኹን ጉባኤ ነቲ ኣብትሕቲ ኣፈሙዝ ብረት ሻምብቆ ህግደፍ ጂሆ ተታሒዙ ዘሎ ህዝብና ምልኣተ ህዝቢ ኤርትራ ዘይብሉ ውሳኔ ክሕልፍ ኣይ ካልን ስለ ዝኾነ ድሕሪ ምዳቕ ስርዓት ህግደፍ ግን ባይታ ካብ ስጋብ ናብ ብሙሉእ 4 ማዝን ኤርትራ ንህዝብና ዘሳትፍ ዋዕላ ዲና ክንብሎ ዋሎ ጉባእየ ጌርካ ዝውሰን ጉዳይ ስለ ዝኾነ መሰል ንኸይሳተፉ ዕድል ዘይረከቡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ብ ጂሆ ተታሕዙ ዘሎ ሰፊሕ ህዝብና ገዲፍካ ሕቶ መሰል ብሄር ክሳብ ርእሰ ወሳኒ+ ቑዋም ሃገርን ክውሰን ኣይካኣልን ኢዩ ዕዉት ዋዕላ ኽኣ ነዚ ብጥንቃቕየን ልቦናን ሪኢዎስ ተሳማሚዑ ወጺኡስ እዚ ሕቶ ዚ ሕጂ ንምንታይ ንድሕሪት ከም ሽንቲ ገመል ንምለስ።

     ዝኸበርካ ሓው ሱለማን ማንዱር ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ጠለበይ እንተ ዘይ ተማሊኡስ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንከይ ንሳተፍ ዝደፋፍእ ከይ ከውን ክትብል ከለኻስ ታህዲድዶ ኣየምስልን? ብሄራትናን ኣውራጃታትናን የዕኑድ ሃገር ኮይነን ን ኤርትራ ዝተሰከማ ድኣ እምብር ኤርትራስ እታ በዕኑድ ብሄራትናን ኣውራጃታትናን ዝቖመት ጽላል ዜጋታታ ምዃና ኢዩ ናይ ህዝብና ክነታትን ተረዳኦን።

    ካብዘን የዕኑድ ኤርትራ ዝኾና ኣውራጃታትናን ብሄረታትናን ሓንቲ  ወይ ክልተ እንተ ወዲቐን ንዜጋታታ ተዕቅል ተጽልል ኤርትራ ኣይ ክትህልወናን አያ፤ መሰልን ምዓርነትን ዘማእከለ ኣካያይዳ ክንተልብ ኣብ ጎኑኻ ኮይነ ይቃለስ ዂኖ ኣዚ ግን ነቲ ተጻኢ ጸላኢ ሽፍታ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ዕድል ምሃቡ አዩ እሞ ክልተ ግዜ ሕሰበሉ ኢለ ይምሕጸነካ ምስ ሰናይ ኣኽቡሮት።

         ካልእ ለቦዋ

   ኣብ መጨረሽታ በዚ ኣጋጣሚ ንኹሉ አርትራዊ ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ሓያል ጻዕሪ ኣብ እነካይደሉ ዘለና ኣባላት ውድባት እውን እንተኾና ክሳብ ውድባዊ ዕማም ኣወዚፍና ንመስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ቀዳማይ ደረጃ ሰሪዕና ኣብ እንጋዓዘሉ ዘለና ህዝባውያን ማሕበራት እውን ናይ ብሓቂ ቀሊል ግዜን ሓላኽ ዝኾነ ጻዕሪ ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ምስ ኩሉ ተዋሃሂዶምን ተሳንየምን ሃፍታም ዝኾነ ሓሳቦምን እና ኣበርከቱ ንዕዘቦ ዘለና ጉዳይን ውራይን እኳ እንተኾነ፤ከነዕውቶን ክኸውን ዘለዎን ኣብ ርእሲ ምልኪ ስርዓት ህግደፍ ተዓወትን ስዓርትን ክንከውን ምእንቲ ንሃገራዊ ጉባኤ ንመርጾም ኣካላት በላሕትን ሰብ ዓቅምን ንኩሉ ምስሊ ሕብረተ ብሔራትናን ኣውራጃታትናን ምእመናታትናን ጾታታትናን ተፋላለየ ዕድመታትን  ዘማዕረየ ምርጫ ልቦና ዝመልኦ ከነካይድ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ።

     ተመሪጾም ተመሪጸን ንሃገራዊ ጉባኤ ዝኸዱ ዝኸዳ ድማ ከምቶም ከምተን ንመስርሕ ሕሉፍ ሃገረዊ ዋዕላ ናይ ህዝቢ ሪኢቶ ሕጆም ዝኸዱ ንሪኢቶ ህዝቢ ከዔውቱ ከዔውታ ብዘይ ተመርካኽነት ክውን ድገበሩ ድገበራ ኣናብስን ዋዕሮታትን ናታቶም  ኣሰር ተኩቲክም ተከቲክን ሪኢቶ ህዝቢ ተሸኪምኩም ተሸኪምክን ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ደው ኢልኩም ኢልክን ክውን ክትገብርዎ ክትገብረኦ ኣናብስን ዋዕሮታትን ኣገናዕ ክብሉ ህዝቢ ሓደራ ንብል። 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,402,016 وقت التحميل: 0.31 ثانية