Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
17/10/1445 (25 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ኣብ መበል ወርቃዊት ኢዮቤልዩ (50) ዓመ&
أخبار

ኣብ መበል ወርቃዊት ኢዮቤልዩ (50) ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ተጋድሎ ህዝቢ ኤረትራ።

ብ.ስዉእ ሓርበኛ ሓምድ ዓዋተ) ሓዲሽ ወለዶ ተበጊሱ ንደሞክራስያዊ ለውጢ።

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

ኢስያስ ምስ ጭፍርኡ ስለ ዝጨወዩዎ ንነጻነትና

ቃልሲ ኣርኪብሎም ንደቅና

ኢሎም ንደሞክራሲ ለውጢ ክነበርክት እጃምና።

ኣዛኻኺርኩምኒ ንእስነተይ

ሕጂስ ግደኹምዩ መንእሰይት ደቀይ

ኣብ ስደት ዝፈረኹም ደቂ ኤረይ

ናይ ኣቦታትኩም ውረሲ በሉ ንመሰለይ

ሕድሪ ናይ ኣያታትይ

ክኸውንየ ኣተግባራይ

ወጽዓ ደቂ ሃገረይ

ይነግረሎም ባዕለይ

ከቃልዖየ ንጣልማይ

እዚ ምስ ሰምዔ ዋርሳይ

ይኸውን ናይ ውሽጢ ቀላሳይ።

ከመይ ነበረ ኣብ በርሊን መኸተ

እንታይ በሉ ወከልቲ ስርዓት ገበተ

ኣብ 50 ዓመቱ ቃልሲ ናይ ዓዋተ

ሓድሽ ወለዶ ተበጊሱ ብትብዓተ

ኣፍሪሱ ንስዓት ዉሑዳተ

ክተክል ደሞክራያዊ ስርዓተ።

ኣብ በርሊን ዝዋዓኪ ዝዋዓልካ

ንጠለምቲ ህግደፍ ዝመከትካ

ዋርሳይ ተሓቢኑ ባኣኺ ባኣኻ

ኣንዳበሉ ሓሊፍካዮም ነቦኻ ነደኻ

ተረዲኡኪ ተረዲኡካ

ዓመጽ ደቂ ሃገርኻ

ዕባይ ኣውሮጳ ካብ ተላዓልኪ ተላዓልካ

ቀሪባ ክትብተክ ናይ ህግደፍ ማሕለኻ።

እንታይ በለ ወኪል ህግደፍ ኣብ በርሊን

ኣቢልክምዎዶ ደጊም ቦታ የብለይን

ተቀበለኒ ህግደፍ ምስለነኹም ኣይድልየንን

ነዚኦም ዝኸውን ዓቕሚ የብለይን

ብጀካ ኣብ ጎኖም ምኻን ካልእ ምርጫ የሎን

ሕጂዩ ግዚኡ ኣብ ለውጢ ክንኣምን።

እቶም ኣብ በርሊን ዝወዓልኩም

ምስ ቶም ሓርበኛታት ኣቦታትኩም

ንመንእሰያት ወኪልኩም

ኣውያት ህዝቢ ዘቃላሕኩም

ተሓቢና ኤረትራዊያን ብኣኹም

ኣብ ወርቃዊት ኢዮቤልዩም

መበል 50 ዓመት ባሕቲ መስከረም

ታሪኽ ሰሪሕኩም።

ደጊም ያኣክል ኣሽካዕላል

ኣውሪስና ኢና ንደቅና

ኣረዲእና ታሪኽ ሰማእታትና

ወይለኦም ሰዓብቲ ጃንዳ ግና

ዝጸንሑ ኣብ ቅድሚ መንእሰያትና

ናይ ለውጢ ቀለስቲ ኮይኖም ደቅና።

ሓርነት እወ ሓርነት ከም ሽማ

ምስ ህዝባ ዉሑዶ ተጸሚማ

ሓሾው አቢልና ናይ ህግደፍ ዕላማ

ካብ ሱሮም ክብንቆሱ ሰብ ደማ

ምስ ሳዓብቶም ደቂ ማማ

ኤረትራ ሃገርና ክፍታሕ ጸገማ

ዓዲ ቶም ጀጋኑ ሓርነት ክንስልማ።

ገዛ ዶ ይስረት ብዘይ መሰረት

ታሪኽ ኣሎና ታሪኽ ሓርነት

ታሪኽ ኣሎና ታሪኽ ብጻይነት

ኣይኮናን ከምቶ ዘጉደሉ እምነት

ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከይዕወት

ዝጠለሙ ሕድሪ ሰራዊት ሓርነት

ዝጠለሙ ሕድሪ ህዝባዊ ሰራዊት

ኣምየን ዝበሉ ናይ ህግደፍ ምልክነት

ውሽጦም ጓንጓ ዘይብሉ መሰረት

ጸረ ስምረት ጸረ ሓድነት

ውዒሉ ሓዲሩ ህዝባዊ ቃልሲዩ ዝዕወት

ኣብ መቃብር ኢሰያሳዊ ስርዓት

ይትከል ኣብዝሓ ሰልፍታት

ሹዑ ኤረትራ ትማሓደር ብሕጊ ብስርዓት።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጃጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,413,884 وقت التحميل: 0.24 ثانية