Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
መግለጺ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪ&#4851
أخبار

Alaince 1.jpg

መግለጺ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

 ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዩ

ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ሎሚ ባሕቲ መስከረም 2011 ንምጅማር ሰውራ ኤርትራ ኣብ ህልው ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ መድረኽ ዝኾነት መበል 50 ዓመት ነኽብር ኣሎና፡፡ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ፍሉይነትን ተዘክሮን ዘሎዋ ዕለት ኮይና፡ ምኽንያቱ ብድሕሪኡ ዝተቀርጸ ኤርትራዊ ህይወት ብዙሕ ፍልይ ስለ ዝበለ እዩ፡፡ እዚ ኣባሃህላ እዚ ዘረባ ምድጋም ዘይኮነ ከም ኤርትራውያን ክብርቲ መዓልቲ ብምዃና ኣብ ጉዕዞ ህይወት ህዝብታትና ፍሉይነት ዘለዋ መድረኽ ብምዃና እዩ፡፡ ስለዚ ጉዕዞ መስከረም ነባሪ እዩ፡፡ ጉዕዞ ወርሒ መስከረም ኣብ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ንውሉድ ወለዶ ዝሰግር መድረኽን ግዜን ዘይገትኦ ነባሪ ታረኽ ኮይኑ፡ ጸገማትን ግርጭታትን ንምስጋር ሞራላውን ንያታውን ድፍኢት ይህብ፡፡ ስለዚ ባሕቲ መስከረም ኣብ ሃገራዊ ታሪኽ ኤርትራ ከም ፍሉይ መድረኽ ምዃኑ መጠን ንፍሉይነትን ንሕጂ ዘሎናዮ መድረኽ መሰረት ብምዃኑ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ነጻ ሃገርን ንምርግጋጽ መሰረት ዘንጽፍ እዩ፡፡ ከምኡ እውን ዝኾነ ሃገራዊ ትልሚ ክበጽሖ ዝድለ ሾቶታትን ክመሓላለፍ ዝድለ መልእኽቲ ብዘይገድስ ንጉዕዞ መስከረምን ዕላማታቱን ክስገር ኣይክኣልን፡፡

ነዛ ታሪኻዊትን ክብርቲ ዝኾነት ዕለት ከነብዕል እንከሎና፡ ድሕሪ ምውጋድ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ብሰንኪ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ጨፍጫፊ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ጭቆናን ምዝመዛን ዘእተዎን፡ ንባህላውን ማሕበራዊ ኣከናውንኡ ብምዕፋን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝገደደ መልክዑ ሒዙ ኣብ ልዕሊኡ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ብምፍጻሙ ንዳግማይ ቃልሲ ክንብገሰ ተገዲድና ኣብ ናይ ቃልሲ መድረኽ ኣብ ዘለናሉ ግዜ ነኽብራ ዘሎና እያ ባሕቲ መስከረም 2011፡፡ ስለዚ እዛ ዕለት እዚኣ ከነኽብራ እንከለና ኣብ ክልተ ምርጫታት ማለት ኣብ ታሪኽና ዘረጋገጽናዮ ዕላማታት መስከረም መሊእና ንምርግጋጽ ወይ ከኣ እቲ ጉዳይ ግዜ ይፍትሓዮ ኢልና ምግዳፍ ዝብሉ ምርጫታት ኮይኖም ደው ኢልና ነብስና ንፍትሸሉ ዕለት እያ፡፡ ብካልእ ኣዘራርባ ንሕና ሃገራውን ታሪኻውን ግቡኣትናን ሓላፍነትና ክንፍጽም ወይ ምግዳፍ ማለት እዩ፡፡ ስለዚ እዛ ዕለት ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ጉዕዞና ህይወቶም ዝኸፈሉ ስውኣትና ሕድሮም ተቐቢልና ንምፍጻም ሓቀኛ መመዘኒ ትኾነና መዓልቲ እያ፡፡

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ጉዕዞ መስከረምን ዘበገሶም ዕላማታትን ገድላዊ ምትእስሳራት መሰረት ገይሩ ዝቖመ ጽላል ኮይኑ፡ ነዛ ታሪኻዊት ዕለት እዚኣ ከነኽብር እንከሎና፡ ንኤርትራዊ ገድሊ ዘበገሰት ክብርቲ ዕለት እዚኣን ዕላማታታን ብሙሉእ ንምርግጋጽን ሓዲሽ ኤርትራዊ ክውንነት ኣብ መንጎ ኣከዋውና ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ ሃገራዊ ሓድነትን ኣብ ሕድሕድ ብሰላም ዝነብሩላን፣ ሓቀኛ ሃገራዊ ዝምድናን ንሕሉፉን ንህልዊ ጸገማት ንምስጋር መሰረት ዝገብር ቃልሲ ብምህላው ንመጻእን ኣብኡ ክገጥሙ ዝኽእሉ ጸገማት ንምፍታሕን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ነዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ምህላዎም የረጋግጽ፡-

1.  እታ ንቃለሰላ ዘለና ሃገረ ኤርትራ፡ ከም ሓንቲ ሕብረ-ብሄራዊት ሃገር  ብኤውሮጳውያን መግዛእታዊ ሓይልታት ዝተቐረጸትይያ። ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ሓድነት ንክፍጠር ባይታ ፈጢሩ እዩ፡፡ ሃገራዊ ሓድነትን ምርግጋጽን ሕቶ ደሞክራሲ መሊእካ ምፍታሕን ከም መስርሕ ሕድሕዳዊ ምክብባርን ብሰላም ናይ ምንባር ሽርክነትን ንረብሓታት ዝተፈላለዩ ኣካውና ሕብረተሰብና ንምዕቃብን ዘቤታዊ ርግኣት ኣብ ምርግጋጽ ይኹን ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ታሪኻዊ መድረኽ ዞባውን ኣህጉራውን ናይ ህዝብታት ጸጥታ ዘስፍን ብምዃኑን፡ ከምኡ’ውን ናብ ልምዓትን ብልጽግናን ዝምርሽ ብምዃኑ ንምርግጋጽ ከይተሓለልና ንቃለሰሉ ዘሎና ዕላማ እዩ፡፡

2.  ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ኣንጻር ኩሉ መልክዓት ጭቆና ዘቕነዐ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ንጹር ሃገራዊ መርገጺ ዝወሰድሉ እዩ ነይሩ፡፡ ስለዚ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ህልው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ መጻኢ ዕድሉን መገበሲ ማእከሉን ስለዝኾነ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ዋላኳ ምሉእ ባህግታቱ እንተዘይተረጋገጸ ነጻን ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራን ከረጋግጽ ምኽኣሉ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ፡፡

3.  ውርሻ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ካልኦት ተቓለስቲ ሓይልታትን ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ብፍላይ ንባህግታት ህዝቢ ኤርትራ ፍታሕ ምሃብ፣ ጥራሕ ኣይተሓጽረን፡፡ ባህሊ ዘተን ሽርክነትን ኣብ መንጎ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካውን ባህላውን ማሕበራውን ዓቕምን ተራን ዝተፈላለዩ ኣከዋውና ሕብረተሰብና ብመንጽር ዝሓለፈ ተመኮሮ ዝሓሸ ናይ ልዝብ ኣፍደገ ንምኽፋት ክኢሉ እዩ፡፡ ቅንጸላን ምንጽጻጋዊ ኣተሓሳስባን ዝሰረተ ኣረኣእያ ቀዳምነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ምስራዕ ስለዝሰናኸል፡ ንጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ከወግድ ኣይክእልን እዩ፡፡

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ኩሎም ውድባትን ምንቅስቓሳትን ሲቪካዊ ማሕበረሰባትን ንዝካየድ ዘሎ ገድላዊ ጉዕዞ፡ ህልውን መጻእን ዕዙዝ ተርኦም ንምጽዋት ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልስን ዕላማታት ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕን ዘይተሓለለ ቃልሲ ከካይዱ መድረኽ ዝሓቶ ዘሎ እዋናዊ ዛዕባ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኤዲኪ ነዚ ቅዱስ ዕላማታት’ዚ ንምዕዋት ክረባረብ ምዃኑ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዓልቲ’ዚ የረጋግጽ።

ዕላማታት ባሕቲ መስከረም መሊእና ንምዕዋት ንረባረብ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና !!

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ባሕቲ መስከረም 2011

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,915,644 وقت التحميل: 0.34 ثانية