Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ስለምታይ እዩ &#47
أخبار

ENCD March 2011.jpg

ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ስለምታይ እዩ ንንዮርክ ዝመጽእ ዘሎ?

Public Meeting In Charlotte.jpg

ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣርባዕተ ካብ ኣዕርዅቱን መወልቱን ዝነበሩ መራሕቲ፡ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ካብ ስልጣኖም ብህዝቢ ተባሪሮም ኣብ ምዅብላልን ቤትማእሰርትን ይርከቡ’ለዉ። እዚኣ ካብ ትኸውን ኣትሒዙ ድማ ከምወኻርያ መሕብኢቱ ጠፊኣቶ ሸለብ ገለብ ክብልን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዘተዓርቕዎ ክደልን፡ ድቃስ ለይቲ ኣብዩዎ የዕለብጥ ምህላዉን ካብ ህዝቢ ክዉል ኣይኮነን። ብዙሓት ጀጋኑ ዝተሰውእሉ ሃገር ቁጠበኣን ማሕበራዊ ስርርዓቱን ፖለቲካዊ ስልጣንን ተቖጻጺሩ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ንህዝቢ ዘርብሕ ስራሕ ንምግባር ዘይኮነስ ህይወቱን ህይወት ተሓባበርቱን ንምድሓን እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ።

ገለ ተዓዘብቲ ውልቀ-መላኺ፡ ኢሰያስ ምስ ኣመሪካ ዘሎዎ ዝምድና ከመሓይሽ ስለ ዝደለየ እዩ ይብሉ። ወይ ውን ጉዳይ ማዕቀብ ዝተርፈሉ ምኽንያታት ንመራሕቲ ዓለም ንምርዳእ እዩ ኢሎም ዝሓስቡ እውን ኣይተሳእኑን። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኣይኮነን። ልዑል ትምህርትን (Higher Education) ዲፕሎማስያዊ ስረሓትን፡ እተን እዚ ውልቀ መላኺ’ዚ ዘይግደሰለን ክልተ ነገራት ኢየን። ነዘን ጉዳያት እዚኣተን ከሳልጥ ኢሉ ከምዘይብገስ ከኣ ብዙሕ መረዳእታት ኣሎ። እዚ ሰብ’ዚ ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ቻንስለር ተባሂሉ ካብ ዝፍለጥ 20 ዓመታት ሓሊፍዎ’ሎ። ሓደ ቻንስለር ከኣ ምምልላስ እኳ እንተተረፎ፡ ኣብ መጀመርያ ዓመት፡ ወይ ኣብ ምዕጻው ትምህርቲ ዲግሪታት ክዕድል እውን ሓንሳብ ብውሑድ ኣብ ዓመት  ክመጽእ ነይርዎ። ርእሰሃገር ብኢዱ ግን ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ተቐልቂሉ ኣይፈልጥን እዩ። ብሃንደበት ግን ሓደ መዓልቲ ኣብ 2005 ዓ.ም. ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝተዓጽወሉ ኣቐዲሙ ኩሎም ፕሮፈሰራት ተኣከቦም ክጸንሕዎ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ መጸ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ክኣ እንታይኮን ክብል እዩ፡ ብዝብል ተስፋታት እናተጸበዩ ከለዉ፡ ኣይግዱ! ከይሓፈረ ከይሓነኸ “ድሕሪ ሕጂ ብዩኒቨርስቲ ደረጃ ምህላው ኣየድልየናን እዩ፡ ንኣሽቱ ኮለጃት ኣብ ኩሉ በረኻታት ጌርና ኣሎና እሞ ንስኻትኩም ከኣ ናብ ቃሕ ዝበለኩም ኬድኩም ናብራኹም ግበሩ ኢሉዎም ወጸ። ወዳጀ ቻንስለር! ክምስርት ዘይመጸስ ክፍንጥሕ? እሞ ከኣ ብደረጃ ርእሰ-ሃገር! ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳያት እውን እንተኾነ፡ ንጸዓዱ ዓሌት፡ “ኣቝጢዕናየን”! ርኢኻ ዶ፡ በርበረ ክሳብ ዝመስላ ጌርናየን ክብል ሓደ ኤርትራዊ ሙሁር ሒዝዎ ዝመጸ ናይ ቤት-መነጭ ኢንዱስትሪ ክኢላ (Cottage Industry Expert) “ክንደይ እዩ ዕድመኻ? እንታይ ክትገብር መጺኻ? ኣብ ትሬንታ ኳትሮ እንታይ ትገብር ኔርካ ወዘተ….እናበለ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣምጺኡ ኣዋጢሩ ምስዳድ መንፍዓት ዝመስሎ መራሒ እዩ ዘለዋ ሃገረ ኤርትራ። እቲ ነዞም ከምዚ ክእለታት ዘለዎም ኣጋይሽ ሒዙ ዝመጸ ኤርትራዊ ከኣ፡ ኣንታ ኣሕፊርካኒ’ምበር እንታይ ደኣ ዅንካ ወደይ ከምዚ ትገብር፡ ንሕና ደኣ ካብ ሞያውያን ኤውሮጳውያን እንመሃሮ ክህሉ ይኽእል ብማለት ደኣምበር መዓስ ከምዚ ትገብር መሲሉኒ፡ ድሕሪ ሕጂ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣጋይሽ ሒዘ ኣይመጽእን እየ ምስ በሎ።  “ኖ፡ ኖ ኣምጸኣዮም ድኣ፡ ንስኻ ተምጽእ፡ ንሕና ድማ ኣዋሪድና ክንመልሶም ኢና” በሎ። ነዚ ዓይነት መላኺ እዚ ከኣ ኢዩ፡ ንንዮርክ መጺኹም ተቐበልዎ ዝበሃለኩም ዘሎ። ነዚ ክትግዕታን’ዶ ትርህጻ።

ኣብ ኣዳራሽ ሕቡራት ሃገራት እውን እንተኾነ፡ ከምቶም ካልኦት ዝምድናታት ንምስፋሕ ዝደልዩ መራሕቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ግዜ ክመጽእ ምኸኣለ ነይሩ። ግንከ ከምቲ ዓመት ዓመት ንዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝገብሮ ዝነበረ ካልእ ሚኒስተር ዝልእኽ፡ ገዲፉ ሎሚ ባዕሉ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ው.ሕ.ሃ) ምምጽኡ፡ ከምታ ናይ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ናይ መጨረሽታ ምብጽሑ ከይኮነት ኣይትተርፍን እያ። ንምንታይሲ ወይ ባዕሉ ከምቲ ናይ በዓል ቃዛፊ ቻርተራት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ቅድሚ ዓለም ክጨራርሞ እዩ ዝመጽእ ዘሎ፡ ወይ ድማ ድሕሪ ሕጂ በቃ! ከም’ቲ ናይ ኢጋድ ኣይተድልዩናን ኢኹም ገዲፍናልኩም ኣሎና ንኽብል  እዩ ዝኸውን። እዚ ምስ ናይ ጻዕዳን ካልእ ብጫን ሕብርታት ዓለም ህዝቢ ዝገብሮ ትያትሮ ኢዩ። ምስ ናይ ኣፍሪቃ መራሕቲ ግን ብዙሕ ግዜ “ትሕተ-ሰብን“ ከም ዘይሰብን (ንምድጋሙ ዘይጥዑም ቃል ገዲፍና) ኢሉ እዩ ዝጽዎዖም። ክሳብ መራሕቲ ኣፍሪቃ እንታይነቱ ፈሊጦም ንመጀመርያ ግዜ ድሕሪ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፓርታይድ መንግስቲ፡ ማዕቀብ ክግበረላ ንሕቡራት መንግስታት ከመሓላልፍዎ ከሎው፡ ጨሪሾም ከም ኣፍሪቃዊ ዘይኮነ፡ ብትምክሕቱ ልዕሊ ጻዓዱ ከም ዝንዕቖም ስለ ዝፈለጡ እውን እዮም።

ሕጂ እምባኣር ከምቶም ዝሓለፉ በጻሕቲ ኣያታቱ፡ ሮበርት ሙጋበን፡ ሂጎ ሻፈዝን፡ መዓመር ኣል ቃዛፍን፡ ኣሕማዲ ነጃድን ናብ ኣሜሪካ መጺኦም ፈንጣሕጣሕ ክብሉ ዝደልዩ፡ ነቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ደረጃ ሕብረተ-ሰብ ኣደናጊሮም ወሃ! ክበሃሉ ጥራይ እዮም ዝመጹ። እቲ ዝበዝሐ ክፋል ህዝብና ከኣ፡ መላኺ ኢሰያስ ንኣሜሪካ ክመጽእ ከሎ፡ ብታሕቲ ታሕቲ እስከ ሕጂ ኣሜሪካ ምእታው እንተኸሊአናኒ ክርእየን እየ ዝብል ናይ ባዶ ሰለስተ (03) ወረታት እዩ ፈንዩ ቕንዩ። ብድሕሪኡ፡ እዋእ ከመይሎም ከእትውዎ፡ መለስ ዜናዊ ድላዮም ስለ ዝገብረሎም እንዳኣሉ ኣብ ኣሜሪካ ከም ድላዩ ዝገላበጥ ክበሃል ምስ ቀነየ፡ ዝኾነ መራሒ መንግስቲ ናይ ዓለም መጺኡ ክዛረብን፡ መደረ ከስምዕን ስለ ዝፍቀደሉ ቦሎኽ ኢሉ ብምምጻእ ንሕ.መ.ኣሜሪካን ብሪጣንያን ፈረንሳን፡ ብሓፈሻ፡ ንሃገራት ዓረብ ክኸስብ እንተደልዩ እውን ንእስራኤል ለኪሙ ምጭልጋም ክጅምር’ዩ።

ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ከኣ፡ ቲቪ ኤረ ኣንቴናኣን ሸሓኒኣን ዘርጊሓ ብምጽናሕ፡ መነጽሩ ጌሩ ቆንጀውጀው ክብልን፡ ግቡእ ፕሮቶኮል ስለ ዝኾነ ከኣ ብጸጥታ ተኸቢቡ ኣብ ንዮርክ ክሕሎ ኣብ ተሌቪዥን ኤርትራ ቦሎኽ የብልዎ’ሞ……… ኣየ ሰረ፡ ኣየ መዓንጣ፡ ሪኢኻዮ’ዶ ዝገበሮም። እወ! ኣሜሪካ እኳ ከም ቀደም ኣይኮነትን ደኺማ እያ ዘላ፡ ርኢኻያ’ ዶ? ሕጂ ድኣ’ወ ገለ ዘይገብርዎ ሰብኡት እንተኾይኖም ዞም ድርባያት ተባሂሉ፡ ንወርሒ ጥቅምቲ ብምልእታ መዘናግዒ ክገብረሎም እዩ። ብኡ ኣቢሉ ድማ ናይ መስከረም 18 ማእሰርቲ ሚኒስተራትን ጋዜጠኛታትን ክሃሰሉ ተባሂሉ ዝተዋደድ እዩ ያኢ። ጥቅምቲ ከኣ ንዘይሕጋዊ ኣተሃላልውኡ ዝብድህ ጉባኤ ናይ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ስለ ዘሎ፡ ህዝቢ ብናቱ ከዘብዘብን፡ ፈንጣሕጣሕን መእሰሪ ዘይብሉ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝዋቓዕ ሃሎውሎውን ንምዝንጋዕን ዝግበር ዞሎ ድራማ እዩ።

·         ኣንቱም  በዚ ኣዝማድኩም ካብቲ ስርዓት ክሃድሙ ኣሽሓት እናኸፈልኩም፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ገዛ ቀዳመ-ሰንበት ወዲ ሓውኹምን ወዲ ሓውትኹምን ተቐቲሉ፡ ውሕጅ ወሲዱዎም፡ ባሕሪ ውሒጥዎም እናተባህለ ትርድኡ ዘለኹም፡

·         ኣንቱም  ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ሰብ ወዲ እከለ ተኣሲሩ፡ ዘዝተወልደ ንባርነት ሳዋ እናተላእከ ካብኡ እንተሃደመ፡ ብጥይት ብሕቖኡ ኣትዩዎ! ኣብ ዓዲ እከላ ዓዲ እከላ ተቐቢሩ ኢሎሞ! እናተባህለ ወረታት ብተልፎን እትቕበሉ ዘለኹም!

·         ኣንቱም ባዕልኻትኩም ብኽልተ ሚእታዊትን (2%) ብገዛን፡ ትካልን፡ ቦንድን፡ እናተባህለ ናይ ኢድኩም እግርኹምን ተራጊፍኩም ደንዚዝኩም ዘለኹም ዘለኹም ግዳያት ህግደፍ።

·         ኣንቱም ካብ ህግደፍ ብኽንደይ መከራ ተላቒቕኩም፡ ተመዅሊኹም ዳንኬራ ህግደፍ ንምኽዕባት እትዋፈሩ “ማሕበር ተጣዒሰ”።

·         ኣንቱም ሃገር ኣብ መጻብቦ ከም ዘላ ትፈልጡ ጥራይ ዘይኮነስ ዲሞክራሲ ኣብ ካናዳን ኣሜሪካን ከተስተምህሩ ትውዕሉ ኣሕዋት፡ ኣብ ገዛንከ! ገና ህግደፍ ኣይኮናን ግን…..? እናበልኩም ኣማዕዲኹም ትዕዘቡ ዘለኹም ኣሕዋት……..

“ከብትስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ” ከም ዝባሃል፡ ጽባሕ ዝኽእል ብእግሩ ዘይክእል ከኣ ብሰረገላ (ዊል ቸየር) ንንዮርክ ወይ ዋሺንግቶን ዲሲ ተረኸቡ እንተበሎኹምስ ዳምዳም ዶኾን ትብሉ ትኾኑ?

ጽባሕ ንግሆ ክወግሕ እዩ! ናይ ገበን ተዘይኮነ ናይ ሕልና ተሓታትነት ኣሎ፡ ኣብ ዓዲ ነጻነትን ዓዲ ሓርነትን ተቐሚጥኩም፡ ነጻነትን ሓርነትን ህዝብና ዝግህስ ዘሎ መላኺ ከተዐጅቡ ንንዮርክ ክትከዱ ናይ ዓገብ ዓገብ!  እዩ’ሞ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ንዮርክ ኬድኩም ትለዓልዎ ስእልን ቪድዮን ንውሉድ ወለዶኹም ትዅርዕሉን ትሕበንሉን ሰላማዊ ሰልፊ ወይ ከኣ ንመዋእልኩም ከም መጣቓዕቲ ተቖጺርኩም እትሓፍርሉ ተረኽቦ ክኸውን ምዃኑ ከነተሓሳስበኩም ንደሊ።

ዝኽሪ ንኹሎም ሰማእታት !!

ውድቀት ንመለኽትን ገበትን!!

ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ!!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

መስከረም 20, 2011

WWW.ENCDC.COM

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,907,542 وقت التحميل: 0.24 ثانية