Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ምቕያር ዕለተ ጉባኤ ብዝምልከት ዝ&#480
أخبار

 

ENCD March 2011.jpg

ምቕያር ዕለተ ጉባኤ ብዝምልከት ዝወጸ ኣገዳሲ መግለጺ

ብመጀመርያ ፈጻሚ ኣካል ሃገራዊ ኮምሽን ንኩሎም ኣብ ትልሚ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተበገሱን ብልዑል  እምነትን ድሌትን ተወፋይነትን ነዚ መደባት’ዚ ንምዕዋቱ ዝተራባረቡ ኤርትራውያን የሞግስ። ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ነጻነትን ደሞክራስን ፍትሕን ዝሰፈና ሃገር ኤርትራ ንምርግጋጽ ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምእታው ኣብ ትጽቢት ይርከብ። ነዚ ዓቢ ዕማም’ዚ ንምዕዋት ንኮምሽን ብዝተነበረሉ እምነት መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት መሪሕ ሓሳብ አቐሚጡ።

ኣብ ኩሉ መድረኻት ዝተንጸባረቐ ልዑል ዕላማታት ኤርትራዊ ተመክሮታት ምርኩስ ብምግባር፡ ኮምሽን ኣብ መንጎ ኣካውና ሕ/ሰብ ኤርትራ እምነት ክሓድርን ሓያል ባይታ ክንጸፍን ሓያል ጻዕርታት የካየድ ኣሎ። ከምኡ’ውን ንህልው ኩነታት ኤርትራ ንምስጋርን ንመጻኢ ከይድገም ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ከም ቀንዲ  ጉዳያትን ነጥብታትን ሓዘል ሰነዳት ሃገራዊ ጉባኤ ኮይኖም ዝተቐመጡ ኢዮም።

ኮምሽን ኣብ ጽንኩር ታሪኻዊ ሃዋሁ ይዓምም ከም ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ መስርሕ’ዚ ነቲ መሰረታዊ ዕማሙ ዝዕንቕፍ ዝተፈላለየ ብድሆታት ክገጥሞ ግድን ኮይኑ፡ ሳላ ጽንዓት ህዝብን ኣባላቱን መርገጻቶምን ዝነበሩ ምድንጋራትን በዲሁ ብምስጋር፡ ነቲ ዓቢ ዕማም ቀዳምነት ብምሃብ ጥራይ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን።

አብ መጋቢት 2011 ዝተኻየደ 2ይ ስሩዕ አኼባ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ ሃገራዊ ጉባኤ አብ ወርሒ ጥቅምቲ ከካየድ ወሲኑ ምምባሩን ኣብዚ ምርኩስ ብምግባር ፈጻሚ ኣካል ሃገራዊ ጉባኤ ን22/10/2011 ክኸውን ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡

ኮይኑ ግን ኣብ ባይታ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ግምትና ዘይነበረ ሓድሽ ኩነት ተፈጢሩ። ንመሰረታዊ ዕላማታት ሃገራዊ ጉባኤ ዝትንክፍ ፖሎቲካዊ ምዕባሌታትን ባዕላዊ ተክኒካዊ ጸገማትን ተኸሲቱ። ፈጻሚ ኣካል ደንበ ተቓውሞ ዝሓልፎ ዘሎ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንትልሚ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምክልኻል ኣገዳሲ መዋጽኦ ዝኸውን ፖሎቲካዊ ስጉምቲ ክወስድ ግድን ኮይኑ ኣሎ።

ፈጻሚ ኣካል ብድሕሪ ርጉእ ገምጋም ምግባር፡ ዕለት ምግባእ ጉባኤ ካብ 22/10/2011 ዝነበረ ን21/11/2011 ክኸውን ወሲኑ ምህላዉ ይሕብር።

ነዚ ኣዋጅ’ዚ መሰረት ብምግባር፡ እቶም ኩሎም ነዚ መደባት’ዚ ኣብቲ ተወሲኑ ዝነበረ ግዜ ንምዕዋት ዝጻዓሩን ንመገሻ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ቆጸራ ምድላዋቶም ዝወድኡን ብስንኪ ምቅይር ግዜ ዝወረደ ጸገማት  ንምፍታሑ ክንረዳድኣሉ ምዃና ንገልጽ።

ፈጻሚ ኣካል ኩሎም እቶም ንትልሚ ሃገራዊ ዕላማታት ንምዕዋት ፡ ነቲ ፖሎቲካዊ ዕድል ተቓውሞ ዝሰርዕ ውድዕነት ብህዱእ መንፈስን ትዕግስትን ተዓጻጽፍነትን ክገጥምዎ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ይላቦ። ነቲ ንምዕዋቱ ንራበረበሉ ዘለና ልዑል ዕላማታት ንምዕዋት ኩሉ ዝኸኣሎም ዓቕምታት ከበርክቱን ተወፋይነቶም ከዕዝዙን ይጽውዕ።

ሓቢርና ሓድነትና ዓቂብና ጉባኤና ነዕውት!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ፈጻሚ ኣካል

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

7 ጥቅምቲ 2011

WWW.ENCDC.COM

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,905,352 وقت التحميل: 0.24 ثانية