Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
17/10/1445 (25 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ኤርትራውያን ነበርቲ  አዲስ አበባ&#475
أخبار

The ER NCDC Octo 2011.jpg

 

ኤርትራውያን ነበርቲ  አዲስ አበባን ከባቢኣን 6 ወከልቲ ንሃገራዊ ጉባኤ መሪጾም

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ነቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ተሓጋጋዝቲ ህዝባዊ ሽማግለታት ኮምሽን የቕውም ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ፡፡ በዚ መሰረት ከኣ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2011 ኣብ አዲስ አበባ’ዉን ብተመሳሳሊ መንገዲ 21 ኣባላት ዝሓቆፈ ተሓጋጋዚ ህዝባዊ ሽማግለ ብደሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ ምንባሩ ዝዝኸር’ዩ።

እዚ ሽማግለ’ዚ 7ተ ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ዘለዎ ኮይኑ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ብክንዲ እቲ ዓቕሙ ዘፍቕዶ እጃሙ ከበርክት ጸኒሑ’ዩ፡፡ ካብ ግዜ ንግዜ ነበርቲ ኣብ አዲስ አበባን  ከባቢኣን ዝቅመጡ ኤርትራውያን ናብ አኼባ ብተደጋጋሚ እናጸውዐ ኣብቲ ብሃገራዊ ኮሚሽን ዝተደለወ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ንጡፍ ተሳትፎን ምይይጥን ከሰላስል ጸንሑ’ዩ፡፡ ኣብቲ ብኮሚሽን ዝተዳለወ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ኣኼበኛታት ብተገዳስነትን ተወፋይነትን ሃናጺ ሓሳባት’ዉን ኣበርኪቶም ኢዮም፡፡ ጨንፈር አዲስ አበባ ኣብዚ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ካብ ክልተ ሚእቲ ንላዕሊ ዝኾኑ ነበርቲ አዲስ አበባ አኺቡ መሰሉን ግቡእን ምስ ተገልጸ ህዝቢ ነዚ ብጸጋ ተቐቢሉ መሰሉን ግቡኡን ተገንዝቡ፣ ገንዘቡን፣ ዓቕሙን ዝፈቐዶ ኩሉ አበርኪቱ’ዩ፡፡

እዚ ጨንፈር’ዚ ድሕሪ ነዊሕን ተኸታታሊ ኣኼባታትን ብዕለት 01/10/2011 ብዝኽሪ ሰማዕታት አኼኡ ጀሚሩ፤ ሰነ-ስርዓት መረጻ በቲ ብኮምሽን ዝትዋሃበ መምርሒን ኣገባብ ምርጫን ብደሞክራዊያዊ መንገዲን ኣካይዱ፣ ካብ ኣኼበኛታት ንሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ  6ተ ምሉኣትን 3ተ ተጠባበቕትን መሪጹ፡፡ ኣብ ስነ-ስርዓት መረጻ 15 ሕጹያት ብደሞክራስያዊ መንገዲ ሓጸየ፡፡ ካብዞም 15 ሕጹያት እቶም 6ተ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ክኾኑ እንከለዉ እቶም 3ተ ሰባት ከኣ ተጠባበቅቲ ኢዮም፡፡ ኣገባብ ሓጸ ኣብቶም ሕጹያት ዝደገፉን ንዑኡ ዝቛወሙን ሰለስተ ስባት ዕድል እናተዋህበ ሓሳባቶም ምስ ገለጹ ተቐባልነት ዝረኸቡ ምስ ሓለፉ፡ ብድሕሪኡ ብሰለሰተ ኣባላት ዝቖመ ኣማራጺ ኮሚቴ ተመዚዙ ነቲ መስርሕ ምርጫ ኣካይዱ። 

ስነ-ስርዓት ምርጫ ብደሞክራሲያዊ መንገዲ ምስ ተዛዘመ፣እቲ መስርሕ ከመይ ምንባሩ ንምግምጋምን ካብኡ ትምህርቲ ንምሕፋስን ንኣኬበኛታት ምሉእ ዕድል ተዋህበ፡፡ ኣኼበኛታት እቲ መስርሕ ምርጫ ብግሉጽን ደሞክራሲያውን ኣገባብ ምዝዛሙ ብድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ መስርሕ’ዚ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ መንገዲ ኣብ ምክታል ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ምዃኑ መብርሂ ተዋሂቡ።  ኣብ መወዳእታ እቶም ዝተመረጹ ሽድሽተ ተወከልቲ ነበርቲ አዲስ ኣበባ ስለዝኾኑ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ሃናጺ ሓሳባትን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቐላጥፉ ሓሳባት ከቕርቡን፣ ብተገዳስነት ክሳተፉን ኣኼበኛታት ተላብዮም።      ስነ-ስርዓት መረጻ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ሰዓት 7፡00 ኣጋ ምሸት ብዓወት ምዝዛሙ ኣቦ መንበር ሽማግለ ናን ሓበሬታን ተሓጋጋዚ ህዝባዊ ሽማግለ ኮምሽን ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ፡፡

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ፈሪሱ ሕጊ ይንገስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ - ጨንፈር አዲስ አበባን ከባቢኣን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

13 ጥቅምቲ 2011

Donet Bank ENCD 2011.jpg

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,432,189 وقت التحميل: 0.28 ثانية