Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
16/10/1445 (24 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ኣብ ስዊዝ ዝነብሩ ኤርትራውያን 3 ወ&#4
أخبار

The ER NCDC Octo 2011.jpg

ኣብ ስዊዝ ዝነብሩ ኤርትራውያን 3 ወከልቲ ንሃገራዊ ጉባኤ መሪጾም

swiss.jpg

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብን ኮሚሽንን፡ ከም ድልድል ንኸገልግላ ምእንቲ፡ ሽማግለታት ህዝቢ ከም ዝቖማ፡ ምግባሩ ይፍለጥ። ብመሰረት’ዚ፡ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ - ስዊዝ ብ 27 ለካቲት 2011 ተመስሪታ፡ ዕማማታ ከተሰላስል ጸኒሓ።

እታ ሽማግለ፡ ቅድሚ ቑሩብ መዓልታት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ንህዝቢ ዝዓደሎ ናይ መወዳእታ ብጽሒት 3 ወናብር ንኽምላእ፡ ኣኼባ ኣብ ከተማ በርን ን30 ጥቅምቲ 2011 ብምጽዋዕ፡ መደብ ምርጫ ተሳተፍቲ ሰሪዓ። ኣብቲ ኣኼባ፡ እታ ሽማግለ ጸብጻብ ዘሰላሰለቶ ዕማምን፡ ዘጋጠማ ጸገማትን ኣቕሪባ። ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበላ ሕቶታት ብምምላስ፡ ርእይቶታት እውን ተቐቢላ።

ብድሕር’ዚ፡ ኣብ መስርሕ ምርጫ ወከልቲ ብምእታው፡ 3 ሰባት ንምምራጽ 10 ሕጹያት ቀሪቦም። እቲ ምርጫ፡ ኣስማት ናይቶም ዝምረጹ ሕጹያት፡ ኣብ ወረቀት ብስቱር ብምጽሓፍ፡ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ መስርሕ ምቑጻር ድምጽን ምሕባር ውጽኢትን ድማ፡ ብኣኼበኛታት ብዝተመርጸት፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከባ ሽማግለ፡ ኢዩ ተጻፊፉ። 

swiss 1.jpg

እቶም ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ ወከልቲ ህዝቢ ድማ፡-

ሓው ዑመር ጣሃ - ካንቶን ኒዩ-ሻተል

ሓው መድሕን ክፍሎም - ካንቶን ጀነቭ

መንእሰይ መሓመድ ኣማን (ኣንጀባ) - ካንቶን ቱርጋው

ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ፡ ነዞም ወከልቲ ህዝቢ፡ እንቛዕ ሞገሰኩም እንዳበለት፡ ህዝቢ ንዘንበረሎም ሓላፍነት ብግቡእ ንኽፍጽሙ፡ ዘለዋ እምነት ብምግላጽ፡ ኣሳልጦ ትምነየሎም።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ!!

ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ - ስዊዝ

31 ጥቅምቲ 2011

Email: nshmagleswiss@yahoo.com

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,390,284 وقت التحميل: 0.12 ثانية