Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ዓወት ኣህዛብ ሰሜን ኣፍሪቓ፡ ኣብ &#47
أخبار

 The ER NCDC Octo 2011.jpg

ዓወት ኣህዛብ ሰሜን ኣፍሪቓ፡ ኣብ ኤርትራ ክድገም ይኽእል’ዩ!!

ኣብ ሰሜንን ማእከላይ ምዕራብን ኣፍሪቓ ዝጀመረ ማዕበል ህዝባዊ ለውጢ፡ ገና ብናህሪ ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ፡ ሰለስተ ዲክታተራት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቓ፡ ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ተወጊዶም ኣለዉ። ኣብ ሊብያ፡ ን42 ዓመት ዝገዝአ፡ ዲክታቶር መዓመር ቐዛፊ፡ ኣብ ግብጺ ን30 ዓመት ዝመርሐ ሑስኒ ሙባረክ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ቱንዝያ ን23 ዓመት ዝገዝአ ቢን ዓሊ እዮም። እዚ ዓወታት ኣህዛብ ሰሜን ኣፍሪቓ’ዚ ምርአያ ስሙርን ውፉይን ተበግሶ መንእስያት’ዩ፡፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቓ ዝቕጽል ዘሎ ማዕበል ህዝባዊ ለውጢ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኾይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ምልብዑ ዘይተርፍ’ዩ። ምክንያቱ ከኣ መዋእል ንዲክታቶር ኢሳይያስ ክስከም ዝኽእል እንግደዓ ህዝብን መንእሰያትን ክህሉ ስለ ዘይክእል።

መንእሰያት ኤርትራ በቲ ኣብ ከባቢኦም ዝፍጸም ዘሎ ቁልጡፍ ፖሎቲካዊ ለውጥን ዕንወት ገበቲ ስርዓታትን ክጽለዉ ዘይተርፍ ግድነት’ዩ። ብርግጽ እቲ ምኽንያታት ብዙሕ’ኳ እንተዀነ፡ ክልተ ካብኣቶም ክንጠቕስ ድማ ኣገዳሲ ይኸውን። እቲ ቀዳማይ፡ መንእሰያት ኤርትራ ብውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብቶም መንእስያት ቱንዝያ፡ ግብጽን ሊብያን ብዝኸፍአ መልክዑ ኩሉ-መዳያዊ መሰሎም ዝተጋህሰሉ ኩነታት ብሰንኪ ምህላዉ፡ ግዳይ መወዳእታ ኣልቦ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ጽኑዕ ባርነት ተጸሚዶም ስለ ዘለዉ’ዩ። ኣብ ፍቆድኡ ንኣደዳ ስደት፡ መከራን ሞትን እናተጋለጹ ሬሳታቶም ከም ሬሳ ከልቢ ይድርበ ብምህላው’ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ሳህራታት ብሓፈሻ ኣብ ሳህራ ሲና ከኣ ብፍላይ ውሽጣዊ ኣካላቶም ብኣሰቓቒ ኩነታት እናተመንዝዐ ንመሸጣ ዝቐበሉን ኣብ ባሕርታት ከኣ ቀለብ ዓሳ ዝኾኑሉን ብሓፈሻ ሄውቶም ብከንቱ ዝጠፍእሉ ውድዕነት ስለ ዘሎ’ዩ።  

Refu Ship.jpg

እቲ ካልኣይ ከኣ፡ መንእሰያት ኤርትራ ከም ምንም ደላይ ለውጢ መንእሰይ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ካብቲ ስሙርን ውፉይን ተበግሶ መንእስያት ሰሜን ኣፍሪቓ ቅዱስ ቅንኢ ክሓድሮም ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ስለዝኾነ’ዩ። መንእሰያት ኤርትራ ኣብዚ ምዕቡል ግዜ ዘመነ ደሞክራስን ፍልጠትን ተክኖሎጂን ብዘይ ቅዋምን ሕግን ብገባቲ ጉጅለ ሳሕል ክግዝኡ፡ መዋእሎም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ጭቆናን ግፍዕን ኢሳይያስ ወይ ደቂ-ደቁ ተቆሪኖም ክነብሩ ምሕሳብ ብጣዕሚ ፖሎቲካዊ ዕሽነት ስለዝኸውን ጥራይ’ዩ። ስለዝኾነ ክሳብ መዓስ’ዩ ኣደራዕን በደላትን ህግደፍ /መንደፍ/ ክንቕበል? እዚ እከይን ጠላምን ስርዓት’ዚ ካብ ዝባና መዓስ’ዩ ዝወርድ? በየናይ ኣገባብ ካብ ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ተወጊዱ ምዩቕ ዘይንብለላ ደሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ትህነጽ? ብምባል ክሓስቡን ክመራመሩን ግድን ይኸውን።  

ድሮ’ውን ነድርን ቁጥዐን ተቓውሞን ናይቶም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣውሮጳን ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለምን ዝነብሩ መንእሰያት ኤርትራ ይበጋገስ ምህላዉ ኣብ ባይታ ዝገሃድ ዘሎ ክውንነትን ተስፋ ዝህብን’ዩ። ንመራሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዕርቃኖም ንምውጻእ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ 2011፡ ንኣምበሳደር ኤርትራ ኣብ እስራኤል፡ ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ) ከካይዶ ካብ ዝሓሰበ ኣኼባ፡ ብከቢድ ተቓውሞ መንእሰያት ካብ ኣዳራሽ ተገፊዑ ወጺኡ ይዝኸር። ኣብ ዝሓለፈ መስከረም 2011 ብተመሳሳሊ፡ ገለ መንእሰያት፡ ንሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብ (Monkey): ኣብ ማእከል ጐደናታት ኒው-ዮርክ፡ ዘብዘብ ክሳብ ምባል ምግባሩ ሓደ ካብቲ መርኣያ’ዩ።

እዚ ዘርእየና ከኣ፡ ጽልኢን ነድሪን መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ከም ዝገንፈለ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብተግባር ክገጥምዎ ጀሚሮም ከም ዘለዉ’ዩ፡፡ እቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ከተማታትን ዓለም ዝበጋገስ ዘሎ ቁጥዐን ነድርን መንእሰያት ግና፡ ምስ’ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ከባቢኣን ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት፡ ክዛመድን ክወሃሃድን ኣገዳሲ ነጥቢ’ዩ። መንእሰያት፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስ ንነጻነት ኣያታቶም ዝኸፈልዎ ከቢድ ዋጋ፡ ሕጂ’ውን ህልውና ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ብምውጋድ ደሞክራስያዊትን ብልጽግትን ኤርትራ ንምህናጽ፡ ታሪኻዊ  ሓልፍነቶም ከም ዝዋጽኡን ዓቢ እጃም ከም ዝጻወቱን ኣብ ጥርጣሬ ዝወድቕ ጉዳይ ኣይኮነን።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ መንእስያት ኤርትራ ካብቶም ምእንቲ ለውጢ ብድፍረት ኣብ ታንክታት ተወጢሖም ንገበቲ ስርዓታት ቱኒዝያ፡ ግብጺ፡ ሊብያ ዝሳዓሩ መንእሰያት ዝነኣኣስ ኒሕን ሓቦን ቅልጽምን ከም ዘይብሎም ይኣምን። መንእሰያት ኤርትራ’ውን ኣሰር እቶም ኣያታቶም ብምስዓብ ተመሳሳሊ ጅግነትን ቅያን ክስርሑ ከምዝእኽሉ ፍጹም ኣይጠራጠርን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ እቲ ዝበጋገስ ዘሎ ተስፋ ዝህብ ተቓውሞታት መንእስያት ሰሚሩ፡ ካብኡ ንላዕሊ ዓይነታዊ ውጽኢት ንምርግጋጽ ክንህር ትጽቢት ይገብር፡፡ ኣብዚ ህሞት’ዚ ከኣ መንእሰያት ኤርትራ ነቲ ኩሉ መዳያዊ ዓቕምን መሳርሒታትን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣስሚሩ፡ ኣብ ሃገርና ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ብቁዕ ኣንፈት ሒዙ ክወጽእ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኩሉ-እንተናዊ ተሳትፍኦምን ዓቕሞምን ክበርክቱን: እቶም ተሳተፍቲ ናይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝኮኑ መንእስያት ምሉእ ምድላውት ጊሮም ክምጻኡ ዘለዎ ትምኒት ይገልጽ፡፡

መንእሰይ ቀንዲ ደራኺ ሓይሊ ደሞክራስያዊ ለውጢ’ዩ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

9 ሕዳር 2011

Donet Bank ENCD 2011.jpg

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,293,864 وقت التحميل: 0.04 ثانية