Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 19 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩብር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ኤረትራ ምስ ህዝባ ደም ትነብዕላ)

ኤረትራዊ ኤረትራዊት ተወደብ

በለጽ ፍርሒ ገዲፍና ንዛረብ

እንታይ ገደሰኒ ንግበረሉ ገደብ

ህዝቢ እንዳ ጸነተ ክሳብ ማዓስ ንዕዘብ፡

መንዩ ንሰራውት ምሕባር ዝብል እንቢ

ኣብ ቅድሚት ዘይሰርዕ ድሕነት ህዝቢ

ያኣክል ትም

ክሳብ ማዓስ ክንሓምም

ክሳብ ማዓስ ክንጽመም

ደምዩ ዝፈስስ ዘሎ ኣይኮነን ቀለም

ተቃወምቲ ውድባት ንድሕነት ህዝቢ ንቃዳደም።

ያኣክል ዕበጦ ዕበጦ

እቲ ሓቂ ህዝቢ ይፍለጦ

ይጋለጽ ትርግታ ልቢ ዘይዓጦ

ህግደፍ ንህዝብና እንዳ ቀጥቀጦ

ሰራዊትና ኣስሚርና ዘይንግልብጦ።

ተቃወምቲ ውድባት ኣስተውዕላ

ኤረትራ ምስ ህዝባ ደም ትነብዓላ

ኣሃዱትትክን ኣስምራ ትብል ኣላ

ኣይግድን ንኤረትራ ዉሑዳት ክጻወቱላ

ኢሰያስ ዝመራሒኦም ደም ዝይብሎም ዕዋላ

ብሓባር ደርቢያሎም ደንጎላ

ኤረትራ ምስ ህዝባ ክሓልፈላ።

(ኤረትራ ምስ ህዝባ ደም ትነብ ዕኣላ)

ብ.ህግደፍ ስርዓት ማፍያ

ህዝቢ እንዳ ተረሸነ ኣብ ጽርግያ

ኤረትራዊያን ኣደታት ደም እንዳ በኸያ

ናይ ኤረትራ ውድባት ዘድምዕ ዕዮ ዕየያ

በበይንኽን ካብ ትደምያ ትጎያ

ሓቢርክን ንህዝቢ ዘድሕን ፍረ ኣፍርያ።

ኣቦሓጎታትና ዘረከቡና ካብ ጥንቲ

ብዘይ ኣፋላላይ ኤረትራ ሓንቲ

ሓቢርና ደሚናላ ሓራ ክትከውን ምእንቲ

ዓፋር ኩናማ ጀበርቲ ትግርኛ ትግረ ተዛረብቲ

ቢለን ሳሆ ኩልና ደቀባት ደቂ ርስቲ

ብጀካ ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ጸላኢ የብልናን ዋላ ሓንቲ።

ቅድም ድሕነት ህዝቢ

ቢሄራትና ክከብራ ንምልኪ ንበል እንቢ

ቢሄራትና ብሓባር እየን ተሰዊኤን

ሃገር ይተረኸበትን ብወዝቢ።

ወደባት ተማራመር ኣቀዲምካ

ንዲክታቶር ከይኣለኻ

ኣይራጋገጽን መሰልካ

ቢሄረይ ቢሄርካ ገዲፍካ

ቅድም መንጥሎም ንጃንዳ ነጻነትካ

ሹዑ ንኹሉ ተርክበሉ ኢኻ።

ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ እዩ

ዝራጋገጽ ናይ ቢሄራትና መሰል

ኣብ ኤረትራ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ክዕለል

 ኣብ  ሃገርና ኣውሊዔይ ባንደራ ክተንበልብል።

ሓጺር መንገዲ

ኤረትራዊያን ደቂ ዓዲ

ሰምረትዩ ቀንዲ

ንሱ እዩ ዘእቱ ንዓዲ።

ኤረትራዊ ናበይ ኤረትራ ገዲፍካ

ሕድሪ ሰማእታትካ ረሲዕካ

ብመስዋእቶም ሓንቲ ኤረትራ ኣረኪቦምኻ

ንጃንዳ ህግደፍ ጸሊእካ

ኣይትክሓድ ኤረትራውነትካ

ንሱዩ እቲ ሓቂ ፈቲኻ ጸሊእካ።

 ኤረትራ ካብ ህግደፍ ምስ ተጋላገለት

ናይ ሓርነት ባንደራ ምስ ኣንበልበለት

ደሞክራስያዊ ስርዓት ምስ ተኸለት

ምትእምማን ይነግስ ይጠፍእ ክሕደት

መልሓሶም ይነኽሱ ጸረ ሓድነት

ሹዑዩ ዝራጋገጽ መሰል ቢሄራት

ኤረትራ ትኸውን ናይ ኩሎም ደቀባት።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,278,996 وقت التحميل: 0.34 ثانية