Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
08/10/1445 (16 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
መግለጺ ሓድነታዊ ምትሕንፋጽ
أخبار

ER Movement D.CH1.jpg

መግለጺ ሓድነታዊ ምትሕንፋጽ

ኩሉ ግዜ ሓደ ዓመት ምስ ኣውንታውን ኣሉታውን ምዕባሌታቱ ተዛዚሙ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ንሰጋገረሉ ህሞት፡ ነፍሲ ወከፍ ደላዪ ለውጢ ትስፍው መጻኢ፡ ሰናይ ባህግታትን ሃንቐውታን ምትንባይ ንቡርን ባህርያዊ ጉዳይን’ዩ። ከምቲ ልሙድ ከኣ 2010 ተዛዚሙ፡ ምስ ምእታው ሓድሽ ዓመት 2011 ብርክት ዝበሉ ለውጥታትን ምዕባሌታትን ክንርኢ ምትንባይና ፍጹም ዝገርም ክውንነት ኣይነበረን። ኣብ መባእታዊ ሓድሽ ዓመት 2011 ከኣ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ክብሩን ሓርነቱን መሰሉን ተመንዚዑ፡ ዘይተኣደነ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ውጽዓታት ከሕልፍ ዝተገደደ፡ ኣህዛብ ሰሜን ኣፍሪቓን ማ/ምብራቕን ጸረ ስድራ ቤታዊ ስርዓታት ብግብሪ ለይቲ ምስ መዓልቲ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይድን ረዚን መስዋእትነት ክኸፍልን ተራእዩ። ብርግጽ ከኣ ትዕግስቱ ወዲኡ ንዝለዓል ቅልጽም ህዝቢ ፍጹም ዓጋቲ ከምዘይብሉ ዘረጋግጽ ቅጽበታዊ ነድሪ፡ ውጽኢቱ ንሰለስተ ስድራ ቤታዊ ስርዓታት፡ ቱንዝያን ግብጽን ሊብያን ክጸርግ እንከሎ፡ ሰውራታት ሶርያን የመንን ካልኦት ዝተደጎሉ ህዝባውያን ሕቶታት ክጎሃሃሩ ጌሩ ኣሎ።

እቲ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ኣዕናዊ ሕድሕድ ኲናት ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ኣብቒዑ፡ ብህዝባዊ ውሳኔ (ረፈረንደም) ተዛዚሙ፡ ደቡብ ሱዳን ልዕላዊት ሃገር ኮይና ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ክትረኽብን ክልቲኡ ኣህዛብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገሩ፡ ብሰላም ሕድሕድ ተኸባቢሩ ክነብርን ጽልውኡ ከኣ ንምርግጋእ ዞባና ኣውንታዊ ተራ ክጻወት ትጽቢት ዝግበረሉ ውድዕነት ምፍጣሩ፡ ሓደ ካብቲ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣገደስቲ ፍጻሜታት ክጥቀስ ዝከኣል’ዩ። 2011 ኣብ ሃገራውን ዞባውን ኣህጉራውን መዳይ ብርቱዕ ህዝባዊ ቃልስታትን ለውጥታትን ዝተራእየሉ ዓመት ኮይኑ ምዝዛሙ፡ ኣብ ኤርትራ ንኩሉ መልክዕ ምልክነትን ግበታን ህግደፍ ብምውጋድ፡ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ ከምንቃለስ ሓይልታት መጠን ነቲ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ግሁድ ሓርነታዊ ፍጻሜታት ዘመዝገበ ኣህዛብ ሰናይ መጻኢ ክንምነየሉ ባህርያዊ ጉዳይ’ዩ።

ኣብ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ተመሊስና ምስ ንርኢ ከኣ፡ እቲ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ መተካእትኡ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ፡ ኩሉ-መዳያዊ ዓቕምታት መላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብምስማር፡ ሓደ ራእይን ኣንፈት ቃልስን ንምትሓዝ ዝተፈላለየ ጻዕርታት ክካየድ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። ፍሬኡ ከኣ ክብርን ሓርነትን መሰልን ህዝብና ንምምላስ፡ ዝግበር ዘሎ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልስና ንምጥንካር፡ ኣብ ውሽጢ 2011 ካብ ዝተሓፈሰ ዓበይቲ ፍጻሜታት ሓደ፡ እቲ ካብ 21-30 ሕዳር 2011 ዝተጋብአ ሃገራዊ ጉባኤን ዕውት ውጽኢቱን ከም ኣገዳሲ ክብዖ ክጥቐስ ግድን ይኸውን። እቲ ካብ መላእ ኩርንዓት ዓለም ንኩሉ ፖሎቲካዊ፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ መልክዕን ብዙሕነትን ህዝብና ዘንጸባረቕ፡ ኣስታት 600 ዜጋታት ዘሳተፈ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ሓደ ኤርትራዊ መኣዲ ዘተን ልዝብን ከዕስል በቒዑ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ሓደ ጥሙር ሓባራዊ ፖሎቲካዊ ቻርተርን ውሳኔታትን መሪሕነትን ንመላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝሓቆፈ ሰፊሕ ጽላል ኣውሒሱ ምውጽኡ ከኣ፡ ምስ ሕሉፍ ክውንነት ደምበ ተቓውሞ ብምዝማድ ክጥመት ከሎ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝባዊ ቃልስና ከም ሓድሽ ምዕራፍ ክምዝገብ ይከኣል።

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብስንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ጎረባብትን ስግረ ዶብ ሃገራትን ክኽተሎ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ኣዕናዊ ኲናትን ግብረ-ሽበራዊ ተግባራትን ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊኡ ብቁጽሪ 1907 ዝተበየነ ማዕቐብ ንምትራሩ፡ ብቁጽሪ 2023 ዝተሓደሰሉ ግዜ’ውን ብ2011 ምዃኑ’ዩ። ስለዚ ነቲ ብወጽኢት ሃገራዊ ጉባኤ ዝተመስረተ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምጥንካር፡ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዘጋጥሞ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ኣህጉራውን ዞባውን ተነጽሎ ብክንድ’ቲ ዓቕምታትና ዘፍቕዶ መሊእና ክንጥቐመሉን ኣብ ረብሓ ቃልስና ከንውዕሎን ይግባእ። 

ኣብ 2011 ዝተራእዩ ኩሎም ሃገራውን ዞባውን ኣህጉራውን ፖሎቲካዊ ምዕባሌታት ዛዚምና ናብ 2012 ተሰጋገርናሉ ኣብ ዘለና ህሞት ድማ፡ ከምቲ ልሙድ ብርክት ዝበሉ ለውጥታትን ምዕባሌታትን ብተስፋ ክንጽበ ንቡርን ዘይተርፍ ባህግታትን’ዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ከኣ ኣብ መንጎ ክልተ ኣባላት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ዝኾኑ ፖሎቲካዊ ውድባት፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ንለውጢ)ን ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ምሕደራን ብቀጥታ ድሕሪ ምዝዛም ዕማም ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጥን ምስ ምእታው ሓድሽ ዓመት 2012ን ብዝጸንሐ ድልዱል ዝምድናታት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓትን ጽፍሕታትን ክልተ ወርሒ ዝወሰደ ዕቱብ ሃናጺ ዘተን ልዝብን ብምክያድ፡-

Ø ሰናይ መንፈስን ድልዱል ዝምድናታትን ምጽንሑ መሰረት ብምግባር፡

Ø ተመሳሳሊ ራእይ፡ ድሌትን ፖሎቲካዊ መደብ ዕዮን ምህላው ብምግንዛብ፡

Ø ኣብ ህልዊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ሓባራዊ ገምጋምን ሚዛንን ብምህላው፡

Ø ሓድነት ኩሉ ግዜ ብመትከል ቅቡል ብምውሳድን ግብራዊ ክኸውን ብምእማንን፡

Ø ኣብ ክውንነት ኤርትራ ክንድ’ዚ ዝኣኽል ብዝሒ ውድባት ክህሉ ቅቡል ብዘይ ምውሳድ፡

Ø ጸቢብ ውልቓዊ ይኹን ውድባዊ ሕሳባት ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከም ዘይስራዕ ብምእማን፡

Ø ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ሓደጋ ብርሰት ንምድሓን ሓድነት ከም ኣገዳሲ መሳርሒ ዕዮ ብምእማን፡

ኣብ ምሉእ ሓድነታዊ ምትሕንፋጽ ምብጽሖም ከነበስር ከለና፡ ህዝብናን መላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ነዚ ሰናይ ተበግሶ’ዚ ከም ብስራት 2012 ብምወሳድ፡ ብጸጋ ከም ዝቕበልዎ ንተኣማመን። ክልቲኡ ፖሎቲካዊ ውድባት ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተጥቕሰ ጽኑዕ መንፈስን እምነታትን’ዚ ብምብጋስ፡ እዚ መግለጺ’ዚ ካብ ዝዘርግሓሉ ዘሎ ዕለት ኣትሒዙ ከኣ፡ ኩሉ መዳያዊ ፖሎቲካውን ሕጋውን መስርሕ ሓድነታዊ ምትሕንፋጽ ወዲኦም ሓደ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጽዋዕ 25 ኣባላት ማእከላይ ባይቶን 11 ኣባላት ፈጻሚ ኣካልን ዝሓቆፈ ስሙር ፖሎቲካዊ ውድብ መስሪቶም ንመላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝያዳ ናህሪ ክህቡ ተበጊሶም ምህላዎም ደጊምና ነበስር። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ፡ ኩሎም እቶም ተመሳሳሊ ራእይን መትከልን ዘለዎም ፖሎቲካዊ ውድባት ኣብ ሓደ ሰሚሮም ኣድማዒ ዕዮ ክዓዩን ዕምሪ’ቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣሕጺሮም ተስፋ ህዝብና ንምምላስ ኣውንታዊ ተርኦም ክጻወቱን ንጽውዕ።

 

ዓወት ንኩሉ ሓድነታዊ ተበግሶታት!!

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ!!

  ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!!

ፈጻሚ ኣካል

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

    01 የካቲት 2012

تعليقات
لم يتم إضافة تعليقات حتى الآن.
المشاركة بتعليق
الاسم:

شفرة (كود) التحقق:


إدخال شفرة التحقق:

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,216,700 وقت التحميل: 0.42 ثانية