Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
10/10/1445 (18 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ጸብጻብ ህዝባዊ አኼባ ምስ መሪሕነ&#472
أخبار

 

 ERIT Allines SWEDDEN.jpg

ጸብጻብ ህዝባዊ አኼባ ምስ መሪሕነት ኤ.ዲ.ኪ.

ኣብ ሃገረ ስዊድን

ብዕለት 23 ምሸት ንእስታት 2 ሰዓት ዝኸውን ንወከልቲ ኪዳን ወይ መሪሕነት ኪዳን ጨንፈር ስዊድን ፡ (ሓደ ሓደ ካብ ኣባላት ውድባት ኪዳን) ምስ ልኡኽ ኪዳን ኣኼባ ኣካይዶም ኔሮም። ኣብቲ ኣኼባ ዓሚቕ ዘተ ከምዘኻየዱን ዝነበረ ሕቶታትን ዘይንጹርነትን ከም ዝዘተዩን ይዝከር።

ቀዳም ዕለት 25 ለካቲት 2012 ላዕላዋይ ልኡኽ መሪሕነት ኪዳን ብኣቶ በሺር ይስሓቅ ሓላፊ ናይ ወጻኢ ዝምድናታትን ብኣቶ ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ ሓላፊ ሕዝባዊ ማሕበራውን ጉዳያትን፣ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ዝተስታፍዎ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ተኻዪዱ። እቲ አኼባ ብኣቶ ነጋሽ ዑስማን አቦ ወንበር ጨንፈር ኤ.ዲ.ኪ. ኣብ ስዊድን ተኸፊቱ፣ ሓው ነጋሽ ንኣጋይሽ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ኢሉ ሰላምታ ኣቅረበን ነቲ ዕድል ድማ ንዖኦም ኣመሓላለፈ።

ኣኼባ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ሰፊሕ መብርሂን ምይይጥን ቅድሚ ምሃቦም ንሕና ኣብዚ ተረኺብና ዘሎና ካባኹም ክንምሃርን ክንምከርን እምበር ኣብ መድረኽ ወጺእና ክንምድር ኣይኮናን መጺእና ዘሎና በለ ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ።

ቀጺሉ ሓው ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ መግለጺ ኣቕረበ፣ ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ ኣብ መደረኡ ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ጨካንን ገባቲ ስርዓትን ፡ ብኹሉ እንተናኡ ፡ ማለት ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳረ መከራ ሰፊሕን ብሩህን መግለጺ ሂቡ።

ቀጺሉ ሎሚ እቲ ቀንዲ ከተሓሳስበና ዝግባእ ከምቲ ቀደም ደርጊ ብዛዕባ ኤርትራ ክፍክር ከሎ መሬታ እምበር ሰባ ኣየድልየኒን ኢዩ ዝበሎ ሎሚ ድማ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብባዕዳውያን ዘይተተግበረ ሕልሚ ብተግባር ይሰርሓሉ ከምዘሎ ጉዕዞ ስደት መንእሰያትና ህያው ምስክር ኢዩ። ዝትክእ መንእሰይ ወለዶ ዘይብላ ሃገር ድማ ዕጫኣ ዕንወትን ብርሰትን ምዃኑ ማንም ዝስሕቶ ኣይመስለናን። እምበኣርከስ ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ወላእኳ ብቐንዱ ጉጅለ ህግደፍ እንተኾነ ንሕና ውን ከምተቛወምቲ ደምበ ድኽመታትና ኣብ ምንዋሕ ዕድመ ህግደፍ ተራ ከምዘለዎ ዝሕባእ ኣይኮነን።

ሎሚ ነቲ ሰንከልከል ዝብል ዘሎ ስርዓት ሒዞሞ ዘለዉ ፡ ትካላት ጸጥታን እቶም ውሑዳትን በቲ ስርዓት ተጠቀምቲ ዝኾኑ ሰብ ጽሩራ ጀነራላትን ታሕተዎት መራሕትን፣ ከምኡ’ውን ውሑዳት ብርገሳውያን ሰብ ጥቅምን እንተዘኮይኖም ፡ ምሉእ ሕዝብን ተራ ሰራዊትን ምስዚ ስርዓት ከምዘይኮኑ ፡ እቲ ብኣማኢት ዝስደድ ሕዝብና ብፍላይ ድማ መንእሰይ እዩ እቲ ምስክሩ በለ። ሎሚ እቲ ስርዓት ንሕዝቢ ዘታልለለን መሳርሒ ፡ መራኸቢ ብዙሓን ቲቪ ኤረን ፡ ናይ ሓሶት መናፍሕን፣ናይ ጭውያን ሽበራን መቅተልትን ዝኾነ ናይ ጸጥታ መሓዉሩ እንተዘኮይኑ ፡ እቲ ስርዓት ብሕዝቡን ብዓለምን ዝተፈንፈነ ኮይኑ ኢዩ ዘሎ ይብል ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ።

ቀጺሉ ሓጅ ዓብደልኑር ብህልዊ ኩነታት ደንበ ተቃውሞን ተራ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ኣብ ደንብ ተቃውሞ ካብ ምትእኽካብ ካብ ዝጀመረሉ ፡ ምሕዝነት ክሳብ ሎሚ ነቲ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ዝጸንሔ ናይ ምንጽጻግ ባህሊ ብሓፈሽኡ ስዒሩ ንደሞክራስዊ ቃልሲ ናይ ሓድሕድ ምኽብባርን ተጻዋርነትን ከምዘተኣታተወን፣ ናይ እንካን ሃባን ልምምድ ኣብ መስርሕ ከም ዝተመኮረን እዚ ድማ እቲ ሓያል ጐድኑ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። እዚ ዝምስክሮ ድማ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣወዳድባን ዘሎወን ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ሓደ ምትእኽኻብ ተጠሚረን ኤትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኮይነን ክኸዳ ምኽኣል እዩ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ድሕሪ ክንደይ ሓጎጽጎጽን ቃልስን ናይ ሕዝቢ እምነትን ተሳትፎን ኣብ ጐድኒ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከምጽእ ብዝብል ኣምር ፣ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣንጻር ምልክነትን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣንጻር ናይ ወጻኢ ሓይልን ከምዝፈላለን፣ ንህዝቢ ኣንጻር ናይ ወጻኢ ጸላኢ ከትውድቦ ይቀልል ካብ ኣንጻር ውሽጣዊ ምልኪ ኢሉ። ኤ.ዲ.ኪ. ምስቲ ኩሉ ውሽጣዊ ድኽመታቱን ግዳማዊ ብድሆታትን ንሕዝቢ ንምእካብ ተበግሶ መስርሕ ዋዕላታትን ጉባኤታትን ምስ ኩሎም በርገሳውያን ማሕበራትን፣ መንእሰያትን ደቀኣንስትዮን ዘሳተፈ ናይ ዘተ መጋባእያታት ንኽግበር ወሲኑ ፡ 2008 ድማ ኣብግብሪ ንኽውዕል መስርሕ ኣተኣታትዩ። ናይዚ ኩሉ ዋዕላታትን ጉባኤታትን ዕላማ ፡ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ንደሞክራስያውያንን ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ዝጥርንፍ ንምምስራት ከምዝነበረ ፡ ነቲ ተወዲቡ/ተጠርኒፉ ክሰርሕ ዝጸንሔ ኣፍሪስካ ብካልእ ምትካእ ከምዘይነበረን፣ ኩሉ ትርኑፍ ሓይሊ ክኸውን ፡ ነፍስ-ወከፍ ብውልቀ ወይ ብዝተወደበን ሓደ ምስቲ ሓደ እናተላፈነ ዝሰርሑሉ ሰፊሕ ዓውዲ ናይ ቃልሲ ንምምስራት ኢዩ ዝነበረ፣ በለ ሓጅ ዓብደልኑር ኣብ መግለጺኡ።

ቀጺሉ ድማ፣ ማእከላይ ባይቶ ኤ.ዲ.ኪ. ኣብ ወርሒ መጋቢት 2011 ቅድሚ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምግባሩ ፡ ቀጻልነት ኤ.ዲ.ኪ. ድሕሪ ሃገራዊ ጉባኤ ከመይ ክኸውን ኢዩ ብዝብል ተመያዪጡ እዩ። ኤ.ዲ.ኪ. ኣብ ውሽጢ እቲ ዝሰፍሔ ክቐውም ትጽቢት ዝግበረሉ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተወሃሂዱ ከም ጽላል ፖለቲካዊ ውድባት ክቅጽል ምዃኑ ተሰማሚዑሉ ፡ ብኡ መሰረት ድማ ኢና ንሕና ከም መርሕነት ኤ.ደ.ኪዳን ምሳኻትኩም ንራኸብ ዘሎና።

ከም ልሙድ ኣበሃህላ፡ ምትእኽካብ በርገሳዊ ማሕበራትን ፡ ልፍንቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ከም ቅቡል ክኸውን ከሎ ፡ ህላዌ ጥርኑፍ ኤ.ዲ.ኪ. ክመጽእ ከሎ ዘይቅቡል ይግበር። ምኽንያቱ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ መበገሲ ዝገብረ ከም ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ንኽህሉ ዘብርህ ሓሳባት እዚ ዝስዕብ ክረአ ይከኣል ብማለት፡ ንኣብነት ምትእኽኻብ በርገሳውያን ማሕበራት ፡ ኤርትራዊ ግሎባላዊ ሶሊዳሪቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመርካ ዝመደበሩ ከምኡ’ውን ኣብ ኤውሮጳ ናይ ብዙሓት በርገሳዊ ማሕበራት መርበብ ኣሎ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ይኹና ካልኦት ማህበራት ከም ናይ መእሰይ ፡ ናይ ደቂኣንስትዮ ከምኡ’ውን ካልኦት ምጥርናፋት ተኣካኺበርን ብጥርኑፍ ሕቶታተንን ዕላማታተንን ከዔውታ ኣብ ኩሉ መዳያት ይግባእን ዝድገፍን እዩ። ኤ.ደ.ኪ. ከም ጥርኑፍ ፖለቲካዊ ኣካል ድማ ፖለቲካዊ መስመራቱ ኣወሃሂዱ ንዘይተጠርነፋ ፖለቲካዊ ውድባት ጠርኒፉ ብጥርኑፍ ንድሕነት ሃገር ክቃለስ ዝድገፍን ክተባባዕ ዝግባእን መሰል ናይቶም ዝተጠርነፉ ኣካላትን ምዃኑ ክንርዳእ ኣሎና ብማለት ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ መብርሂ ሂቡ። ኸምዚ እንተዘይኮይኑ ናይ ምውዳብ ናጽነት ኣይጻረርንዶ ኢሉ ብሕቶ ምልከዕ ኣስሚሩሉ ሓለፈ። ሓጅ ዓብደልኑር መግለጺኡ ብሓቂ ነቶም ተካፈልቲ ኣኼባ ብዘረድእ ቋንቋ ከምዘቅረቦ ኣብ መብዛሕኦም ኣኼበኛታት ገጽ ዝረአ ዝነበረ ስምዒት የመልክት።

 ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ ፡ ኤ.ዲ.ኪ. ብጥርኑፉ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምዃኑን ምስኡ ድማ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ክሰርሕ ምዃኑን፣ እቲ ኤ.ዲ.ኪዳን ዝሰርሖን ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝሰርሖን ዕላማታትን ናይ ሓባር ቃልሲ ምዃኑን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዝመላላእ ድኣ እምበር እቲ ሓደ ኣንጻር እቲ ሓደ ከምዘይኮነ ኣብነታት ናይ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምስራቕን ንዝካየድ ዘሎ ናዕብታት ናይቲ ዝተፈላላየ ሓይልታት ምውህሃድን ኣባና ክርኤ ከምዘልዎን ኣድላይነቱን ብሰፊሑ ገሊጽዎ።

ሓው በሽር ይስሓቕ ድማ ናይ መስርሕ ሃገራዊ ሓድነት ተመክሮ ኤርትራውያን ካብ ምውላድ ኤርትራዊ ሃገራውነት ክሳብ ሎሚ እቲ ኣሉታውን ኣወንታውን ሸነኻቱ ምስቲ ናይ ዓለም ምሕናጽ ሃገርን ደሞክራስያን ኤርትራ ዕድመኣ ካብ 100 ንላዕሊ ከምዝኾነን ምስቲ ናይ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክወዳደር ሓጺር ምዃኑን ብዙሕ ድሆታት ከምዝጋጥምን ይገጥሞ ከምዘሎን ኣብሪሁ። ሓው በሽር ነቲ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ክኸይድ ዝጸንሔ ናይ ሓድነትን ደሞክራስያን መስርሕ ምስ ብዙሕ ዕንቅፋታቱ ኣብዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ማለት ኣብ ምቋም ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ቀሊል ከም ዘይነበርን ኣዘኻኺሩ። ዘሎናዮ እዋን ምውዳቅ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ጥራሕ ዘይኮ፡ ምሕናጽ ደሞክራስያዊት ሃገረ ኤርትራ ምዃኑ ብስፍሕ ዝበለ መደረ ኣቅሪቡ። ኤ.ዲ.ኪ. ኣባል ሃገራዊ ባይቶን፣ ነዚ ትካልዚ ንምዕዋት ብኩለንትናኡ ክሰርሕ ምዃኑ ብዝያዳ ንሕዝቢ ኣረዲኡ።

ግዜ ሕቶን መልስን

ገለ ካብ’ቲ ዝቀረበ ሕታቶት ካብ ሕዝቢ እዚ ዝስዕብ እዩ።

  1. ስለምንታይ ህዝቢ ንደንበ ተቃውሞ ይኹን ነቲ ስርዓት ኣይኣምኖን ወይ ኣይፈትወኩምን?

  2. ህላወ ኪዳን ምስቲ ዝቆመ ሃገራዊ ባይቶ ኣይጻረረንዶ፧ ዝምድና ኪዳንን ሃገራዊ ባይቶን ከምይ ክኸውን እዩ?

  3. ኣተሃላልዋ እተን ዕጥቃዊ ክንፍታት ዘለወን ውድባት ከመይ ክኸውን ኢዩ?

  4. ሕጂ ሓይሊ መንእስይ እናተኣከበን እናተጠርነፈን ይከይድ ኣሎ ከመይ ገርኩም ምስ መንእሰያት ኽትወሃሃዱ ትሓስቡ ኣሎኹም?

  5.  እዚ ስርዓት እዚ ብሃንደበት ምስ ዝወድቅ ብዛዕባ ጸጥታን ሰላምን ኣብ ኤርትራ ከመይ ጌርኩም ከምትሕልውዎ መድብ ኣሎኩምዶ?

  6. እቲ ኣብ ኣዋሳ ዝትኻየደ ጉባኤ ኣብ ኣወካኽላ ፖለቲካውያን ውድባት ክሳብ ክንደይ ቅኑዕን ፍትሓውን ነሩ?

መልስታት ናይቲ ዝቐረበ ሕቶታት ብሕጽር ዝበለ ከምዚ ዝስዕብ ይጽሞቕ።

  1. ብዛዕባ ሕዝቢ ኣይፈትወኩምን/ኣይኣምነኩምን፣ ሓጅ ዓብደልኑር ክምልስ ከሎ፣ መጀመርያ ደንበ ተቃውሞ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ስልጣን ካብ ሕዝቢ ረኺቡ ዘካዮዶ ሕዝባዊ ጉዳያት የብሉን እንታይ ድኣ ብድልየቱ ዝቃለስ ሓልይልታት ኢዩ። ናይ ሕዝቢ ርእይቶ ብነጻን ብመጽናዕቲ ኣካይዱ ሕዝቢ ከምዘይፈትወናን ፡ ለውጢ ከምዘይደልን ዝፈልጥ ኣሎ ክብሃል እይከኣልን እዩ። ብኣንጻሩ ነቲ ስርዓት ጠንጢኑ እዚኩሉ ህዝቢ ካብ ኤርትራ ዝጓረት ዘሎ ኣብቲ ስርዓት ዘሎዎ ጽልኣትን እምነትን ከምዘጥፍኤት ዘርኢ ምልክት እዩ። እቲ ስርዓት ዝፍንዎ በለካ ለክዓካ - ብምጽላምን ሽም ውድባት ብዓለትነትን ሃይማኖትን ብምክፋእ፣ ንሕና ድማ ንሕዝቢ ኣብ ጎድኒ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከነስታፎን ከነእምኖን ንቃለስ ኣሎና እዚ ድማ ሓያል ቃልሲ ይሓትት ኢሉ መለሰሉ።

  1. ህላወ ኪዳን ይኩን ካልእ ምሕዝነታትን ምጥርናፋትን ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ድማ መርበባት ብርገሳዊ ማሕበራት ኣብ ብዝሐ ሰልፋውያን፡ ደሞክራስያውን ስርዓታት ንምትካል ዝዋሳእ ልሙድ ኣሰራርሓ ደሞክራስያ ኢዩ ። ምስ እካሉን ባዕሉ ዘቖሞ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጻረር ኣይኮነን ምኽንያቱ ዕላማታቶም ሓደ ስለዝኾነ ፡ ክወሃሃድን መስርሕን ንጽሩነት ክምድብን ግን ንቡር እዩ።

  1. ኣተሃላልዋ እተን ዕጥቃዊ ክንፍታት ዘለወን ውድባት ቅድሚ ሕጂ ብናይ ምውህሃድ መስርሕ ጀሚረን ጸኒሔን እየን ፡ ኣብ መጻኢ ፡ ብዝተፈላለየ ውደባን ኣተሓሳስባን ክስርዓ  ስለዝጸንሓ ፡ ናብ ሓደ መርሕነት ከተምጽኤን ከምኡ ድማ ጽባሕ ምስቲ ሃገራዊ ስራዊት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ብኽመይ ተወሃሂደን ከምዝሰርሓ መጽናዕቲ ብምግባር ካብሎሚ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ፡

  1. ምስዚ ሕጂ ተበጊሱ ዘሎ ናይ መንእሰያት ምንቅስቃስ ብኩሉ ዘሎና ዓቅምታት ክንተሓጋግዝን ስራሓትና ከነዋሃህድን ድልዋት ኢና፣ ድሮ እኳ ሰሚናራትን ኮንፈረንሳትን ናይ መንእሰያት ክኸውን ንንቀሳቐስ ኣሎና፣ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ መንእስያት ዘሎ ዘይምትእምማን ብልዝብን ብምቅርራብን ብሓባር ብምስራሕን ጥራሕ ከም ዝሰዓር ንኣምን፣ ናይ መንእስያት ምጥርናፍ ክሕይልን ቀጻልን ነባርን ኽከውን ድማ ትምኒትናን ትጽቢትናን ኢዩ።

  1. እዚ ስርዓት እዚ ብሃንደበት ምስዝወድቕ እንታይ መደብ ኣሎኩም ንዝብል ድማ፡ ንሕና እቲ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘጽደቅናዮ ቻርተርን መሪሕ ትልሚን ቅርጻ ባይቶን ኣሎና፣ ቡኡ መሰረት ድማ እቲ ሃንደበታዊ ውድቀት ናይዚ ስርዓት ዘምጽኦ ፖለቲካዊ ባዶነት ከይርከብ ንኩሉ ጸጥታውን ሰላምን ሕዝቢ ንምኽልካል ዝሓንጸጽናዮ ስትራተጂ ኣሎና፣ በዚ ስትረተጂ እንተ ሰሪሕና ድማ ነቲ ባዶነት ከምእንምልሶ ዓቢይ እምነት ኣሎና፣ ምናልባት እቲ ሴናርዮ ዘይተቐረብናሉ ክኸውን እንተኽኢለ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ተቃውሞ ሓይሊ ምድልዳልን ምስቲ ውጹዕ ሰራዊት ኤርትራን ፡ ደለይቲ ለውጢ ባእታታትን ርኽክባት ምክያድን ቀዳማይ ዕማምና ኢዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሓይሊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ከምዘሎዎ ሓቢሩ።

  1. ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝተኻየደ ምርጫ ባይቶ ይኹን መሪሕነት ናቱ ቅኑዕነትን ፍትሓውን ንምግምጋም፡ መጀመርያ ከምቲ ኣብ ቅዋማዊት ሃገር ተካይዶ ብናይ ኣህጉራዊ መሰኻክር ዝፍረድ ምርጫ ዘይኮነስ ጉባኤኛታት ካብ በርገሳዊ ማሕበራት ምስቲ ኩነታቶም ዝሰማማዕ ጌሮም ኣብ ዞባታትን ሃገራትን ብጽሒቶም ወሲዶም ድሓር ድማ ኣብ ውሽጦም ምርጫታት ኣካይዶም፣ ነዚ ክገብሩ ከለዉ ድማ ካብ ውሽጢ ጉባኤ ዝተመርጽት ኮሚተ ነዚ ጉዳያት ተካይድን እተወሃህድን ነበረት፣ እተን ፖለቲካዊ ውድባት ካብ ኪዳን ወጻእን ኣባላት ኪዳንን ድማ በብጺሐተን ወሲደን ኣብ ውሽጠን ምርጫ ኣካይደን፡ ስለዚ ወላ እኳ ብኣህጉራዊ ደርጃ ምሉእን ቅኑዕን ፍትሓውን ነሩ ክንብል እንተዘይከኣልና ፡ ግን ብደርጃ በጺሕናዮ ዘሎና ድሓን ከምዝነበረ ፍርድና እኹል ነሩ ጥራሕ ኢልና ኢና ክንድምድሞ ንኽእል።

ድሕሪ ሕቶን መልሰን ሃናጺ ለበዋታትን ርእይቶታትን ቀሪቡ። እቲ አኼባ ጽቡቅ ምርድዳእን ርጉእ መንፈስን ዝዓሰሎ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መጨረሽታ ድማ መራሒ ኣኼባ ኣቶ ነጋሽ ዑስማን ብዝኽሪ ስዉኣት እቲ ንኣስታት 4 ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ ዛዚሙ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ጨንፈር ሽወደን

 

 

 

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,260,786 وقت التحميل: 0.21 ثانية