Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ጋዜጣዊ መግለጺ ስሩዕ ኣኼባ ማእከ&#461
أخبار

 ER F.D.M Fourm.jpg

ጋዜጣዊ መግለጺ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ

ፌድራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

ማእከላይ ሽማግለ ፌድራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባኡ ካብ ዕለት 31-19 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዝያት ብምኪያድ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ሓቀኛ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ተፈጥሩ ዘሎ ምዕባለታት ብዕምቁት ብምምዛን ምግባእ ሃገራዊ ጉባኤ ንድሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ኩሉ ኣብ መስሪሕ ምድላውን ውጺእቱን ዘጋጠመ ሕጽረታት ንዝተፈላለየ ፖሎትካውን ማሕበራውን ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ኤርትራዊያን ኣብ ሓደ ቦታ ንምጥርናፉም ብምብቃዑን ንውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ገድላዊ ዓቅምታቶም ንምስማርን ከም’ውን ድሕሪ ውድቀት ምልካዊነት ንዝመጺእ መድረኻዊ መደባት ብምስሚማዕን ኣገዳሲ ዓይነታዊ ስጉምቲ ንቅድሚት ምዃኑ ኣስሚርሉ። ንሱ ድማ ውጽኢት ቐጻሊ ገድልዊ ጻዕሪ ፌድራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራን ኩሎም ሓቀኛን ጠቅላላ ለውጢን ንምቅሊጣፍ ዝቃለሱ ዘለዉ ኣካላት ከም ኣቢነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ነዚ ዕላማ’ዚ ክውን ንምግባር ኩሉ ዓቅሚታቱ ጽንቂቁ ክሰርሕ ብምንባሩ ብቀዳምነት ክጥቀስ ይካኣል ምዚኑ።

ማእከላይ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼብኡ'ዚ ንውሽጣዊ ኩነታት ውድብና መበል ዓስራይ ዓመት ኣብ ዝምልኣሉ ውቅቲ ፌድራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስና ኣብዞም ዓመታት ዚኣቱም ንህልውን መጻኢን ጉዳያት ኤርትራ ንምፍታሕ ዝንጽሩ ሰነ ሓሳባዊ መርሆን መደብን ክስርሕሉ ብምጽናሑ ኣብ መማርጺ ሓሳባትን መደባትን መስረሕን ሓይልታት ኤርትራዊ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘይስግር ጽልዋ ከምዝንብሩ ኣስሚርሉ። ከም’ውን ንፉሉይ መድረኻዊ ዕማማት ቃልሲ ንምረግጋጽ ከምዝቃልስ ዘሎ ሓይሊ መጠን ወድባዊ ቅርጻኡ ንምምላእ ብምብጋሱን ሓሳብ ምስ ግብሪ ተስንዩ ከኽይድ ብምኽኣሉን ዓቢ ፈጻምን ከናኣድ ዘለዎን ምዚኑ።

ማእከላይ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼብኡ'ዚ ነጥፈታት ፌድራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ዝሓልፉ ክልተ ዓመት ብዕምቁት ራኢዩን ሓያልን ድኹምን ጎኒታት ንጽሩን ዘተረጋግጹ ኣውንታዊ ጎኒታት ንምዕዛዝን ኣሉታዊ ጎነታት ንምእላይን መድረኻዊ ትልሚ ዕዩ ብምስራዕ ኣብ መጻኢ ምንቅስቓስና ተጽቢት ዝግብርሉ ለውጢ ንምምጻእ ድልውነቱ ንምዕዛዝን ምስ ኣብ ኤርትራ ከረጋግጽ ትጽቢት ዝግብርሉ ደሞክራስያዊ ማዕባለታት ንክዛምድ ንጺሩ። ምንቅስቓስና ኣብ ጉዕዞ ዘሓልፉ ዓስረተ ዓመታት ምስቲ ኩሉ ከጋጥሙ ዝጽንሐ ዕንቅፋትን ብዱሆታትን ብፈላይ ንህላወኡ ንምህራምን ምትንካፍን ኣብ ዝካይድ ዘሎ ቃልሲ ምእንቲ ሓቅኛ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ተራኡ ንምውጋድ ዝዕለመ፡ ነዚ ንምምካት ውድባዊ ስጥመቱን ሓደነቱን ዝዕቅብ ባህሊ ብምጽራጹ ማእከላይ ሽማግለ ነኢዱ። ማእከላይ ሽማግለ ምንቅስቓስና ኣብ 2002 ካብ ዝተምስረትሉ ጊዜ ጀሚሩ ኣብ ባዕላዊ ዓቕሚታቱ ብምምርኳስ ከምርሽ ምዃኑ ብምረግጋጽ ካብ ኣባላትን ፈተውትን ደግፍትን  ምንቅስቃስና ዝግብር ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ደገፋት ምጊሱ።

ማእከላይ ሽማግለ በመስረት ኣብ ምንቅስቓስናን ውድባዊ ቅርጽኡን ዝተምዝግቡ ምዕባለታትን ኣብ 2011 ዝቆመት ኣሰናደኢት ሽማግለ ነዝቅረብቱ ትልሚ ብምግምጋምን ንህልውን መጻኢን ተራኡ ንምዕዛዝን፡ ኣሰናደኢት ሽማግለ ዝተረፍዎ ዘሎ ዕማማት ንምምላእ ብምሕባርን ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ምንቅስቓስና ኣብ ውሽጢ ዝምጹ ሓሞሽተ ኣዋርሕ 2012 ክጋባእ ወሲኑ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ማእከላይ ሽማግለ ንመስረታትን ጨናፈርን ምንቅስቓስና ኣብ ውድባውን ገድላውን ነጥፈታት ብምንጣፎም ነእዳኡ ብምግላጻ ኣብ ምቅላጣፍ ውደቐት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ምንጣፍ ፖሎቲካዊ ቅርጻ ውድቦም ስርሓቶም ክዕዝዙን ከሕይሉን ጸዊዑ።

ብተወሳኺ ማእከላይ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼብኡ'ዚ ንሃገራውን ዞባውን እህጎራውን ፖሎቲካዊ ምዕባለታት ብዕምቁት ምዚኑን መጻኢ ትልሚታትን መምርሒታትን ጠቕላላ ሰክረትራያ ፌድራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ስሪዑን።

ዝልኣልማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስዋእትና!!

ማእከላይ ሽማግለ

ፌድራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

7 መጋቢት 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,917,309 وقت التحميل: 0.21 ثانية