Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ኮንፈረንስ ኤርትራውያን መንእሰ&#4843
أخبار

ER Youth Con Ap 012.jpg

                         ኮንፈረንስ ኤርትራውያን መንእሰያት ዋሺንግቶን ዲሲ

  “ሽግር ኤርትራ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን

         ኤርትራውያን መንእሰያት ሽግር ሃገርና ንምቕንጣጥ አብ ሃገርና ዘሎ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት መዛዘሚ ንኽግበረሉ ዝሕግዝ ኮንፈረንስ ንምድላው አብ ምሽብሻብ ንርከብ። እዚ ዝተፈላለየ መደባት ዝሓቖፈ ኮንፈረንስ ካብ 25-28 ግንቦት አብ ርእሲ ከተማ .. ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ ክካየድ እዩ። ነዚ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ነቒሉ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርና ዘትዩ ንኹሎም ኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ለውጢ ናብ ሓደ ናይ መቃለሲ ባይታ ከምጽእ ተስፋ ዝግበረሉ ዘሎ ኮንፈረንስ ዓቕሚ ብዘፍቀደ መጠን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ንዝመጹ ጉዱሳት ከሳትፍ እዩ። ዛጊት ብዘሎና ሓበሬታ ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ክሳተፉዎ ከምዝኾነ ተረጋጊጹ አሎ።

          እዚ ኮንፈረንስ እዚ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ዝተገብሩን ገና እውን ንዝግበሩ ዘለው ጻዕርታትን ሃልክታትን ብአወንታ ይግምግም። ጉዳይ ሃገር ብኢደይ ኢድካ እዩ ዝፍታሕ ዝብል ጹኑዕ እምነት ስለ ዘለዎ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ባእታታት ሓቢሩ ክሰርሕ ምዃኑ ካብ ሕጂ ከነጽሮ ይደሊ። ሽግር ኤርትራውን ዝፍታሕ ብኤርትራውያን እዩ ዝብል ቴማ ንምንታይ ተመርጸ ዝብል ሕቶ ናብ አእምሮ ህዝቢ ቅጅል ክብል ጉቡእ እዩ። እዚ ቴማ ዝተመርጸሉ ሕመረት ሓሳባት፤ ነቲ አብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ አደራዕን መከራን ናይ ምፍትሑ ሓላፍነት አብ እንግድዓ እዚ መንእሰይ ወይ ሓዲሽ ወለዶ ምዃኑ ብግልጺ ክሰፍር ስለዝተደለየ እዩ።

         አብዚ ብስራሕ ሰሚርካ አንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኩለማዳያዊ ቃልሲ፡ ደለይቲ ለውጢ አብ ነንሕድሕዶም ዝህልዎም ሓልዮትን ምክብባርን ሓደ ረቛሒ ሓባሪ ዓወት ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። እቲ ነዚ ቴማ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ምስቲ ደለይቲ ለውጢ አካላት ንህዝብናን ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ብቐረባ ንኽከታተልዎ ክጥዕም አብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዘለዎም ህላዌ ወይውን ንዝጥቀሙሉ ዘለው ባይታ ቃልሲ ዝጻረር ከምዘይኮነ ከነስምረሉ ንደልይ። እዚ ክንብል እንከለና እቲ መዘውር መንኮርኮር ለውጢ ኤርትራ ብኤርትራውያን ክጭበጥ አለዎ ካብ ዝብል ጹኑዕ እምነትና ንስድሪ እውን ድሕር ከይበልና እዩ። ነዚ ኤርትራውያን እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ደራኺ ተራ ዝህልዎን ናብቲ ራእይ ዝመርሓና እቲ መዘውር ናይቲ መንኮርኮር እምበር፤ እቲ ነዳዲ ናይቲ መንኮርኮር ዘይምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ እቲ እዋን ስለዝአኸለ ነቲ ዘይተርፍ ሓላፍነቱ ክስከም ይግባእ።

         እዚ ተመሪጹ ዘሎ ቴማሽግር ኤርትራውያን፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን ሽግር ሃገርና ብኸመይ ይፍታሕ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ጠንቂ ሽግርናን ብውሽጥን ብደገን