Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 40 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

ኣርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ክበልዕዋ ዝደለዩ ኣባጉንባሕ ዛግራ ይብልዋ

እዛ ዳዋ ተምጽኦ ኣለዋ…

Afwarki May 012.jpg

ባዕሎም ይብሉ ሞይቱ

እቶም 03 ጭርናዓቱ

ጽባሕ ንርኢ እንተሎ ኣዒንቱ ከፊቱ

ዕላማ ቃልስና እኳዩ ክንሕዞ ብሂወቱ

ብሓሶትኩም ቃልስና ኣይስሕትን ኣንፈቱ

ጅግና ፓይሎት በርቢሩ ነጊሩናዩ ተንኮላቱ

ካብ ሳሕል ጀሚሩ ክንደይ ጀጋኑ ኣጽኒቱ…

ይሃሉ ኣይሃሉ

መራሒ ህግደፍ ብህዝቢ ፎእ ተባሂሉ

ሳዓብቲ ጃንዳ ሕርር ደኣ በሉ

ብደገን ብውሽጥን ደለይ ለውጢ ተላዕሉ

ከም ጋሻ ውሕጅ ማዕበል ሓፍሽ ነቒሉ

ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሕ እዝጊ ጸሊኡሉ…

Afwarki May 012 A.jpg

ከምቲ ዝጽነተና ይለብለብ ብሓዊ

ምስ ጀረናላቱ ኢሰያስ ሓሳዊ

ጃንዳ ህግደፍ ሃገር መዕንዊ

ገጋ ከይድገም ሕጂ ለብም ኤረትራዊ

ካባናስ ንሱ ይሓይሽ ረቢ ኣምላኽ መርሃዊ….

ምስ ጃንዱኡ ብሓዊ ክልብለቡ

ንህዝብና ብሓሶት ኣጥፊኦምሉ ቀልቡ

ማፍያ ህግደፍ ብናውቲ መንእሰያት ዝቕለቡ

ምስ መራሒኦም ሕጂ ደም ይተሓለቡ…

ብድሕረኹም ሃገርና ክርህዋ

ዩንቨሪስቲታ ክህነጻ መተካእታ ሳዋ

ዋዕሮታት ብግቡእ ተሓጽየን ክምርዓዋ

ኣደታት ሰማእታትና ሪሂወን ክቕንጅዋ…

ሰስና ሰስና መራኸቢ ብዙሃና

ምስ ጥርናፊት ስመር ገዛና

ሰስና ወጋሕታ ኣሰና ኤረና

ሰሚርና ንቀጽሎ ናይ ሓርነት ቃልስና

ጁጅ ማጁ ኣሊና

ሎሚ ዓመት ኤረትራ ሃገርና

ስጋቦይለ ኣብዛ ኢድና

ነቶም ሒኹዝብሉ ክፈላልዩና

ንፋስ ከእትውሉ ዝፍትኑ ንጥርናፈና

ዲል ኣይንህቦምን ኢና

ስመር  ኮይኑ ዘሎ ጭርሖና

ወይልኡ ዝጸንሕ ኣብ ቅድመና

ሰሚሩዩ ሕልሚምና…

/////////////////////////////

ሳሃራ

ኤረትራዊ እንበር ኮነ ድራር ኣሞራ

ብህግደፍ ረኺቡ መካራ

ብ ሕጊ ኣልቦ ስርዓተ ጭፍራ

ሸፋቱ ሰፊሮሞ ኣብ ኣስመራ

መንእሰይ ኣብ ሲናይ ኣብ ሳሃራ

ካብ ህግደፍ ሃዲሙስ ኮይኑ ድራር ካራ

ኣየ ክሓስም ናይ ኢሰያስ ምሕድራ

ንኤረትራ ቀይርዋ ናብ ናኹራ

ሳሃራ

ክንደይ መንእሰይ ቀቢራ

ገለን ብጽምኢ ማይ ነቒጹ ከናፍራ

ገለን ተቐይሩ ሕብራ

ነታ የዋህ ኣደ ንንገራ ንንገራ

ናይ ዚኹሉ ተሓታቲ ምዃኑ ስርዓት ኣስመራ…

ሳሃራ

ኣዋልድና ብዓመጽ ይሕዛ ድቂ

ጉጅለ ኢሰያስዮም ናይ ምብትታና ጠንቂ

ኣብ ሃገርና ዝፈረዩ እኽብካብ ጸይቂ

ጅግና ሲኢና ብሓቂ

መንእሰይ ዶ ምተሰደደ 

ኣብ ሃገርና እንዳ ተሓፍሰ ወርቂ

ጀነራላት ጃንዳ መንጪቶም

ንህዝብና ኣእቲወምሉ ድርቂ

ሳሃራ

ድሕሪ ክንደይ ጭንቀት ምስ ኣተና ሊብያ

ድቂ ንስትዮና ብደቂ ልብያ ዳግማይ ይጭወያ

ኣብኡ ጸኒሖም ናይ ህግደፍ ማፍያ

ናይ ሳሃራ በደዊን ናውቲ ደቂ ኤረይ ይጸያ

ንህዝብና ካብ ኢሰያስ ክነጋላግሎ ንበል ጉያ ጉያ

ተቃወምቲ ውድባት እንታይ ትጽበያ…

ሳሃራ

ክሳብ ማዓስ ክንስመ ተቃወምቲ

ኣኺሉና ኮይና ተዛረቲ

ግብሪ ጎዲሉ ካብ ናእሽቱ ዓበይቲ

እንዳበልካ ኣብቲ የለኹ ኣብቲ

ኣይተናኣእስ ንተቃለስቲ….

…ኤረትራዊ ቅድም ነብስኻ ሕተት

ውድባት በዚሔን እናበልካ ካብ ምንባሕ

ነብስኻ ወዲብካ ምስራሕ

ከይተወደብካ ኣይስራሕን ስራሕ

ፋይዳ የብሉን ምባል ኣሕ

ተወዲብካ ንጭፍራ በሎም ሓሕ

ብዘረባ ህግደፍ ኣይብሉን ፋሕ ፋሕ

ሰፍካ ምዘዞ ኣይትበል ቀባሕባሕ…

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶም

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,906,129 وقت التحميل: 0.25 ثانية