Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ካብ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ &#4
أخبار

Alaince 1.jpg

ካብ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝወጸ መብርሂ፡

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ብገለ ኣባል ውድባቱን ካልኦት ጽሓፍትን ኣብ መርበባት ሓበሬታ ብዛዕባ ውጽኢት ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት  ኣብ ጉዳይ ኤ.ዲ.ኪን ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝህልዎ ዝምድና ብዝምልከትን ንዘርእይዎዎ መርገጻት ብምግላጽ ሓላፍነቱ ከኣ፡ ንማእከላይ መሪሕነት ኤ.ዲ.ኪ ብምሽካም ኣብ ሓፈሻዊ ኤርትራዊ ራእይ ምድንጋር ምፍጣርን ካብ ውሰንቲ ጉዳያቱን መድረኻዊ ገድላዊ ዕማማቱን ከየተኩር ንምግባር ክከታተል ጸኒሑ’ዩ። በዚ መሰረት ከኣ፡ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብ ጉባኤታቱን ብሕጋዊ ትካላዊ ኣስራርሑኡን ብዝተሰማምዓሉ መሰረት ነዚ ዝስዕብ ሓቅታት ከብርህ ይፍቱ፡-

1.  ብዕለት 14 መጋቢት 2011 ዝጸደቐ ቅዋም ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ዓንቀጽ (11) ንኡስ ዓንቀጽ (4) ነዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ይገልጽ፡-

(4.ብዘይካ ፈጻሚ ቅርጻ ሓላፍነቱ ከም ኣድላይነቱ ንማእከላይ መሪሕነት ስለ ዝምልከት ኣብዚ ቅዋም’ዚ ዝኾነ እርማት ንምግባር ሓላፍነቱ ንጠቕላላ ጉባኤ ጥራሕ’ዩ ዝኸውን፡፡)

ቅዋም ኤ.ዲ.ኪ ብዘነጸሮ መሰረት ሓላፍነት ማእከላይ መሪሕነት ብዛዕባ መጻኢ ዕድሉን ኣብ ቻርተሩን ምቖምያታቱን ምምሕያሽ ንምግባር ዘይኮነስ ኣብ ቅርጻ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ዕማማት ሽማግለታቱን ምምሕያሽ ጥራሕ ዝተሓጽረ'ዩ። መርገጺታት ኩሉም ኣባላት ውድባት ኪዳን ኣብዚ ዙር'ዚ ኣብ ክሊ'ዚ ኣገባብ’ዚ ንኩሉ ኣባላቱ ብዝቕይድ ይውሰድ ኔይሩ። ገደብ ውሳኔታት ኤ.ዲ.ኪን እኹልን ዘይእኹልን ንምነጻርን ኣብ ጉባኤታትን ኣኼባታት ማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ዝውሰን ዳኣምበር ብንጽል መግለጽትታን ኣዋጃትን ኣይኩነን።

2.  ኣብ ጠቕላላ ጉባኤ ኪዳን መጋቢት 2011 ዝጸደቐ ፖለቲካዊ ሰነድ - ስእሊ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኪዳን- ዘርእስቱ ነዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ይገልጽ፡-

(ኪዳን ከም ፖለቲካዊ ኣካል ክሳብ ውድቐት ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ክቕጽልን ምስ ውጺኢት ሃገራዊ ጉባኤ ቅርጽኡ ከጥዓዕምን ይግባእ ይብል።)

3.  ነዚ ንምፍጻም ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ግብራዊ ስጉምቲታት ንምውሳድ እቲ ብደረጃ ኤ.ዲ.ኪ ከስራሕ ኣሎዎ ኢሉ ዝርኣዮ መደባትን ብደረጃ ኤ.ሃ.ባ.ለ ክስራሕ ኣሎዎ ኢሉ ዝርኣዮ ዕማማትን ኣብ ህዝባውን ዜናውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ኣነጺሩ ኣቐሚጡ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣድላይ ስጉምትታት ንምውሳድ ከኣ፡ ንፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሓላፍነት ሂቡ።

4.  ከም’ውን ምስ ሃገራዊ ባይቶን ፈጻሚቱን ግብራዊ ሕድሕድ ምስንናቕን ምምልላእን ክውን ንምግባርን ዝኾነ ከፍጠር ዝኽእል ግርጪት ንምእላይን እቲ ስራሕ ብቀንዱ ኣብ እዋናዊ ዕማምት ብምውጃህ ንዝዓበየ ሓበራዊ ዕላማ ማለት ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ናይ ምውህሃድ ስራሕ ኣጣሚሩ ክሰርሕ ንዓንኬል ወጻኢ ጉዳያት ተዋሂቡ። በተማሳሳለሊ ምስ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበረ ሰባትን ..ወዘተ ናይ ምውህሃድ ዕማም ይፍጽም።

5.  ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ዝግብሩ ስርሓት ዓንቂፉ ወይ ተቓዊሙ ወይ ኣንጻሩ ምልዕዓል ገይሩ ዝበል ጭብጢ የልን ኣይህሉን’ዩ። ብኣንጻሩ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ዲ.ኪን ጨናፍሩን መሰረታቱን ካብቶም ግንባር ቀደም ብምምስራት ሃገራዊ ባይቶ ዘበሰሩን ንዝግበሩ ዘለዉ ንጥፈታት ብተብግሶ ዝድግፉን’ዮም።

6.  ብተበግሶ ኪዳን ኣብ መንጎ ፈጻሚት ኤ.ዲ.ኪን ሃገራዊ ባይቶን ዝተግብረ ሓበራዊ ርክብ ክልቲኡ ኣካላት ከመይነት ኣድማዒ ምውህሃድን ምትሕበባርን ምድግጋፍን ንምግባር ኣገዳሲ መሰረታዊ ኣንፈታት ንምንጻር ሓጊዙን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣካላትን ሃገራዊ ዕማማቶምን ምጽራር ከም ዘሎ ብምምሳል ዝነፍስ ዘነበረ ወረታት ሓቅነት ከም ዘይብሉ ኣብ ምግሃድ ኣውንታዊ ጽልዋ ኔይሩዎ’ዩ።

7.  ውጽኢት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሃገራዊ ባይቶ መተክኣታ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ወይ ዝኾነ ካልእ ፖለቲካዊ ይኹን ሲቪካዊ ጽላል ኣይገልጽን’ዩ (ብሕጋዊ መንገዲ ሃገራዊ ጉባኤ መሰል የብሉን)። ከም’ውን ተመስሪቱ ዘሎ ጽላላትን ፖለቲካዊ ውድባትን ንብሶም ከፍርሱን ወይ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላቶም ይኹን ኩሉ ወይ ክፋል ፖለቲካውን ማሕበራውን ሰብኣውን ስነ-ሓስባውን ንጥፈታቶም ክስርዙን ንምግዳድ ኣይገልጽን’ዩ።

8.  ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከም ናይ ዝተወደቡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሓበራዊ ጽላል መጠን ኩሎም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ሓይልታት ዘሳትፍ ሰፊሕ ጉባኤ ንምክያድ ካብ ባህግታት ትምኒታትን ናብ ርኡይ ግብራዊ ፈጻመ ንምግባር ብተበግሶን ነዚ ትልሚ’ዚ ክውን ንምጋብር ኣብ ኩሉም ዝተኻየዱ መስርሓት ቃልሲ ኣብ ምስንዳእን ዝዓበየ ዕላም ንምርግጋጽ ብውጽኢታቱ ሽርክነት ብምግባር ምምእዛዝን ተሳትፍኡ ኣረጋጊጹ።

9.  ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብመትከል ህዝቢ ነብሱ ክውድብን ከልዓዕልን ብምእማን ዓበይቲ ሲቪካውን ሞያውን ኔትዎርክን ጽላላትን ክምስረት ጽዒሩን ጽዊዑን ኣተባቢዑን’ዩ። ከም’ውን ህዝቢ ኣብ ሞያውን ባህላውን ማሕበራት ብምውዳብ ኣብ ዝሰፍሐ ጽላላት፡ ካብኣቶም ድማ ንፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ዝሓቁፍ ሰፊሕ ጽላል- ብምጥርናፍ ኣድላዪ ምዃኑ ይኣምን። ሃገራዊ ባይቶ ድማ፡ ንዞም ኣብ ክሊ ዝዓበየ ዕላማ ደሞክራስያዊ ለውጥ ንምርግጋጽ ዝሰምሩን ብመልክዕ ውደባን ሞያን ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝጥርንፍ ዝሰፍሐ ሃገራዊ ግንባር ኮይኑ ነፍስ ወከፎም ከከም  ዓቕሞምን ሞያኦምን ብሓሳብን ተግባርን ዝዋስኡሉ ይኽውን።

 

ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለው መሰረት ብምግባር  ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኩሎም ወገናት ንኪዳንን መሪሕነታዊ ቅርጻኡን ካብ ሓላፍነቶም ንላዕሊ ከሰክምዎም የብሎምን። ኮምኡ’ውን ቅድሚ ምቕማጥ ፖለቲካዊ ሓሳባቶም ኣብ ዝገብርዎ ገምጋም ከኣ፡ ወድዓውን ንጹርን ኮይኑ ኣብ ቅዋም ኤ,ዲ,ኪ ዝተመርኮሰ ክኽውን ይጽውዕ። ከም’ውን ኣብ ምፍታሕ ሃገራዊ ጉዳይትን ንኪዳን ዝምልከት ጉዳይትን ኣብ ክንዲ ብስምምዕ ኣብክሊ ዝተሓተ መድብ ዕዮ፡ ብዝውሓደ ከኣ፡ ናብ ዘለናዮ መድረኽ ዘብጽሑና ግብራዊ ተሞክሮ ዘለዎ ሰረታት ካብ ምፍራስ ገድላዊ ሓድነትና ንምርግጋጽን ብመድረኻዊ ገድላዊ ጉዳያትና ንምቕያድን ደሞክራስያዊ ህንጸት ንምጽራጽን ብወለንታ ዝሓንጸጽዎ ሰረታት ከኽብሩን ትካላዊ ኣስራርሓ ሓባራዊ መድረኻዊ ጽላላትና ከስፍንን ይጽውዕ።

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብወለንታ ዝተመስረተ ጽላል መጠን ኩሉም ፖለቲካዊ ምርጫታት ንምውሳድን ኣብ ክሊ ሕጋዊ ትካላት እርማትን ምምሓያሻትን ንምግባርን መሰሎም ዝተሓለወ ምዃኑ ባህርያዊ’ዩ።

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

08 ግንቦት 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,309,196 وقت التحميل: 0.02 ثانية