Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ብምኽንያት መበል 21 ዓመት ዝኽሪ ናጽ&#
أخبار

ENCDC ex office.jpg

ብምኽንያት መበል 21 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ

ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝወጸ መግለጺ።

ሎሚ 24 ግንቦት 2012 ንመበል 21 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ዝባዓለላ ታሪኻዊት መዓልቲ እያ። ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጸ ነዛ ዕለት እዚኣ ዘኪሩ ከብዕላ እንከሎ እተሕልፎ ዓቢ መልእኽትን ታሪኽን ዘለዋ ዝኽሪ ስለ ዝኾነ ደኣ እምበር ካልእ ምኽንያት የብሉን።

ጅግና ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ሓርነታዊ ተጋድሎኡ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ዝኣክል ሰላማውን ዕጥቃውን ሓርበኛዊ ቃልሲ ኣካይዱ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ነጻን ሉእላዊትን ሃገር ምርግጋጹ ሓደ ኣገዳሲ ምዕራፍ ኣብ ቃልሱ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ምዕራፍ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ሓደ ካብቲ ዘሕጉሶ ምዕራፍ ናይ ቃልሲ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ዝተበገሰሉ ናይ ደሞክራሲ ዕላማታት መሊኡ ስለዘይተረጋገጸ እዛ ታሪኻዊት ዕለት እዚኣ ኣብ ትሕቲ ጨፍጫፊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብወሳንነት ካብ ብሓጎስ ብሓዘንን ትካዘን እናስተንተነን እናሓረነን ዘብዕላ ኣጋጣሚ ኮይና እያ እትርከብ። እዚ ካብቲ እተጸበዮ ልዑል ናይ ናጽነትን ሓርነትን ዕላማታት ህዝብና ብዝተሓተ ደረጃ ዝተረጋገጸ ተራ ሃገራዊ ናጽነት እዚ ነቲ ኣብ ቅድሚ ህዝብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ደሞክራስያዊት ሃገር ንምህናጽ ንዝነበረ ዕድላት ዘጸልመተ እዩ ነይሩ።

ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ብረት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ብኢደ ዋኒኑ ምስ ደየበ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ምዕባሌኡ ክኹለፍን ባዕዳዊ መግዛእቲ ብበዓል ቤታዊ /ወዲ ዓዲ/ መግዛእቲ ክትካእን ህዝቢ ኤርትራ ዳግም ብዝኸፈአ ሓሳረ መከርኡ ንኽርኢ እዩ ገይርዎ። ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝተናውሐ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎኡ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ዜጋታት ብኣጠቓላሊ ናይ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ጾታ ወዘተ ዝኽበረላ ናይ ምዝራብ ምጽሓፍ ምእካብ ምውዳብ ምቅዋም ምድጋፍ ወዘተ መሰላት ዝፍቀደላ፡ ሃብቲ ሃገርን ስልጣንን ብፍትሓውን ማዕርነታውን መንገዲ ዝማቓራሓላ፡ ህዝቢ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ዝውስነሉ፡ ብግዝኣተ ሕጊ እትመሓደር፡ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ህዝብታትን ዓለምን ኣብ ሕድ ሕድ ምክብባርን፡ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዝተሰረተ ዝምድና እተደልድልን ብሓጺሩ ኣብ ጎደና ሰላም፡ ደሞክራስን ምዕባሌን እትምርሽ ደሞክራስያዊት ሃገር ክትህልዎ እዩ ነይሩ። እዚ ሃገር ብሓባር  ናይ ምህናጽ ዝነበረ ወርቃዊ ዕድል እዚ ግን ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ብሰንኪ ኣርሒቑ ክጥምት ብተፈጥሮኡ ዘይተዓደሎ ጸረ ህዝቢ ትምክሕታዊ ጨፍጫፊ ስርዓት ህግደፍ በርዒኑ ክተርፍ ኮይኑ እዩ። እዚ ገዛኢ ጉጅለ’ዚ ሕድሪ ስማእታት ዝጠለመ ኩኑን ስርዓት’ዚ  ብሰም  ስማእታት እንዳመሓለን እንዳጠሓለን ክሳብ ዕለት ውድቕቱ ብስሞም ከንግድን ንብዓት ሓርግጽ ከንብዕን ሕንኽ ዘይብል ናይ ማፍያ ስርዓት’ዩ።

እዚ ቀንጻሊ ግብረ ሽበራዊ ስርዓት’ዚ ኣብ ውሽጢ እዚ 21 ዓመታት እዚ ብሰንኪ ብውሽጥን ብደገን ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ፖሊስታቱ ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ናይ ምንቁልቋልን ምብትታንን ሓደጋ ገጢሙዋ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ሕቶ እዋናዊ ሕቶ ህዝብና ኮይኑ ንምድሓኖም ግዜ ዘይህብ ልዑል ጻዕርታት ይሓተና ምህላዉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ዘሎ። ስርዓት ህግደፍ ህዝብና ንምትላል ዝገብሮም መናፍሓትን ናይ ሓሶት መብጽዓታትን ድሕሪ ሓጺር ናይ ናጽነት ናይ ሕጽኖት መድረኽ ከም ሓሰር እናፈኾሰን እናጸንቀቐን ካብ ዝበዝሐ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ዞባናን ዓለምን ተነጺሉ ኣብ ወተሃደራውን ስለያውን ትካላትን ተንጠልጢሉ ተሪፉ ከም ዘሎ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ ዝብል ስርዓት ህግደፍ ከም ነፋሒቶ ሕብሩ እንዳቅያይረ ክሳብ ግብኣተ መሬቱ ዝኣክልን ኣብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ ዝድርብን በዚበለ በቲ ንእለታ’ውን እንተኾነ የጥቅምኒ’ዩ ዝብሎም መናፍሓት ካብ ምዝውታር ዝቅጠብ ሰርዓት ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ዝተርኣየ ክስተት ሓደ ምርኣያ ናይ.’ዚ ተርእዮ’ዚ ጽዑቅ መግለጺ’ዩ።

ደንበ ተቓውሞ እውን እንተኾነ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝኣረገ መናውራታት ብዕቱብ ክከታተሎን ከቃልዖን ደኣ እምበር ኣብ ድንግርግር ክኣቱ ኣይግባእን። ከም’ዚኣቶምን ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉ ክስተታትን ዋላ እውን ከም ሓቂ እንተዝገጥሙ ንመሰረታዊ ሕቶታት ህዝብና ናይ ሰላምን ደሞክራስን መሊኦም ፍታሕ ዘይህቡ፡ ብዝተፈላለዩ ናይ ጽገና ጭርሖታት ዘብለጭልጩ ብሓደ ወይ ካልእ መልክዕ ጭቖናታት ክቕጽሉ ዝግበሩ፡ ንደንበ ተቓውሞ መቓቒሎም ክብለጹ ዝደልዩ ክህልዉን ክመጹን ከም ዝኽእሉ ኩሎም ምናልባታት ኣብ ግም ብምእታው ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድን ሕብረ ሰላፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ኣብዚ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝገብሮም ተጋድሎታት ብሓደ ልሳንን ብሓደ ኢድን ኣብ ደሞክራስያዊ መትከላቱ ጸኒዑ ብሓባር ክገጥሞምን ብዝሓዞ ናይ ሃገራዊ ጉባኤ መርሆ ቃልሱ ክሕይልን ከቀላጥፍን እዩ ዝህልዎ ንብል። ከምዚ ክኸውን ስለ ዘለዎ ከኣ እዩ መላእ ተቓላሳይ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ሓፋሽ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ነዚ ኣጋጣሚ ናይ ናጽነት መዓልቲ እዚ ከብዕላ እንከሎ ሕድሪ ስወኣት ኣብ መዕርፎኡ ንምብጻሕ ደሞክራስያዊ ዕላማታቱ ንከዎዕት ዳግም ታሪኽ ክሰርሕ ምዃኑ መብጽዓ ዝኣትወላን መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ዝዋደቐላን ክብርቲ መዓልቲ ገይሩ እዩ ዘብዕላ።

ብርግጽ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ምስቲ ኩሉ ባዕላዊ ድኽመታቱን ወድዓዊ ጸገማቱን ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ብመንገዲ ሃገራዊ ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤን ኣቢሉ ንውሽጣዊ ሓድነቱ ንምርግጋጽን ንስርዓት ህግደፍ ንምውጋድን ዝሰፍሐ ዓቕምታቱ ኣብ ክሊ ሓደ ናይ ሓባር ጽላል ሰፊሕ ግንባር ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተጠርኒፉ ክቃለስ ምብጋሱ ሓደ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት እዩ። ይኹን ደኣ እምበር እዚ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ዕወት ፍጻሜ እዚ ብመንጸር እቲ ሎሚ ጭቡጥ ወድዓዊ ኩነታት ናይ ሃገርና ናይ ምንቁልቋልን ምብትታንን ዝተደቀነ ሓደጋ ክረአ እንከሎ ደንበ ተቓዎሞ ኤርትራ ነዚ ሓደጋ እዚ ንምዕጻፍን ንምስጋርን ነቲ ኩነታት ናብ ረብሓ ደሞክራስያዊ ተጋድሎና ንምውዓልን ቅልጡፍን ተዓጻጻፊን ጻዕርታት ይሓተና ምህላዉ ዘይክሓድ ሓቂ እዩ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ሓዲሽ ዝሰፍሐ ጽላል ደንበ ተቓውሞ መጠን በብግዜኡ ትካላዊ ኣሰራራሓታቱ እናወደበን እናጽፈፈን ብኡ መጠን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ መዳያት ንጥፈታቱ እናሰላሰለ ዝተባባዕ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ግን በቶም ዘቖሞም ናይ ኣፈጻጽማ ትካላት ጥራሕ ክዕመም ከም ዘለዎ ገይርካ ዝውሰድ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ መላእ ዓቕሚ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ተሓቒፉ ዘሎ ሓይልን ተሳትፎ ናይ ህዝብን እዩ ክዉን ዝኸውን። ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ከም ተረካቢ ናይ ሕሉፍ ቃልስን ወለዶን መጠን እቲ ጀሚሩዎ ዘሎ ንጥፈታት ዝተባባዕ ይኹን ደኣ እምበር ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ህዝብና ደሞክራስያዊ ተጋድሎ መሊኡ ብወሳንነት ክሳተፍ ዓቢ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝጽበዮ ንሱ ስለ ዝኾነ ካብ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን ሕጂ ኣብ ከባቢና ተኸሲቶም ዘለዉ ህዝባዊ ናዕብታትን እኹል ተመኩሮ ቀሲሙ ሓኒኑ ክቃለስ እዩ ዘለዎ። ስደት ግዝያዊ ፍታሕ ደኣ እምበር ዘላቒ ፍታሕ ከም ዘይኮነ መንእሰይ ፍሊጡ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ዓንዲ ሕቖን መሪሕን ኮይኑ ዕዙዝ ተርኡ ክጻወት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ጸዋዒት የቕርብ። ካልእ እውን መሰረታዊ ረብሕኡ ምስ ጨፍጫፊ ጸረ ህዝቢ ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይኮነ ጭቁን ኣባል ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ተገዲዱ ተዓስኪሩዎ ዘሎን ንዘለኣለም ብከንቱ ነቲ ስርዓት ዘገልግልን ሕጂ ይኣክል ኢሉ ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝብና ጠጠው ኢሉ ክቃለስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ጸዋዒቱ የቕርብ። ካልእ እውን ኣብዚ ህሞት እዚ ስደት ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ኣብ ዘለወሉ ወቕቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ንዝገጥሞ ሽግራትን ሓደጋታትን ፈታዊ ሰላም ዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ልዑል ቆላሕታ ክገብረሎምን ክተሓጋገዞምን በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንጽውዕ።

ኣብ መደምደምታ በዚ ኣጋጣሚ ናይ  ናጽነት መዓልቲ እዚ ብሓፈሻ ንመላእ ፈታዊ ሰላምን ደሞክራስን ሕብረተ-ሰብ ዓለም ንሕጋውን ፍትሓውን ሕቶ ህዝብና ደገፎም ከህቡን ከትሓባብሩን እንዳጸዋዕና ብፍላይ ከኣ፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝብና ንምዕዋት ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ክገብርዎ ንዝጸንሑን ዘለዉን ምድግጋፍ ልዑል ምስጋናና ነቕርበሎም።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ!

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስወኣትና!

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

24 ግንቦት 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,908,381 وقت التحميل: 0.24 ثانية