Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
 ደምዳሚ መግለጺ ሻሙናይ ስሩዕ ኣኼ&#47
أخبار

 DEMOCRATI FRON FOR ERITREAN UNITY.jpg

 ደምዳሚ መግለጺ ሻሙናይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

ደግሓኤ

ፈጻሚ ኣካል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ደግሓኤ ካብ ዕለት 1-5 ሰነ 2012 ኣብ ዘሎ ግዚያት ሻሙናይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ኣሰላስሉ። ፈጻሚ ኣካል ኣብ'ዚ ኣኼብ'ዚ ንህልዊ ዓለማዊ፡ ከባቢያውን ሃገራውን ውድባውን ኩነታት ብዕምቆት ገምጊሙ ኣገደስቲ ዉሳነታት ኣማሓላሊፉ።

ውጽዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ፈጻሚ ኣካል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ደግሓኤ ኣብዚ ኣኼብኡ'ዚ  ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣመልኪቱ ኣብ ዝተማያየጠሉ፡ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ እቲ ብውሽጥን ብደገን ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ፖሊስታቱ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ለኪሙ ክዓርብ ንግባአተ መሬቱ ዝሳሓግ ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ተመልከተ። ሰርዓት ህግደፍ ከምዚ ይኹን ደኣምበር ንውሽጣዊ ቅልዉላዋቱ ንግዳም ከመሳምስን ቆላሕታ ህዝቢ ንደገ ክጥምዝዝን ካብቲ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ኩናት ዘባራዓሉ ወቅቲ ኣትሕዙ ክሳብ ሕጂ ምትንዃላቱን ግብረሽበራዊ ስርሓቱን ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ መንገዲ ናብ ዘይእዉጅ ኩናት ዘምርሕ ረጽምታት ከኣቱን ድሒሩ ዓጸፋዊ ግብረመልሲ ክገጥሞ ከም ዝጸንሐን ከም ዘሎን ብዕምቆት መዚኑ።እዚ ሕጂ ተኸስቱ ዘሎ ናይ ኩናት ረጽምታት ከኣ ጽዑቕ መግለጺ ናይ'ዚ ተርእዮ እዚ እዩ።እዚ ናይ ምትንዃል ግብረ-ሽበራዊ ኣዕናዊ ፖሊስታቱ ውጺኢት ከኣ'ዩ እናሻዕ ንልዑላውነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንሓደጋ ዘሳጥሕ፡ ንጎራባብቲ ህዝብታትን ስርዓታቶምን ሰላምን ምርግጋእን ዘስእን ሸርሕታት ክፍጽም ዝጸንሐን ዘሎን። ሕብረተሰብ ዓለም ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ብባይቶ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣቢሉ እዚ ግብረሽበራዊ ስርዓት እዚ ኣብ'ዚ ዞባ እዚ ኣብ ዝተወሰኑ ሃገራት ጅቡቲን ሶማልን ዝገበሮም ኣዕናዊ ፖሊስታቱ ማእከል ገይሩ ዝተወሰነሉ ማዕቀብ ኣብ ተግባር ዘይተራጋገጸ ይኹን ደኣምብር እዚ ተሪሩ ክትግበርን ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ግብረ ሽበራዊ ስርሓት ልዑል ትኹረት ሒዙ ክኸይድን እቲ እገዳ ክሕይልን ፈጻሚ ኣካል ደግሓኤ ኣብዚ ኣኼብኡ እዚ ዳግም ንሕብረተሰብ ዓለም ጸዊዑ።

ስርዓት ህግደፍ ከይተወገደ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ናይ ሃገርናን ዞባናን ክረጋገጽ ዘይክእል ምዃኑ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ ይኹን ደኣምበር፡ እቲ ስርዓት ህግደፍ ብዶብ እንዳኣማሰማሰ ንመላእ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ዘዝኣጎዶ ሓዊ ክጠብሶን ብናይ ሓሶት መናፍሓት ብኩናትን ወረ ኩናትን ንዘላኣለም ጅሆ ክሕዞን ገይርዎ ዝጸንሐን ዘሎን ሸርሕታት ኣብ ምቅላዕ ሓጋዚ ተራ ክጻወት ዝኽእል እቲ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ብይን ዝተዋህቦ ናይ ዶብ ውሳኔ ተግባራዊ ዝኾነሉን ብሰላማዊ መንገዲ ናይ መጨረሽታ መዕለቢ ዝግበረሉ ክረጋገጽ ማሕበረሰብ ዓለም ሕጂ እውን ልዑል ቆላሕታ ክገብረሉ     ፈጻሚ ኣካል ደግሓኤ ጸዊዑ።

ፈጻሚ ኣካል ኣብዚ ኣኼብኡ'ዚ ንከባብያዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ ብቐዳምነት ስርዓት ህግደፍ ነዚ ዞባ እዚ ክሕምስ ብቐጥታን ብተዛዋዋርን መንገዲ ዝዋፈረሎም ከባቢታት ብዕምቆት ተመልኪቱ።ጎራባብትና ኣብ ዝኾና ሃገራት ሱዳን፡ የመን፡ ሶማል ዝጸንሑን ዘለውን ዘይርጉእ ውሽጣዊ ኩነታትን ግዳማዊ ጸገማትን ካብ ብጊሓቱ ናይ ስርዓት ህግደፍ ሸርሕታት' ውን ዘይተፈልዮ ኣብ ገሊኤን ሃገራት እውን ግብረሽበራዊ ስርሓት ተኣታትይዎ በብግዝኡ ዝተፈላለዩ መልካዓት እናሓዙ ክኽዱ ዝጸንሑን ዘለውን ውግኣት ሳዕቤናቶም ነዘን ሃገራት እዚኣተን ጥራሕ ዘይኮነስ ንህዝብታት ናይ'ዚ ዞባ እውን ዘውረዶ ጉድኣት ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ብጠቕላላ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሸፊኑ ግብጽን፡ ኡጋንዳን፡ ኬኒያን ወዘተ... ሓዊሱ ኣገዳሲ ኣህጉራዊ መሳጋገሪ ዝኾነ ወሽመጥ ባብኤል-መንደብን ህንዳዊ ውቂያኖስን ዝበጽሕ ኣህጉራውን ዓለማውን ኩነታት ዝትንክፍ ሓደገኛ ክስተት ምዃኑ ፈጻሚ ኣካል ብጽሞና ተመልኪቱ።ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ  ኣብ መንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ተፈጢሩ ዝነበረ ሰላምን ምርግጋእን ዝትንክፍ ድሕሩ ኣብ መንጎ  ክልትኡ ሃገራት ዝተኻየደ ጽዕጹዕ ኩናትን ሳዕቤናቱን እውን ኣቃልልካ ዘይረአ ኮይኑ፡ ነዚ ጸገም'ዚ ክልትኦም መንግስታት ብዘላቕነት ባዕሎም ብሰላም ክፈትሕዎ፡ ኣህጉራዊ ሕብረተ-ሰብ ልዑል ደገፍ ክገብረሎም ደግሓኤ ተማሕጺኑ።

ጀጋኑ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ፈጻሚ ኣካል ደግሓኤ ንጭቡጥ ህልዊ ኩነታት ህዝብን ስርዓት ህግደፍን ከባቢናን ዓለምን ንደሞክራስያዊ ተጋድሎና ዘለዎ ትርጉምን ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋም ንኩነታት ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ካኣ ኤዲኪን ኢርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ኣመልኪቱ ብዕምቆት መዚኑ።ኤዲኪ ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላን ሃ/ጉባኤን ዝነበሮ ተራ ከም ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ምትእስሳር መጠን ኣቃሊልካ ዘይረአ ኮይኑ፡ ከመይ ምስቲ ዝተመሰረተ ሓድሽ ጽላል ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ. ዕማማቱ ኣጣዓዒሙን ኣዋዲዱን ይሰርሕ ኣብ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማ/መ/ ኤዲኪ ብመርሆን ተግባርን ዘነጸሮም ኣብ ምሕያል ደንበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ካኣ ኣብ ምሕያል ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለውጢ ኣገዳሲ እምነ-ኩርናዕ ምዃኖም ኣባላት ውድባት ኤዲኪ ኣብ ምዕዋት ዝተጻዋቱዎ ተራ ኣመጉሱ። ኤድኪ ነዞም መደባት እዚኣቶም ተግባራዊ ኣብ ምግባር ብጽንዓትን ተወፋይነትን ብዘይ ዋዓል ሕደርን ክራባረብ ከም ዘለዎ ብምዝኽኻር፡ ደግሓኤ ከም ወትሩ ነዞም  ብመርሆን ተግባርን ተታሒዞም ዘለዉ ቅኑዓት መደባት ኣብ ምትግባር እጃሙ ክጻወት ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ የረጋግጽ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ዝሰፍሐ ናይ ብዙሓት ተዋሳእቲ ዓቕምታት ልፍንቲ ሽርክነታዊ ግንባር መጠን ዝሰፍሐ ሃገራዊ ዕማም ኣብ ምዕዋት ዘለዎ ወሳኒ ተራ ብምግንዛብ ብዘይ ተሳትፎ ናይ ኩሎም ኣብኡ ተሓቁፎም ዘለው ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን ሰፊሕ ተሳትፎ ናይ ህዝብን ክዕወት ስለ ዘይክእል ኩሉ ዓቕምታት ተቓላሳይ ሕብረተሰብና ብቐዳምነት ነዚ ግንባር'ዚ ንምዕዋት ክራባረብ ይህልዎ። ኤሃባደለ ከም ሓድሽ ዝሰፍሐ ጽላል ደምበ ተቓውሞ መጠን በብግዚኡ ትካላዊ ኣሰራርሓታቱ እናወደበን ካብ ተመኩሮ እናኣማዓራረየን ክጓዓዝ ዝገበሮም ጻዕርታት ዝተባብዑ ይኹኑ ደኣምበር ዝተሃንጸ ድልዱል ውደባ ኣብ ምርግጋጽን ሓያል ወቓዒ ሓይሊ ኮይኑ ክወጽእን ብጽንዓትን ተወፋይነትን ኩሉ ፈታዊ ሰላምን ደሞክራስን ዝኾነ ሓይሊ እጃሙ ክጻወት የድሊ። ደግሓኤ ብቐዳምነት ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣብ ዝግበር ምርብራብ እጃም ናይዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር እዚ ወሳኒ ምዃኑ ብምግንዛብ ብዓቕሙ ከም ወትሩ ነዚ ንምዕዋት ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ቃልሲ ከረጋግጽ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክገልጽ ይፎቱ።

ኣብዚ ህሞት'ዚ ብርክት ዝበለ መንእሰይ ወለዶ ካብቲ ዝጸንሐ ዘይርጉእ ኩነታትን ተሓጺሩ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ተሳትፍኡን ናብ መድረኽ  እናወጸ ናብ ዝሐሸ ናይ ቃልሲ ተሳትፎ ደረጃ እና ተሳጋገረ ዝኸዶም ዘሎ ተጋድሎታት ብጣዕሚ ዘታባብዑ ኮይኖም ብዞባውን ዓለምለኻውን ደረጃ  ናብ ሓደ ዝተወደበ  ዓቕሚ ክጥርነፉ ዝገብሮም ዘሎ ጻዕርታት ኣመጉሱ'

  ብመኽንያት 24 ግንቦት ናይ ነጻነት መዓልቲ ኣብ ዝተፋላለየ ክርናዓት ዓለም ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ኢድንኢድ ተታሓሒዙ ንስርዓት ህግደፍ ንምምካት ዘካየዶም ዕውታት ሰላማዊ ሰልፍታት ደግሓኤ ናእድኡ ገሊጹ።እዚ መንእሰይ ወለዶ እዚ ኣብ ክሊ ሰፊሕ ናይ ሓባር ሃገራዊ ተጋድሎ ዝገብሮም ኣስተዋጽኦታት ከይተሓጽረ ሓድነት ካብ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባታት ወጻኢ ብቅኑዕን ዘላቅን ኣንፈቱ ከረጋግጽ ስለ ዘይክእል ካብ ትምክሕታውን ጸቢብን ድሑራት ኣተሓሳስባታት ዝተጋለገለ መንእሰይ ወለዶ ክኸውን ስለ ዝግባእን ወሳኒ ናይ ምምራሕ ተርኡ ክጻወትን ልዑል ሃገራዊ እጃሙ ከብርክትን ነዚ ክበቅዕ ብቐጻሊ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ክብ ከብል ንህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባታቱ ከዕብን ክራባረብ ይህልዎ ንብል።

ምዑታት ተቓለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተጋድሎ ብዝተፋላለየ መልክዕ ውዳቤታት ዓቕምታተን እናጠርነፋ ንበይነን፡ ምስ ኣሕዋተን መንእሰያትን ሓረብኛታት ገዳይም ተቓለስትን ኮይነን ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታትን ኣብ ዝተፋላልየ መዳያት ናይ ቃልስን ዝጻወትኦ ዘልዋ ዕዙዝ ግደ 'ውን ፈጻሚ ኣካል ኣመጉሱን ንካልኦት ኣሓተን ደቂ ኣንስትዮ ኣሰረን ክስዕባ እውን ኣተባቢዑ።

ብስንኪ ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብኹሉ ማእዝናት ሃገርና ካብ ክልተ ሽሕ ዘይወሕድ ኤርትራዊ ካብ ሃገር ከበድቲ ናይ ሞትን ህይወትን ሓደጋታት ጥሒሱ ናብ ፈቐዶ ሃገራት ዝስደድ ዘሎን ዝገጥሞ ኣሰቃቂ ኢሰብኣዊ ተግባራት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ጊዜ'ዚ እቲ ኣብ የመን፡ ኣብ ቤት መእሰርትታት ንነዊሕ እዋን ዝተዳጉኑን ናይ ተላገብቲ ሕማማት ግዳያት ክኾኑ ዝጸንሑን ዘለውን ኣብ ዘተፋላለዩ ገለ ገለ ሃገራት ብወግዕን ብዘይወግዓውን ኣገባብ ናብ በላዕ ሰብ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ክጥርዝዎም ንዝዋጣወጡ ዘለው ስርዓታት ኣህጉራዊ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ልዑል ቆላሕታ ክገብረሎም ፈጻሚ ኣካል ደግሓኤ ምሕጽንትኡ ኣቅሪቡ። 

ውጽዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ፈጻሚ ኣካል ደግሓኤ ኣብዚ ኣኼብኡ እዚ ንህልዊ ውድባዊ ኩነታትና ኣመልኪቱ ብዕምቆት ገምጊሙ። ዘለዎ ሓያልን ድኹምን ጎኒታትን ናይ ዝተሰላሰለ ስራሓት ብምምዛን፡ ንሓያል ጎኒታት ብምዕቃብን ብምምዕባልን ንድኹም ጎኒታት ብምእራምን መጻኢ መድረኻዊ መደባት ስኢሉን ንዕኡ ንምትግባር ዘድሊ ዓቕሚ ሓይሊ ሰቡን ወድቡን።ኣባል ውድብና ብሓፈሻ ንዕማማት ውድብን ኣብ ኩሉ ናይ ሓባር ሃገራዊ ግንባራትና ኤድኪን ሃ.ባ.ደ. ለውጥን ዘለው መደባትን ንምዕዋት ከይተሓለለ ዝገበሮም ጻዕርታትን፡ ውድብ ብቁጠባ ነብሱ ንክኽእል ዝገበሮም ኣስተዋጽኦታት ብዝተፋላለዩ ተብግሶታት ማሕበራዊ ጸገማት ስደተኛ ህዝብና ንምፍታሕ ዝገብሮ ጻዕርታትን ኣሞጊሱ።

ጀጋኑ ዕጡቓት ናይ ፕሮፖጋንዳን ውደባን ኣሃዱታትና ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮም ሸርሕታት እናመከቱ ህዝባዊ ዕላማታት ተጋድሎና ንምዕዋት ክገብርዎ ዝጸንሑን ዘለውን ምርብራብ ፈጻሚ ኣካል ደግሓኤ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣመጉሱ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ህሞት እዚ ኣብ'ቲ ጽንኩር ቦታ ናይ ሃገርና  ንዝኽሪ መበል 21 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ምስ ውጹዕ ህዝብና ኮይኖም ብጉጅለ ባህሊ ስኒት ዝተሰነየ ድሙቕ ባህላዊ ምርኢትን ደቂ ኣንስትዮ  ዘማዕረጎኦ ሰላማዊ ሰልፍን ዘብዓልዎ ታሪኻዊ ዝኽሪ 24 ግንቦት ምስ'ቲ ኣብ ዝተፋላለየ ክፍላተ ዓለም ዝተኻየደ ናይ መንእሰያት ተበግሶን ብደረጃ'ቲ ደለይቲ ለውጥ ዓቕምታት ዝተራጋገጹ ሰላማዊ ሰልፍታት ብሓደ ህሞት ኣብ ቅድመ ግንባር እውን ብተመሳሳሊ ብሰላማዊ ሰልፊ ዝተጸንበለ በዓል  ክባዓል ምግባሩ ፈጻሚ ኣካል ኣድናቖቱ ገሊጹ።           

ዓወት፡ ንደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝብና!

ውድቀት ንጸረ ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!

ፈጻሚ ኣካል

ደግሓኤ

5 ሰነ 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,302,110 وقت التحميل: 0.05 ثانية