رحل المناضل طادوة شوم عمر
--------------
توفي المناضل طادوة شوم عمر
صباح أمس الثلاثاء 19 يونيو 2012م في مدينة عدقيح ضواحي مسقط رأسه قوحيتو عن عمر يناهز الستين عاما بعد معانات طويلة
بمرض أصيب به بعد دخوله إلى ارتريا مباشرتا بعد التحرير.
وهو من الرعيل الأول للثورة
الارترية التحق بالميدان سنة 1964 وناضل في المنطقة الثالثة إبان المناطق وهو من الطلائع الأولي التي دخلت المنطقة
سنة 1966 وكان مناضلا صامدا وقائدا جسورا تشهد له كل الساحات الارترية وعمل في الثمانينات في جهاز التسليح لجبهة
التحرير .وتحمل وأنجز الكثير بقوة صموده واستعداده للتضحية .
وهو أيضا من رحم عائلة وطنية
مناضلة وأخ اكبر للشهيد المشهور اسما عيل بور سودان ألذي استشهد في هجوم لمدينة صنعفي في سنة 1977م وأخ
للآخرين اللذين كانت لهم بصمات واضحة في خضم المسيرة التحررية .
الفقيد رزق بخمسة من الأبناء
اثنين بنات وثلاثة ذكور رحمه الله واسكنه فسيح جناته والهم ذويه وزملائه الصبر والسلوان إنا لله وإنا إليه راجعون.
|
المناضل طادوة شوم عمر
ተጋዳላይ ጻዱዋ ሹም ዑመር
سيظل اسمك مكتوبا في ذاكرة الشعب الارتري مثل كل شهداء التحرير اللذين سطروا أسمائهم بدمائهم
الطاهرة .
ሽምካ
ከምቶም ብንጹህ
ደሞም ኣስማቶም
ኣብ ሓንጎል
ህዝቢ ኤርትራ
ዝሰረጹ ናይ
ሓርነት ስዉኣት
ንዘለዓለም ተሰርጹ
ክነብር እዩ።
-------
ናይ ቃልሲ
ብጾትካ
رفاقك في النضال
|
ተጋዳላይ
ጻዱዋ ዑመር ዓሪፉ
----------
ተጋዳላይ ጻዱዋ ሹም ዑመር ትማሊ ንጎሆ ዕለት 19 ግንቦት 2012 ኣብቲ ዝተወልደሉ ከባቢ ቆሓይቶ እትርከብ ከተማ ዓድቀይሕ ዓሪፉ ዕድሜኡ ኣብ ስሳ ዝረገጸ ክይኑ ኤርትራ
ነጻ ድሕሪ ምውጻኣ ብቀጥታ ምስ ኣተወ ብዝሓዞ ሃንደበታዊ ሕማም ነዊሕ ክሳቀ ድሕሪ ምጽናሑ ዓሪፉ።ጻዱዋ ሓደ ካብቶም ብ1964 ዓ.ም.ዝተሰለፉ ቀዳሞት ነባራት ተጋደልቲ እዩ። ብግዜ
ክፍሊታት ኣባል ሳልሰይቲ ክፍሊ ኮይኑ ምስቶም ፈለማ ኣብ ሳልሰይቲ ክፍሊ ብ1966 ዝኣተዉ መሪሕ ሓይልታት ዝነበረ ኩሉ ናይ ቃልሲ ሜዳታት መሬት ኤርትራ ዝምስክረሉ ጽኑዕ ተጋዳላይን
መራሕን ነሩ።ብሰማንያታት ኣብ ክፍሊ ብረት ተ.ሓ.ኤ ተመድቡ ሳላ ጽንዓቱን ንመስዋእቲ ቁሩብነቱን ብዙሕ ነገራት ዝፈጸመን ዝጾረን ተጋዳላይ እዩ ።
ብተወሳኺ ጻዱዋ ካብ ማህጸን ሃገራዊት ኤርትራዊት ስድራዝተወልደ ኮይኑ ነቲ ውሩይ ኣብ መጥቃዕቲ ከተማ ሰንዓፈ ብ1977 ዝተሰወኤ ተጋዳላይ ኢስማዒል ፖርሱዳን ምዕባዩ እዩ
።ከምኡ እውን ሓዎም ነቶም ኣብ መዋእል ሓርነታዊ ቃልሲ ልሉይ ኣበርክቶ ዝነበሮም ስድራ እዩ ።
ተጋዳላይ ጻዱዋ ሓሙሽተ ቆልዑ ወሊዱ ፡ ክልተ ኣዋልድን ሰለስተ ኣወዳትን ።
ረቢ ንጀና ይበሎ ፡ ንስድራ ቤቱን ኩሎም ብጾቱን ድማ ጽንዓት ይሃብ ።
|