Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
10/10/1445 (18 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት፡ አብ ለንደ&#
أخبار

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት አብ ለንደን ብልዑል ወኒ ተዘኪሩ

EYSC-UK June 012.jpg

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡20 ሰነ መላገጺ ህግደፍ ኣይኮነን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣባላት ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ (EYSC) ኣብ ዝርከቡለን ሃገራት ብልዑል ሓበን ተዘኪራ።

ኣብ’ቲ ብደረጃ ሃገር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝተገብረ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት፡ ኣባላት ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ (EYSC-UK) ምስ ካልኦት መንእሰያት ብሓባር (jointly) ዝወደብዎ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ገዳይም ተቓለስቲ፡ ጋዜጠኛታትን ደቂ- ኣንስትዮ፡ ብልዑል ዝቚጸር ህዝብን መንእሰያትን ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ሰዓታትት ድሕሪ ቀትሪ ዝተፈላለዩ ነቲ ዕለት ዘንጸባርቕ መደባት ኣካዪዶም።

እቶም መንእሰያት ነቲ ድሮ ብቀዳም 16 ሰነ ዝጀመርዎ፡ ናጽነት ሃገር ንምምጻእን ልኡላውነት ሃገር ንምውሓስን ንዝተበጀዉ ሰማእታትን ብኣረሜናዊ ሓለንጊ ግፍዒ ዲክታተር ኢሳይያስን ስርዓት ህግደፍን ንዝቕዘፉ ዘለዉ ናይ ሕልና እሱራትን ንሞት ዝቃልዑ ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ፍቐዶ ሃገራትን ኣብ ከም ሲናይን በረኻታት ሰሃራን ኤርትራውያን ሰማእታትን ናይ ምዝካር ረዚን ውራይ ህዝብና ዳግማይ፡ ሳልሳይ፡ ራብዓይ ክነብዕ የብሉን! ሕድሪ ሰማእታትና-ንሓርነት ህዝብና! እናበሉ ብቀዳም 23 ሰነ እውን ብዝደመቐ መልክዑ ቀጺለሞ ውዒሎም።

ኣብቲ ኣብ ሃይድ ፓርክ-ለንደን ዝተኻየደ መደብ፡ ነቲ ዕለት ዝምልከት ኣብ መእተዊ ስሩዕ መደባት ናይቲ መዓልቲ ዘላሊ ሓበሬታ ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ቀሪቡ። ቀጺሉ ቃል ኣዳላዊት ሽማግለ መንእሰያትን ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን (EYSC-UK) ተነቢቡ። ንሳቶም ብሓባር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል “ ነቶም መተካእታ ዘይብላ ክብርቲ ህይወቶም ምእንቲ ናጽነት ሃገርን ሓርነት ህዝብን ዝኸፈሉ ሓርበኛታት፡ ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ይኹኖም! ድሕሪ ምባሎም፣ ቀጺሎም ነታ ሕሉፍን መጻኢን ኣቀራሪባ ህሉው ሓላፍነትና እተዘኻኽር መዓልቲ ሓላፍነት፣ ስርዓት ህግደፍ ሕድሪን ባህግታትን ሰማእታትና ጠሊሙን ረጊጹን ከይኣክል ነታ ዕለት እውን ጨውዩ ናቱ ከይገብራ ኣለና! ብምባል ቃልና ዳግማይ ነሐድስ ኢሎም። ኣብ መዛዘሚ ቃሎም ከኣ “ዝኽሪ ብዘይ ግብሪ ቀብሪ ኢዩ!” ብምባል ቃል ስ.ኤ.መ.ለ. (EYSC-UK) ተዓጽዩ። ኣስዒቡ ገዲም ስነ ጥበባውን ተቓላሳይን ሑሴን መሓመድ ዓሊ ነቲ ዕለት ዘንጸባርቕ ዓሚቕ ዝኽርን ስምዒትን ትሕዝቶ ዘለዎ ረዚን ሃገራዊ ቃል ድሕሪ ምስምዑ ንታሪኽ፡ ጅግንነትን ሕድሪ ሰማእታትን ዝገልጽ ዝተፈላለየ ጣዕመ ዜማታትን፣ ግጥምታትን ቀሪቡ።

ሓው ተቓላሳይ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ኢያሱ (ድምጺ ኣሰና) ብቲ ዕለት ተረኺቡ ንታ፡ ስዉእ ተገሪሙ! ንምሉእ ትሕዝቶ እቲ ግጥሚ ኣብ’ዚ ታሕቲ ጠውቑ http://assenna.com/%e1%8a%a5%e1%8a%95%e1%89%b3%e1%8d%a1-%e1%88%b5%e1%8b%89%e1%8a%a5-%e1%89%b0%e1%8c%88%e1%88%aa%e1%88%99/

መልእኽታ ሰማእታትና ብግብሪ ይዘከሩ! ዝብል ኮይኑ፣ ብፍላይ ድማ ነቶም ሕድሪ ሰማእታት ዝረገጹ ኣምሰሉታት ምስ ህግደፍ ዝደናገጹን ኣብ ስቕታን ክሕደትን ዝነብሩ ብመንጽር ዘሎ ህሉው ኩነታት ህዝብና ኣብ ሃገርናን ከም እውን ኣብ በረኻታት ሲናይ ንዜጋታት ዘጓንፍ ዘሎ ዓመጽን ሞትን ብምኽሓዶም እናገሰጸትን እናኾነነትን እንተኾነ ግን ዳግም መንፈሶም ኣሐዲሶም ሕልና ገይሮም ሓላፍነት ክወስዱ እትጽውዕ ኢያ።

ብድሕሪ እዚ ንታሪኽ፡ ጅግንነትን ሕድሪ ሰማእታትን ዝገልጽ ናይ ዝኽሪ ደርፍታት እናሰምዑ ሽምዓ ብምብራህ፡ ብጸሎተ ፍትሓትን ዱዓን ብምክያድን ካልእን ንጥፈታት ብምስልሳልን “ ኣብ መስመርና ኣለና- ቅሰኑ ሰማእታትና!” ዝመልእኽቱ ሕድሪ ናይ ምፍጻም መብጽዓኦም ኣረጋጊጾም።

ቅድሚ እቲ መደብ ብዝኽረ ሰማእታት ምዝዛሙ ብተጋዳላይ ሃይለ ወልዱ “ኣደ” ትብል ግጥሚ ምቕራባ፣ ንዕኣ ተኸቲላ ድማ ብመንእሰይ ተስፉ ካልእ ግጥሚ ተነቢባ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ሓብቲ ሰላም ኪዳነ ንዝኽሪ እቲ ዕለት ዝምልከት ግጥሚ ብቋንቋ እንግሊዝ ኣቕሪባ። ብድሕሪ እዚ እቲ መደብ ብዝኽረ ሰማእታት ተዛዚሙ።

ሕድሪ ሰማእታትና-ንሓርነት ህዝብና!

ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ (EYSC-UK)

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ!

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,269,588 وقت التحميل: 0.22 ثانية