ሳልሳይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ
ስክርታርያኡ ብምምራጽ ስርሓት ጅሚሩ፡
ካብ ኣድራሽ ስቲት - ሑመራ፡
ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ዝቅረብ ሓሳብ ስከርታርያ ጉባኤ ካብ
11 ሰብን 2ተ ደቂ ኣንስተዩ ዝርክቡዎምን ድሕሪ ምጽዳቅን ምምራጽን ብዕለት 02/07/2012 ስርሓቱ ብውግዒ ጅሚሩ።
በዚ መስረት ኣባላት ስክርታርያ ሓደ ኣኼባ ብምክያድ
ንብጻይ/ ኪሊፍ ሓማድ ኣቦ መንብር ብምምራጽ ኣባልታ ኣብ ኣርባዕቲኡ ሽማግለታት ዕዩ ብምክፊፋል ኣኼባታት ዝምርሓሉ ምምርሕን ስለደ ጊዜ ስርሓት ማለት ናይ ንግሆን ቅትርን ለይትን ብምስራዕ
ኣባልነት ጉባኤን ምልእተ ቁጽሪን ድሕሪ ምርግጋጽ ጉባኤ ስራሓቱ ኣብ መጀማር ኣቲዩ።
ብምቅጻል ቅድም ኢሉ ንክትዕ ናብ ጨናፍር ቅሪቡ ዘንበረ
ነድፊ ሰንድ ሕጊ ህንጻ ንኣባላት ጉባኤ ብምዕዳል ካብ ንግሆ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዝውስደ ዓሚቕን ሃናጽን ምምይያጥን ክተዓትን እርማት ድሕሪ ምግባሮም ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቁዎ።
ኣሳናዳኢት ሽማግለ ኣቦ መንበር ውኽካ ካብ ዞም ዝስዕቡ
ሰባት ይቋመ፡-
መሓመድ ኣሕምድ ሑሴንን መሓመድ ዮሲፍ ውይሪሕን ምክተላት
ኣቦ መንበር፡ ኣሚር መሓመድ ኑርንን ጻብራ እስማዒልን ጽሓፍቲ ብቋንቋ ዓረብኛ፡ ሓሰን መሓመድ እድሪስን ተኽሊያ ተደሰን ጽሓፍቲ ብቋንቋ ትግርኛ፡ እስማዒል ስዒድ ሓድጋይን ዓውድያ ዓሊ ኣብ
ዜና፡ ሓሚድ ሳሊሕ እድሪስ ኣብ ኣግልግሎት፡ መሓሙድ ዓብድላ ኣብ ውደባ'ዩም።
ጉባኤ ኣብ መሰልሳል ስርሓት ካልኣይ መዓልቲ እናህልወ
ካብ ተጋ/ ኣሕምድ ኢብራሂም (ስክረተይር) ኣቦ መንብር ማእከላይ ሽማግለ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ስልኪ ዮሃና ብምምሕላፍ ጉባኤ ብዓወት ክዛዝምን ኣገዳስቲ ወሳኒታት
ብምጨባጥ ፈ.ደ.ም.ኤ ኣብ ዝክያድ ዘሎ መድረኻዊ ቃልሲ ልዑል ተራኡ ክርጋግጽ ትምኒቱ ግሊጹ። በተውሳኺ ጉባኤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲኡ ንንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዩ ክምያይጥ'ዩ።
ሸማግለ ዜና ሰከርታርያ
3ይ ጉባኤ ፈደራልዊ ደሞክራስያ ምንቅስቓስ ኤርትራ