Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 52 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ምክልኻል ሓይልታት

እለይዎም ነዞም ከዳዓት

No Pfd July 012.jpg

መጸዋዕታ ንምክልኻል ሓይሊታት

ካብ ደላይ ፍትሒ ኤረትራዊ ወደባት

ስመሩ ምስ ተቃወምቲ ውድባት

ብረትኩም ኣቅንዕዎ ጸረ ፋሽሽታዊ ስርዓት…

ምክልኻል ሓይልታት እንታይ ትጽበዩ

ክሳብ ማዓስ ብጃንዳ ህግደፍ ክትበኽዩ

ገመል እኳ ዘለልዮ ንኣባዩ

ካብ ብዙሓት የውጽኦ ፈልዩ…

ምክልኻል ሓይልታት ህዝቢ ኣድሕኑ

ንለውጢ ክትለዓሉ ሕጂዩ እዋኑ

ክሳብ ማዓስ ርእስኹም ተድንኑ

ጭፍራ ህግደፍ ሓይሊ ዮም ዝኣምኑ…

ምክልኻል ሓይልታት ኣተግብሩ ቲ ሕድሪ

ብህግደፍ ጸልሚቱ ቀትሪ ኮሎ ቲ ምድሪ

ኣብርኽዎ ንኢሰያስ እከይ ግብሪ

ሰማእታትና ክረኽቡ ንቡር ቀብሪ

መቓብሮም ክነኽብቦ ብዕንበባ ፍዮሪ…

ምክልኻል ሓይልታት ተቀበሉ መጻዋዕታ

ሃገር ምለስዋ ናብ ዋናታታ

ወላዲት ቶም ጀጋኑ ስምዕዎ ኣውያታ

ንፋሽሽታዊ ስርዓት እለይዎ ክሕበስ ንብዓታ…

(ምክልኻል ሓይልታት)

ክሳብ ማዓስ ክትታለሉ

ብጾትኩም ኮብሊሎም እንዳ ተባህሉ

ክርሸኑ ክምቁሑ ክቅተሉ

ክሳብ ማዓስ ትም ትብሉ

ካብ ሱሩ ዘይትምሕውዎ ንስርዓት ተዃሉ…

ኣይቀሰንኩን ገና

ክሳብ ዝቕንጠጥ ኣብ ሃገርና

ኣንጠልጢሉ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ደበና

ተቀንጢጡ ክሳብ  ማይ ዝሃርሞ ዓድና…

ላንጋንጋ ሞተ

ንፍትሒ ዝቃለስ ኩሉ ሳዕ ምስ ተዓወተ

ተባጊስና ኣሎና ደቂ ሓርበኛ ስዉእ ዓዋተ

ሎሚ ዘይከተተ ጸረ ሕጊ ኣልቦ ስርዓተ

እንዳ ረኣየ እንዳ ሰምዔ ብደዉ ዝመተ

ኣስላማይ ክስታናይ ክተትቱ ጸረ ስርዓት ገበተ…

(ተዳሊና ኣሎና ጸረ ህግደፍ)

ብህዝባዊ ማዕበል ክትወርዱ

ከም መንግስቱ ተሳዒርኩም ትኸዱ

ወሪድኩም ክትፍረዱ

ኢሰያስ ዝመራሒኹም ቢኢዱ

ቀሪባ እያ እታ ማዓልቲ

ዝተሰደደ ክምለስ ንዓዱ…

ከምቲ ናይ 91 ብህዝባዊ ማዕበል

ስርዓት ህግደፍ ክኽንበል

መሰል ህዝብታትና ክዳላደል

ብማዕረ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክማቓቐል

ሹዑዩ ኣብ ኤረትራ ብግቡእ ዝዕለል…

ካብ ማዓልቲ ናብ ማዓልቲ

ሆ ይበሃል ኣሎ

ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ኮይኑ ንቕሎ

ለብዘበን ዓመት ሓዲኡሎ

ኤረና ኩሕሎ እዩ ዝበሃል ዘሎ

ኣይንሓድን ንኹላትኩምየ

ደቂ ኤረይ ከምይ ኣለኹምየ

ንሕናስ ተዳሊና

ተዳሊኹም ዶ ንስኹምየ

ሰድት ነዊሑ  ናፊቕናኩምየ

ኣይንሓደን ንኹልኹምየ

ደቂ ኤረይ ከማዓላትኩምየ

ተቐቢልናዮ መልእኽትኹምየ…

እወ

ሓድነትና ዩ ቅድም ዝድለ

ሓቢርና ንጭፍራ ንእለ

ሰሚርና ኢና ጸላኢና ይፋላለ

ወልኦም እቶም

ወገኖም እንዳ ተበደለ

መንእሰይ እንዳ በለ

ህግደፍ ብሓይሊ ይተኣለ

ምስ ጭፍራ ዝብሉ ተሓንበለ…

(እወ እቶም)

ላንጋላንጋ ምስ ጠላማት ዝድብሉ

ኣለዉና ውን ወሰን ወሰን ዝብሉ

ወገኖም እንዳ ተበደለ

ክንዲ ዓገብ ዝብሉ

ጥርናፈ ነጺጎም ንህዝቢ ዝመቃቅሉ

ክነጋልጾም ኢና ህዝብና ክወግሓሉ…

እንታይ ተዓዚብካ እንባ ገደም

ኣብ ናኹሮ ግፍዒ ክድገም

ካብ ጣልያን ህግደፍ ገዲዶም

ኣሻሓት መንእሰያት ተኣሲሮም

ብዘይ በደል ንሞት ተፈሪዶም

እንባ ገደም

ንጭፍራ ምስ ዑሱባቶም

ናብ እሳተ ጎመራ ተቀይርካ ለብልቦም

ማዓት ረቢ እዝጊ ክወርዶም…

ዘገርም ዩ ዘገርም

ጀጀጋንኦም ስ ሓሊፎም

እንዳ ጃህራ ድራሮም

ፍሱሳት ሓሞት ተሪፎም

ሕድሪ ብጾቶም ጠሊሞም

ወስ ዘይብሉ እንዳ ጸነተ ህዝቦም…

ዘረባ ገሊኣቶም መእሰሪ ዘብሉ ማእዶ

ብናይ ዘረባ ወሓለታት ረኺብና ጋዶ

ህዝብና ተዋሪዱ ከላእ ትዋረዶ

ንነብሳም ኣግሊሎም ዝጥምቱ ብማዕዶ…

እቶም ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ

ዘይተካፈልኩም ምሳና

ክነጋልጸኩም ኢና

ደጊም ናሓፍተን የኣክለና

የኣክል ኣብቲ የሎና ኣብቲ የሎና

ሓቢርና ሰሚርና

ሓሕ ንበሎም ንመጽነቲና…

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለል

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,914,574 وقت التحميل: 0.24 ثانية