Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ምስ ጋዘጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገ&#470
أخبار

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምስ ጋዘጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ

ሳልሳይ ክፋል

 Journalist Amaneal.jpg

ሕቶ፡- ምስ’ዚ ክትዝርዝሮ ዝጸናሕካ እዚ ብሃገራዊ ድሕነት ዝጽዋዕ ንዙፋን ኢሳያስ ዝሕሉ ጸጥታዊ ትካል፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና እንታይ ተጽዕኖ ይገብር?

ኣማኒኤል፡- ሃገራዊ ድሕነት ማለት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝተሰለፈ ትካል ማለት’ዩ። እዚ ግን እቲ ስም ንዕኡ ዝግባእ ኣይኮነን። እቶም ኣብኡ ተኣኻኺቦም ዘለው ግን ቅንጣብ’ውን ትኹን ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሎም ኣእዳዎም ብደም ዝተጨማለቑ ሰባት’ዮም። ስለዚ ሃገራዊ ድሕነት ዝብል መጸውዒ ነዚ ትካል’ዚ ዝግባእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንዕኡ ዝበቅዕ ስለዘይኮነ። ስለዚ እቲ ሃገራዊ ድሕነት ዝበሃል ትካል ኣብ ሚኒስትሪ ዜና እንታይ ተጽዕኖ ይገብር ዘይኮነ፡ ሚኒስትሪ ዜና ካልእ ገጽ ናይ ሃገራዊ ድሕነት’ዩ። ምኽንያቱ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ናይ ኣባላቱ ብጸጥታዊ ዓይኒ ዝከታተል እንተኾይኑ’ኮ ንሱ’ዩ። ንህዝቢ ናይ ምድንጋር ተልእኾ መን ድዩ ሂብዎ፡ ነቲ ዙፋን ዝሕሉ ትካል እኳ’ዩ ሂብዎ።  ሃገራዊ ድሕነት ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘቋምቱ ዜጋታት ዝሃድን ዝኣስር ዝፈትሕ’ዩ። ሚኒስትሪ ዜና ከኣ፡ ንኣእምሮ ናይ ህዝቢ ዝኣስር’ዩ። እቲ ሓደ ንኣምሮ ህዝቢ ይኣስር፡ እቲ ካልእ ድማ ንኣካላት ይኣስር። ዋላ’ኳ ነንበይኖም ኣቃውማ ተጸዋዕነትን ምምሕዳራዊ ቅርጻን እንተለዎም፡ ከይዶም ከይዶም ግን ሕልናዊ ማእሰርትን ኣካላዊ ማእሰርትን ዘካይዱ ተመላላእቲ ትካላት’ዮም። ስለዚ ከኣ ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ትካላት እዚኣቶም ዝኾነ ይኹን ፍልልይ የለን። ንኣብነት ናይ ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝበሃል ኣሃዱ ኣሎ። ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝቐንዐ ፕሮፖጋንዳ ዝስራሓሉ ትካል። እዚ ትካል’ዚ ካብ ብሚኒስትሪ ዜና ዝእዘዞ ብሃገራዊ ድሕነት ዝእዘዞ ይበዝሕ።  ኣብ ዞባና ስልኳታት እንዳገበሩ ዝህውኹ ዝተፈላለዩ ጸረ-ሰላም ሓይልታት ኣለው ዑቑባ ዝተዋህቦም። ነዞም ሓይልታት እዚኣቶም ናይ ኣየር ግዜ ዝህብ ሚኒስትሪ ዜና’ዩ። ክህብ እንከሎ ግን ምስ’ቲ ሃገራዊ ድሕነት ብምውህሃድ’ዩ። ነዚ ሓደ ካብ ጨናፍር ሚኒስትሪ ዜና ዝኾነ ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ በዓል ኮለነል መቐለ፡ ኮለነል ፍጹም እኳ’ዮም ብቐጥታ ዘመሓድርዎ። ንሳቶም ንዝሰደድዎ ናይ ፈጠራ ዜና እኳ ኢኻ ዜና ገይርካ ኣብ’ቲ ናይ ወጻኢ ኣገልግሎት ትፍኑ። ምኽንያቱ መሳርሒ ናይ’ቲ ሃገራዊ ድሕነት ዝበሃል’ዩ ሚኒስትሪ ዜና። እቲ ተልእኾ ከይድካ  ከይድካ ነቲ መንግስታዊ ጉጅለ ምሕላው’ዩ ንህዝቢ ብኣእምሮን ብኣካል ከም ዝእሰር ምግባር’ዩ ካልእ ዕማም የብሉን።

ሕቶ፡- ብቐጻሊ ኣብ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቲቬ ኤረ ዘቃልሕዎ ምልክታ መደባትና ብዝያዳ ነስፈሖን ነማዕብሎን ኣለና ብዝለዓለ ወጻኢታት እንዳበሉ ይገልጹ’ዮም እቲ ምምሕያሻት ብኸመይ ክንበብ ይከኣል?

ኣማኒኤል፡- ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዘሎ ምምሕያሻት ናይ ትሕዝቶ ዘይኮነ ናይ ነገራዊ ምምሕያሻት’ዩ። ብሓሳብ እቲ ትካል ተሳዒሩ’ዩ። ምኽንያቱ ሓይሊ ሓሳብ ከይህልዎ ሓቂ የብሉን። ሓቂ ከይሓዘ ከኣ ሓይሊ ሓሳብ ክህልዎ ኣይክእልን። ማተርያል ወይ መሳርሒታት ግን፡ ብናይ ግራፊክ ቴክኖሎጂ ክትዓቢ ትእኽእል ብገንዘብ ሸሚትካ ዝመጽእ’ዩ። ጸሓፍቲ ኣቀነባበርቲ ክኢልታት ናይ ካሜራ፡ ተክኒሻናት ናይ ስቱዲዮ ብገንዘብ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። ሓሳብ ግን ብገንዘብ ገዚእካ ከተምጸኦ ኣይከኣልን’ዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ተመዝጊቡ ዝበሃል ዕቤት ናይ ሓሳብ ዕቤት ዘይኮነ ናይ ነገራዊ ትሕዝቶ ዕቤት’ዩ። ምኽንያቱ ብሓሳብ ተሳዒሩ’ዩ። እቲ ሚዲያ ንህዝቢ ከእምን ኣብዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ሓቂ ከይሓዘ ንህዝቢ ዝጸሓፈ እንተጸሓፈ ከእምኖ ኣይክእልን። እቲ ትካል ከም ትካል ክህሉ ስለዘለዎ ዝስራሕ ዘሎ’ምበር፡ ሂወት ዘለዎ ትካል ኣይኮነን። ቤት ጽሕፈት ስለዝሰራሕካ፡ ዘብለጭልጭ ተክኖሎጂታት ስለዘተኣታተኻ፡ ማሽነሪታት ስለዘምጻእካ፡ ፍሉያት ካሜራታት ስለዝዓደካ ናይ ትሕዝቶ ዕድጊ ክትገብር ኣይከኣልን’ዩ። ንኤረ-ቲቪ ዋላ ክሳብ’ቲ ዝረሓቐ ዝበሃል ኣመሪካን ኣውስትራሊያን እንተብጻሕካያ፡ እንታይ ሒዝካ ኢኻ ተብጸሐ? እቲ ዝኸይድ’ኮ እቲ ተክኖሎጂ ዘይኮነ እቲ ሓሳብ’ዩ ክከይድ ዘለዎ ናብኡ። ስለዚ እቲ ትካል ፈነወ’ዩ ክሸይጥ ክኢሉ ዘሎ ‘ምበር ሓሳብ ክሸይጥ ወይ ከሰጋገር ክጸሉ ኣይከኣለን ኣሎ። ብሓጺሩ ኣብ’ቲ ትካል ናይ ኣቑሑት ናይ ተክኖሎጂ ዕቤት’ዩ መጺኡ ዘሎ። ናይ ሓሳብ ዕቤት ግን ከረጋግጽ ኣይከኣለን ክረጋገጽ’ውን ኣይክእልን’ዩ ንኽረጋገጽ ዘኽእል ባይታ’ውን የለን።

 ሎሚ ዕድመ ን21 ክ/ዘመን ብካልእ መዳይ ናይ’ዚ ክ/ዘመን/ዚ ትውልዲ ምዃን ትዕድልቲ’ዩ። ስለምንታይ እንተኢልካ መማረጺ ሚዲያ ስለትረክብ። ንኣብነት ደምበ ተቓውሞ ዘይከም’ቲ ዝሓለፈ እዋናት ንተግባራት ናይ’ቲ መንግስቲ ኣብ ምቅላዕ ዘካይድዎ ዘለው ስራሕ፡ ብዝያዳ ዝሰሰነሉን ዝዓበየሉን ብህዝቢ ተቐባልነት ኣብ ዝመጻሉን ከም መማረጺ ሚዲያ ክረአየሉ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ። እቲ ቀደም ድምጺ ሓፋሽ ኢላቶ ዝበሃል ዝነበረ ሎሚ ጽውጽዋይ ኮይኑ ኣሎ። ሚኒስትሪ ዜና እንድዩ ኢልዎ፡ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ እንድዩ ወጺኡ፡ ኣብ ኤረ ቲቪ እንድዩ ተራእዩ ዝበሃል ነገራት እናሞተ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ ሎሚ። ምኽንያት ብሓይሊ ሓሳብ ዝተሳዕረ ናይ ሚዲያ ትካል ብዝተጨበጠ ህላውነቱ ከረጋግጽ ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ኣመዝጊበዮ ዝብሎ ዘሎ ዕቤት ናይ’ቲ ረቂቕ ናይ ሓሳባት ዕቤት ዘይኮነ፡ ናይ ነገራት ዕቤት ጥራሕ’ዩ ዘለዎ።

ሕቶ፡- ሕራይ ኣማኒኤል እግረ መንገድኻ እናገለጽካዮ መጺእካ ኢኻ ግን ዝያዳ ንምብርሁ ዝኣክል፡ ንድምጺ ሓፋሽ ኮነ ንቲቪ ኤረ ህዝቢ ጽቡቕ’ዩ ዝከታተለን ሰዓታት ፈነወ ኣየሕልፍን’ዩ ሳላ ከምኡ ዝተገብረ ከኣ ብፍላይ እቶም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ይመሃሩ ይልወጡ ኣለው ክብል ይስማዕ’ዩ። እዚ ኣብ ነገራዊ ትሕዝቶ ጥራሕ ተሓጺሩ ዝኸይድ ኣመለኻኽታ’ዚ ንቐጻሊ እንታይ ሓደጋ ይፈጥር ኢልካ ትርኢ?

ኣማኒኤል፡ ኣነ ባዕለይ እንድየ ኣብኡ ነይረ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሚዲያታት ህግደፍ ዋላ ሓንቲ ትርጉም የብሉን። እቲ ትካል ብዘይ ዝኾነ ኣማራጺ ተወዳዳሪ ኣንጻራዊ ሚዲያ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰረተ ስለዝኾነ ሓደ ሓደ ግዜ ምድንጋራት ይፍጠር’ዩ። ነቲ ዝተፈጥረ ሰረት ንከተዕኑ፡ ካልእ ኣማራጺ ሚዲያ ክትከታተል ኣለካ። ግዜን ጻዕርን’ውን ይሓትት’ዩ። ብዘይካልኣዊ ሚዲያ ብቐጻሊ ንትካላት ሚዲያ ህግደፍ ጥራሕ ክከታተል ዝጸንሐ ሰብ፡ ኣብ ከምኡ ዓይነት ምድንጋራት እንተኣተወ’ውን ብዙሕ ዝተሓዘሉ ነገር ኣይኮነን ባህሪያዊ ነገር’ዩ። ክልወጥ እንተደኣ ኮይኑ መማረጺ ሚዲያ ዝህቦ ኣካል ክረክብ ኣለዎ። ከም ኣብነት ንምንታይ’ዮም ናይ ወጻኢ ሚዲያታት ወኪላት ክህልው ዘይተደልየ። ቢቢሲ፣ ሮይቶርስ፣ ኣልጀዚራ፣ ኣጃንስ ፍራንስ ፕሬስ …ወዘተ ክህልው ዘይተደልየሉ ምኽንያት፡ እዞም ትካላት እዚኣቶም ካብ’ቲ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ዘቃልሓኦ ፍልይ ዝበለ፡ ምስ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ምስ’ቲ ክውንነት ዝከይድ ሓቀኛ ሓበሬታ ንህዝቢ ዓለም ክምግቡ ስለ ዝኽእሉ ካብ’ዚ ተበጊሱ ድማ እቲ ኤርትራ እንታይ ደኣ ዝብል ኣቓልቦ ክገብር ስለዝጅምር ካልእ ተወዳዳሪ ሚዲያ ክህሉ ኣይደልዩ ህግደፋውያን። ድምጺ ሓፋሽ ከም’ቲ ኣበረኻ እንከላ ከይመመኻ ዝጉሰም ዝነበረ እምነት ብከምኣ ክትቅጽል’ዩ ዝድለ፡ ሎሚ ግን ከምኡ የለን። ምኽንያቱ ምርኣይ ምእማን’ዩ። ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ብዓይኒኻ እንዳረኣኻ፡ ድምጺ ሓፋሽን ቲቪ ኤረን ዝበላኦ ሰሚዕካ ክትኣምን ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ መንግስቲ ናይ ወጻኢ ሚዲያታት ወካይል ክይህልው ዝኸልከለ’ውን ብመደብ’ዩ። እዚ ኣብ ዲያስ-ፖራ ዘሎ ኤርትራዊ ምስ ዘለዎ ናይ ኣቀማምጣ ርሕቀት ኣብ’ቲ ኤርትራዊ ክውንነት ኣብ ምንባብ ምድንጋራት ክፈጥር ኣይክእልን ክበሃል ኣይከኣልን። ገለ ከኣ ዓመት ዓመት ናብ ሃገር እንዳተመላለሰ፡ ኮነ ኢሉ ንቤተሰቡ እንዳሓተተ ምስ’ቲ መንግስቲ ዘለዎ ዝምድና ከይበትኽ ዝገብሮ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ክህሉ ይኽእል’ዩ። ምስቲ መንግስቲ ዘይተባተኸ ሰብ ድማ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ዋጋ ዘይብለን ናይ ሓሶት ትካላት ምዃነን ክዛረብ ኣይኽእልን። ሓቂ ክዛረብ እንተኾይኑ ምስ’ቲ መንግስቲ ክባተኽ ኣለዎ።

ህግደፍ ከኣ ብዝተፈላለያ ሜላታት’ዩ ዝሕዞም። ዝሞተ ሰብ ኣብ ውሽጢ ዓዱ ከይቕበር ይኽልክል፣ ኣብ ዓዲ ከይድካ ምስ ስድራ ቤትካ ከይትራኸብ ይጻባኣካ፣ ወፍሪ ክትገብር፣ ገለ ትካላት ከተጣይስ ይኽልክለካ፣ ነዚአን መጻወዲያታት እዚኣተን ክሓልፉ ክብሉ ምስ’ቲ መንግስቲ ዝደናገጹ ሰባት ኣለው። ስለዚ ምስ’ቲ መንግስቲ መሊኡ ክሳብ ዘይተባተኸ ሓቀኛ ምስሊ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ክነግረካ ኣይትጸበ። ገለ ገለ ሰባት ድማ ኣለው፡ ንኤርትራ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ ዘይኮነስ፡ ንኤርትራ ብዓይኒ መስኮት ቲቪ ኤረ ዝሪእዋ ኣለው። በተን ኣብ መስኮት ቲቪ ኤረ ዝሪእወን ንሳ ትመስሎም እታ ቅንዕቲ ኤርትራ። ኤርትራ ግን ንሳ ኣይኮነትን። ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ እታ ንፈልጣ ኤርትራ፡ እታ ኣባይታ ዘለ’ያ። ኣብ ኤረ ቲቪን ኣብ ድምጺ ሓፈሽን ዘላ ኤርትራ ኣይኮነትን። ኣብ ኤረ ቲቪ ድምጺ ሓፋሽን ዘላ ኤርትራ ካልእ ኤርትራ’ያ፡ ብመደብ ከኣዩ ከምኡ ክኸውን ተቐሪጹ። ስለዚ ምድንጋራት ሕጂ’ውን ኣሎ። ግን ብመንጽርቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ እንተመዚናዮ፡ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ተቐባልነተን ተሰማዕነተን ከም ቀደሙ ኣሎ ኢልካ ክትሓስብ ኣይከኣልን።

ኣነ ጋዜጠኛ ሰራሕተኛ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ’የ ነይረ። ቃለ-ማሕተት ክገብር ኣብ ብዙሕ ቦታት ዑደት ገይረ’የ። ማይክሮፎንን ቴፕ ሪከርደርን ሒዝና ናብ ሰባት ክንቀርብ እንከለና ዝጸርፉና ሰባት ነይሮም። ብፍላይ ከም መዓልቲ ሰማዕታት 20 ሰነ ንስድራ ቤት ኣሕዋትን ኣሓትን ስውኣት ቃለ-ማሕትት ክትገብር እንከለኻ፡ ንስኹም’ሲ ብመስዋእቲ ደቅና ኣያታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ትሕበኑ ዲኹም ኣይትሕበኑን ኢልኩም ክትሓቱና ኢሎም ብእምኒ ክሃርሙና ዝደናደኑ ብዙሓት’ዮም። ስለዚ ሚዛናዊ ብዝኾነ መንገዲ ክትግለጾ እንከለኻ ሰብ ፍጊዕ ኢልዎ’ዩ። ኣብ ሓንቲ ዓዲ ንስሙ ዲጋ ወይ ራህያ ትስራሕ፡ ብዛዕባኣ መንግስቲ ኮፍ ዘበሎ ኣመሓዳሪ ወይ ፍሉይ ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት’ዮም መብርሂ ዝቡኻ። ነቲ ኣመሓዳሪ እንታይ ኮንኩም ማሕበራዊ ፍትሒ ዘይተረጋገጹ እንተኢልካዮ፡ መንግስቲ ውራይ በጺሕዎ፡ ተጻባኦ ናይ ማሕበረ ሰብ ዓለም ድማ ስለዘለዎ ገፊሕዎ ’ምበር ረሲዑና ኣይኮነን ይብለካ። ንቕድሚት ከም’ዚ ክገብረልና ድማ ተስፋ ንገብር ይብለካ። እዚ ቃል ኣመሓዳሪ’ዩ። ኣብ ቅድሚ ማይክሮፍን ዝብለካን ብድሕሪኡ ዝብለካን ከኣ በበይኑ’ዩ። ኣብ’ቲ ተራ ህዝቢ እንተወሪድካ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ሃንደፍ ኢሉ ቃለ-ማሕተት ዝገብረልና ሰብ የለን። እንዳለመንካ’ዩ። ክሳብ ገለ ሰባት ዘረባ እንዳኸኣሉ እንከለው ኮነ ኢሎም ነቲ ዘረባ የበላሽውዎ። ሽዑ ማይክሮፎን ኣጥፊእካ ባዕልኻ ዘረባ ሰሪዕካ ከምዚኣ በል እንዳበልካ’ዩ ዝካየድ። ክሳብ ሕጂ እቲ ተታሒዙ ዝጸንሐ ሰረት መሊኡ ዝጠፍአ ኣይኮነን። ከም ቀዳሙ ከም ዘየለ ዓቢ ለውጢ’ውን ከም ዘሎ ግን ኣነ ከም ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይነ ከረጋገጸልካ የደሊ።

ሕቶ፡- ኣማኒኤል ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ፡ ሚኒስተራት ህግደፍ ብዛዕባ’ቲ ንሳቶም ዝመርሕዎ ትካል ኣመልኪቶም ኣብተን ማዕከናት ዜና  ቃለ-ማሕተት ከግብሩ ኣይረኣዩን፣ ከምኡ’ውን ካብ ደገ ንዝመጹ መዘናታቶም ከዛራርቡ ኣይረኣዩን፡ ኣብ ኩሉ ዝቐርብን ዝውድእን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥራሕ’ዩ። ገለ ኣፍልጦ እንተለካ ስለምንታዩ ከምኡ ዝግበር እቶም ሚኒስተራት ከ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ይብሉ?

ኣማኒኤል፡- ሓደ ተልእኾ ናይ’ቲ ሚዲያ፡ ነቲ እኮ መራሒ ከም ኩለንተናዊ ሰብ ኣምሲልካ ምቕራብ’ዩ። ኣብ ኩለንተናዊ ዓውድታት፡ ኣብ ፖለቲካ፣ ኣብ ሕርሻ፣ ኣብ ምህንድስና፣ ኣብ ቁጠባ ንኹሉ ዘመልእ ልቂነት ዘለዎ ፍጡር ጌርካ ናይ ምቕራብ ተልእኾ ዘለዎ ትካል’ዩ ሚኒስትሪ ዜና። ነዚ ተልእኾ’ዚ ክፍጽም እንተደኣ ኮይኑ ከኣ ንምስሊ ናይ ኢሳያስ ዝወዳደር ካልእ ምስሊ ክትፈጥር የብልካን። ንኣብነት ንልምዓት ዝምልከት ሚኒስተር ሚኒስትሪ ሃገራዊ ልምዓት እንዳሃለወ፡ ኢሳያስ መጺኡ ይዛረብ። ናይ ሕርሻ ሚኒስተር እንዳሃለወ ኢሳያስ መብርሂ ይህብ። ንህንጻዊ ስራሓት ዝምልከት ኣብ’ቲ ቦታ ኮይኖም ዝመርሖ ሞያተኛታት እንዳሃለው፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኮፍ ኢሉ ዝወዓለ ኢሳያስ ፖለቲካዊ መምርሕን ውሳነ ዘይኮነ ሞያዊ መምርሒ ክህብ ትዕዘብ። ዋላ ዜና ክስራሕ እንከሎ ፕረዝደንት ኢሳያስ ኣብ ክስቶ ዑደት ገይሩ መምርሒ ስራሒ ድማ ሂቡ ኢልካ ተሕልፍ። ፕረዝደትን ኢሳያስ’ሲ ንሓደ እንጂኔር ክኢላ ሕርሻ ሞያዊ መምርሒ ክህቦም ኣይኽእልን’ዩ። ንሕና ግን ከምኡ እንዳበልና ዜና ንሰርሕ። ምኽንያቱ መሃንዲስ ይኸውን፣ ሃናጻይ ይኸውን ሓረስታይ ይኸውን ኣብ ኩሉ ኩለንተናዊ ሰብ ኮይኑ ስለዝቐርብ፡፡

ኣብ’ታ ሃገር እቲ ህዝቢ ከም ናቱ ፓብሊክ ፊገርስ ገይሩ ዝጥምቶም፡ ኣዝዮም ብሞያኦም ብቑዓት ሰባት ኣለው። ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራ ገለ ሓበሬታ ደሊኻ ናብ መን ትኸይድ ትፈልጥ ኢኻ፡ ግን ናብኦም ኣይተኸይድን። ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራ ክነግረካ ናብ ኢሳያስ ትኸይድ። ኤርትራ ከመይ ከምዘለ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሰብ ዘይኮነ፡ ኢሳያስ ክነግረካ ትደሊ። ቁጠባዊ ህንጻዊ ልምዓውታዊ ኮነ ታሪኻዊ ኩነታት ኤርትራ ብኸምቲ ኢሳያስ ክቐርጸካ ዝደሊ ክቐርጽ’ዩ ዝድለ። ብዘይክኡ ካልእ ክኢላ የብልናን። ንሱ ሃለወ ንነብር፡ ንሱ የለን ኣይንነብርን ዝዓይነቱ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ’ዩ እቲ ቀንዲ ተልእኾ።

ኣብ ውሽጢ ህግደፍ’ኮ ክንደይ ምሁራት ክኢልታት ደሞክራስያውያን ባእታታት ኣለው። ንሳቶም ግን ቦታ የብሎምን። ቀንዲ ተልእኾ ናይ’ቲ ሚዲያ ነዚ ሰባኣይ’ዚ ከም መራሒ ጥራሕ ዘይኮነ ከም ኩለንተናዊ ሰብ ገይርካ ምቕራጽ’ያ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ሓደ ካብ ደገ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝምልከት ሰብ እንተደኣ መጺኡ፡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣይኮነን ዘዘራርቦ። ኢሳያስ’ዩ ዝረኽቦ። ሓደ ኣባል ባይቶ ናይ ሓንቲ ሃገር እንተደኣ መጺኡ ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሰጊሩ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት ይኸይድ ኢሳያስ ይረኽቦ። ኢሳያስ ረኺብዎ ኢሳያስ ኣዘራሪብዎ ይበሃል። ኢሳያስ ስለምንታይ ምክትል ክህልዎ ዘይተገበረ፡ ብሂወቱ እንከሎ ተካኢኡ ክርኢ ዝደሊ ሰብ ኣይኮነን። ብሂወቱ እንከሎ ሰብ ክትከኦ ዘይደሊ ሰብ ድማ ኣብ’ቲ ኣነየ ዝፈልጦ ዝብሎ ቦታ ካልእ ክኢላ ኣምጺእካ ቃለ-ማሕተት ከተገብር ኣይከኣልን። ክንደይ ክኢልታት ኣለው’ኮ ካብ’ቲ ሚዲያ ብመደብ ዝተኣገዱ ሰባት። ኣነ ኣስማቶም ምጥቃስ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለ ዘይስመዓኒ ኣስማቶም ኣይጠቅስን’የ ግን ዓበይቲ ሰበስልጣን ኣለው ኣብ’ቲ ሚዲያ ከይቐርቡ ዝተኣገዱ። ዋላ ንሳቶም’ውን እጉዳት ምዃኖም ይፈልጡ’ዮም። ሓደ ጋዜጠኛ ብገርሁ ንቃለ-ማሕተት እንክሓቶም፡ ነዚ ስለዘየፈለጠ ድዩ ወይስ ክፍትሸኒዩ መጺኡ ኢሎም ዝጠራጠሩኻ ሰባት ኣለው። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና እንዳሰርሐ ኣነ እጉድ ምዃናይ እንታይ ኮይኑ ዘይፈልጥ ክፍትሸኒዩ መጺኡ ኢሎም ካብ ቤት ጽሕፈቶም ከም ከልቢ ዘሳጎጉዎም ሰባት ኣለው። እቲ ጋዜጠኛ’ውን ንባዕሉ ብሰንኪ ኣካይዳ ናይ’ቲ ትካል ክንዳይ መሰነኽላት እንዳሓለፈ እኮ’ዩ ሓበሬታ ዝእክብ። ሓደ ሓደ ግዜ ዝእከብ ሓበሬታ ምስ ሰኣንካ ኣብ ሓበሬታ ምፍጣር ትኣቱ። ከም ሓደ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሰማያዊ ትእዛዝ ኢሳያስ ዝበሎ እንዳበልካ ትሰርሕ። ከም ካልእ መማረጺ ሓሳብ ንጹግ ዝኾነ እንዳገበርካ ኢኻ ኣብ’ቲ ሚዲያ ትቐርጾ ነቲ ሰብኣይ። ስለዚ እቲ ሚዲያ ብኸምዚ ነቲ ሰብኣይ ስለዝቐብኦ ብዙሕ ምድንጋራት ተፈጢሩ። ሎሚ ግን እቲ ምድንጋራት’ቲ ኣብ ቦትኡ ኣሎ ኢልካ ክትሕሳብ ኣይከኣልን’ዩ።

ሓደ ካብቲ ተልእኾ ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ምስሊ ናይ ኢሰያስ ኮሊዕካ ምርኣይ እዩ። ምስሊ ናይ ኢሰያስ ክትስራሕ እንከላ ካብታ ስሙ እያ ትጅምር። ኢሰያስ ከሎ ሽሙ ክትጽሓፍ እንከላ ግን ኢሳይያስ ተባሂላ እያ ትጽሓፍ፣ ኢሳይያስ ንነቢ ኢሳይያስ ዝተዋህበት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትርከብ ኣጸሓሕፋ እያ። ስለምንታይ እዩ ግን ኣብ ጋዜጣ ቴሌቪዥን ኢሳይያስ ተባሂሉ ዝጽሓፍ፡ ኢሰያስ ከምቶም ካልኦት ኤርትራውያን ኢሰያስ ኣይኮነን ፍልይ ዝበለ ካብ ንተራ ሰባት ናብ ነቢ ኢሳይያስ ዝቐረበ ሰብ እዩ ንምባል  ተባሂሉ እዩ። ሓንቲ ከም ፍልይቲ ኣብነት ክነግረካ መራሒ ሰሜን ኮርያ መይቱ፡ ምስ ሞተ ህዝቡ ሆ ኢሉ ወጺኡ ቀቢርዎ። ኣብታ ሃገር ዓቢ ህዝባዊ ሓዘን እዩ ተፈጢሩ ነዚኣ ንመዝምዛ ተባሂሉ ኣብቲ ሚኒስትሪ፣ ብኸመይ ንመዝምዛ ተባሂሉ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኩሉ ግዜ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣይቃዶን’ዩ ከም ጸረ-ደሞክራሲ ጸረ-ሰላም ምርጫ ዘየፍቅድ ገይሮም ‘ዮም ዝገልጽዎ። ንመራሒ ህግደፍ ‘ውን ብኸምኡ ‘ዮም ዝገልጽዎ። ስለዚ ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ ድኣ ብኸመይ እዩ ህዝቡ ሓዚኑ ኢልና ብተዘዋዋሪ’ዩ ክሓልፍ ተደልዩ እቲ መልእኽቲ። ክሳብ ኣገልግሎት ዜና ሰሜን ኮርያ ዝሰርሖ ናይ ፈጠራ ዜና ከም ዘለዎ ናብ ትግርኛ ተተርጉሙ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ ዕለት 25 ታሕሳስ 2011 ወጺኡ። ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ህዝቢ በኽዩሉ ድዩ ኣይበኸየሉን ንፈልጦ ነገር የብልናን ብጀካ’ቲ መደበር ዜና ሰሜን ኮርያ ዝሃበቶ ሓበሬታ። ግን ድማ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘሎ ኩነታት ምስ ናይ ኤርትራ ኩነታት ዝቃረብ ኣይኮነን። ኣገልግሎት ዜና ሰሜን ኮርያ ዝዘርግሖ ናይ ፈጠራ ዜና ሓደ ዓቢ መራሒ ከም ዝመውት ዘመላኽት ምልክታት ተራእዩ፣ ኣብ መቓብር ኣብኡ ረጋቢት ዘምብየን፣ ኣብታ ሃገር ዝወርድ ዝነበረ ውርጪ ሃንደበት ደው ኢሉ ብምባል ካብ ሰብ ኣውጺኦም ናብ መለኮታዊ ሓይሊ ከምስልዎ ‘ዮም ፈቲኖም። እዚ ከምዚ ዓይነት ዜና ብትግርኛ ተርጒምካ ንህዝቢ ኤርትራ ምንጋር እንታይ ማለት እዩ? እቲ መልእኽቲ ንኢሰያስ ከም ሓደ ጻድቅ ጌርካ ኣብ ልቢ ህዝቢ ንምስራጽ እዩ።

ሓደ ግዜ ወዳሕ ከንፈር ዝበሃል ናይ ኣልጀዚራ ኔትዎርክ ሓላፊ ኣብ ኤርትራ ዑደት ክገብር ከሎ ንኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ኣኼባ ገይሩልና። ኣብቲ ግዜ’ቲ ብዙሕ ነገር ተወርዩ በቲ ምስ መንግስቲ ቀጠር ዘለና ዝምድና ጌርና ምስ ተሌቪዥን ኣልጀዚራ ጽቡቕ ዝምድና ክንምስርት ኢና ተባሂሉ። ኣልጀዚራ ዝምድና ዝጸልእ ትካል ኣይኮነን ዝምድና ዘቐድም ትካል እዩ። ግን ንሓቂ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእትዩ ምስ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ዝመሓዞ ትካል ኣይኮነን። ወዳሕ ከንፈር ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ምስ ተመልሰ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ ቴለቪዥን ኣልጀዚራ ሓደ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኤርትራ ዝገልጽ ዓቢ ዶክሜንታሪ ፊልም ተፈንዩ። እቲ ዶክሜንታሪ ፊልም ኤርትራ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ዝብል እዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ክንደይ ጫውጫው ተባሂሉ ንዓና ብኸመይ ምስ ሰሜን ኮርያ የመሳስሉና ብዝብል ብዙሕ ዘረባ ነይሩ። መራሒ ሰሜን ኮርያ ምስ ሞተ ድኣ ብኸመይ ምስ ነብሶም ከመዓራርይዋ ደልዮም? ብኸመይ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ኢል ጆም ምስ ሞተ ምስ ኢሰያስ ከመዓራርይዎ ደልዮም? እቲ ሓቂ ግን ኤርትራ ናይ ብሓቂ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ እያ።  ዕጽውቲ ሃገር፣ ዝተነጸለ መንግስቲ፣ ዝተነጸለ ሕብረተሰብ’ዩ ዘሎ ኣብ ኤርትራ። ስለዚ በዛ ጉዳይ እዚኣ ንሰሜን ኮርያ ንቀራረብ ጥራይ ዘይኮነስ ንሓልፎም ከማን ከይንኸውን ይጠራጠር እየ ኣነ። እቲ ሚድያ ግን ክሳብ ክንድዚ’ዩ በታ ዘይተኸንሸበትን ዘይትመውትን መልሓስ ጌሩ ህዝቢ ከእምን ከይደቐሰ ዝሓድር።

ብዛዕባ ምስሊ ኢሰያስ ንምስራሕ ዝግበር ነገራት ክንዛረብ እንከለና፣ ሓደ ግዜ ኣብ 2009 ኣማተር ጋዜጠኛታት ኣምጺእካ ዝተገብረ ነገራት ኣሎ። ነዞም ጋዜጠኛታት ዘይተኣደነ ገንዘብ እናኸፈልካ፣ ናብ ኤርትራ ክመጹን ክኸዱን ከለዉ ናይ ኣየር ትኬት እናኸፈልካ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሕሉ ናይ ሆቴልን ናይ መግብን ከፊልካ፣ ናይ’ቲ ምስ ኢሰያስ ቃለ-መጠይቕ ዝገበርሉ ክፍሊት ከፊልካ ካብ ዓረባዊ ሃገር፡ ካብ ርሑቕ ምብራቕ፡ ካብ ላቲን ኣሜሪካ፡ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ተዓዲሞም መጺኦም። እቲ ዕላማ ኣሜሪካ ተጋግያ ነዚ ስርዓት’ዚ ነዚ ሰብኣይ’ዚ ተጸልሞ ዘላ፡ ምሉእ ሚድያታት ናይ ዓለም ዓይኑ ኣውዲቐናሉ ዘለዋ፡ ርኣይዎ እንዶ ብምኽን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,906,344 وقت التحميل: 0.19 ثانية