Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ናይ ሓዘን መግለጺ ብምኽንያት መስ&#481
أخبار

DEMOCRATI FRON FOR ERITREAN UNITY.jpg

                                              ናይ ሓዘን መግለጺ

ብምኽንያት መስዋእቲ ክቡር ኣቶ መለስ ዜናዊ

ቀዳማይ ሚኒስተር ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፖብሊክ ኢትዮጵያ

ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/ ሎሚ ንግሆ ሰሉስ 21 ነሓሰ 2012 ክቡር ኣቶ መለስ ዜናዊ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፖብሊክ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝሓደሮ ናይ ሓጺር እዋን ሕማም ከም ዝዓረፈ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብዝተዋህበ መግለጺ ሰሚዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ከም ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት-ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን መጠን፡ ድሕሪ’ቲ ናይ 17 ዓመታት ጽዕጹዕ ብረታዊ ተጋድሎ ኣንጻር ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ብመሪሕነቱ ብዓወት ምዝዛሙን ኢትዮጵያ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ተናጊፋ ኣብ ጎደና ሰላምን ዲሞክራስን ልምዓትን ንክትምርሽን ኣገዳሲ ምዕባለ ከተረጋግጽን ኣብ ምግባር ዝተጻወቶ ልሉይ ተራ ዝነኣድ እዩ ነይሩ። እዚ ኣመራርሓ’ዚ ብደረጃ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ዓለም-ለኻዊ ዓበይቲ መድረኻት ንኣፍሪቃውያን ወኪሉ ዝተጻወቶ ናይ ዓቢ መራሒ ልሉይ ተራ ብኣድናቖት ንዘልኣለም እናተዘከረ ዝነብር ናይ ተጋድልኡ ህያው ምስክር እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ንሱ ዝመርሖ ህ.ወ.ሓ.ትን ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ፍትሓውን ሕጋውን ነጻነታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ዘየወላውል ጽኑዕ መርገጺ ብምውሳድ ነዚ ፍትሓዊ ሕቶ እዚ ምስ ዘይኣምኑ ጸበብትን ትምክሕታውያን ኢትዮጵያውያን እናተሓናነቑ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ ተዛዚሙ ናብ ሓድሽ ናይ ሰላም መድረኽ እውን ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ነጻነታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንደም ብሰላማዊ መንገዲ መዛዘሚ መዕለቢ ክረክብን ብዓወት ክዛዘምን ንህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ናብዚ ኣብጽሓካ ብምባል ሓቢሩ ምስኡ ዝጸንበለን ሽዑ ንሽዑ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ድልዱል ምትእስሳርን ምድግጋፍን ኣብ ምፍጣር ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወቶ ብኣኽብሮት ዝዝከር ጻዕረኛን ህርኩትን መራሒ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ኲናት ናይ ዶብ ግጭት ብጻሕታሪ ኲናት ስርዓት ህግደፍ ምብርዑ እቲ ናይ ህዝብታት ዝምድና ናብ ንቡር ንክምለስ ንስደተኛ ህዝብና ብዓቕሞም ኣብ ምትእንጋድን ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰጋገርን እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ሃገሩ ዝተሓረሞ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ መኣዲ ክረክብን፣ ንደምበ-ተቓውሞ ኣብ ዘካይዶ ዲሞክራስያዊ ተጋድሎ ዝነበሮ ምድግጋፍን ብደረጅኡ እውን ከይተረፈ ግዝይኡ ሰዊኡ እናሻዕ ምስ ኣመራርሓታት ደምበ-ተቓውሞ ዝገብሮም ርኽክባትን ሓገዝቲ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን እናተዘከሩ ዝነብሩ እዮም።

ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ብመስዋኣቲ ክቡር ኣቶ መለስ ዜናዊ ናይ ኢ.ፌ.ዲ.ሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ህ.ወ.ሓ.ት-ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ኣቦ መንበር ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ ንመላእ ህዝብታት ኢትዮጵያን ቤተሰቡን ኣዕሩኽቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

ፈጻሚ ኣካል

ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/

21 ነሓሰ 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,310,409 وقت التحميل: 0.20 ثانية