Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ምስ ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ ዝገበረቶ ቃ&#46
أخبار

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምስ ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ ዝገበረቶ ቃለ-ማሕተት

ካልኣይ ክፋል

ሕቶ፡ ብ/ካሕሳይ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2011 ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምኻድ ነዋታውን ገንዘባውን ደገፋት ከም ዝገበርካ ብዝተፈላለያ መራኸቢታት ተገሊጹ ነይሩ፡ እትገብሮ ሓገዝ ተደጋገፍቲ ረኺብካ ተካይዶ ድዩ ወይ ኣብ ባዕልኻ ጥራሕ ዝምርኮስ’ዩ።

ብ/ካሕሳይ፡- መጀመሪያ  ኣብ 2012 ኣይኮነን ጀሚሩ እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ኣብ 2009 ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝርከባ ምዑታት ተቓለስቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላትና፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ኣሕዋተን ናይ ሞዴስ ሓገዛት ክገብራ ወፍሪ ኣካይድና፡ ኩለን ድማ ብዓቕመን ኣዋጺአን። ነቲ ዝተረኽበ ገንዘባዊ ኣታዊ ድማ ብ/ኣለም ገ/ሚካኤል ሓላፊ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ቤት ጽሕፈት ደግሓኤ፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ወገናዊ ኣፈላላይ ኣብ ሽመልባ ካብ’ቲ ኣብኡ ዘሎ ኮሚቴ ወይ ሕብረተሰብ ሽማግለ ወጺኦም፡ ውጹዓት ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ኣለልዮም ብገንዘብ መልክዕ ደረጅኡ ዝሓለወ ሞዴስ ተገዚኡ ንልዕሊ 80 ዝኾና  ክዕደለን ተገይሩ። ቀጺልና ኣብ 2011 ብመንገዲ ውድብና ዝተዋጽአ ገንዘብ ኣብ መዓስከር ማይ-ዓይኒ ንዝርከቡ ኣላዪ ዘይብሎም ህጻውንቲ ዓዲልና ነይርና። ካምኡ’ውን ኣብ’ቲ ዓመት’ቲ ካብ ዝተፈላለዩ ተደናገጽቲ ወገናት ማለት፡ ጀርመናውያን፣ ኣፍጋናውያን፣ ኢራናውያን፣ ቱርካውያን፣ ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያን በብውልቆም ዘውጽእዎ ገንዘብ፡ ክሳብ ሸሞንተ ዓይነት ዝኸውን ነዋት ነቶም ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዓዲልና ኢና። እቲ ወገናትና ናይ ምሕጋዝ መደብ በይነይ ዝኸድክዎ ኣይነበረን። ኣብ’ቲ ቀዳማይ እግሪ ምስ ብ/መዝሙር ፍሳሃየ፡ ኣብ’ቲ ካልኣይ እግሪ ድማ ምስ ብ/እያሱ ዑቑባጺን ኢና ዓዲልናዮ፡ እቲ ተግባር’ቲ ኣብ  ወገናትና ድሓን ባይታ ከም ዝፈጥረልና ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ዝተገብረ ረድኤት ህዝባዊ ረድአት’ዩ ነይሩ ፖለቲካዊ ረዲአት ኣይነበረን። ውጽኢቱ ግን ህዝቢ ይመዝን ስለዝኾነ፡ መን እንታይ ባህሪኡን ተግባሩን ንምልላይ ዘጽግም ስለዘይከውን ህዝባዊ ደገፍ ምፍጣሩ ዘይተርፍ’ዩ። ብሓጺሩ እቲ ሓገዝ ዕውት ብምንባሩ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣወንታዊ ደገፋት ረኺቡ’ዩ።

ነቶም ተሓገዝቲ ወገናት ማለት ህጽናትን ጉዱኣት ኣካልን ዝዓቕመይ ክገብር’የ ኢለ ቃል ኣትየሎም ስለ ዝነበርኩ ኣብ 2012 ከም እንደገና ከይደ። ዋላ ክንድቲ እቶም ጽጉማት ዝጠልብዎን ኣነ’ውን ክኾነለይ ዝድልዮን ኣይኹን ነተን ዝረኸብክዎን ሒዘ ብኣካል ተረኸበ ከመይ ኣለኹም ኢለ ኩነታቶም ፈሊጠ ክምለስ ኣገዳስነት ስለዘለዎ ከምኡ ገይረ። ሕጂ ኣብኡ ጸኒሐ ካብ ቅድሚት’የ ዝመጽእ ዘለኹ። ኣብ ሰለስቲኡ መዓስከር ስደተኛታት’የ በጺሐ። ምስ’ቶም ኣብኡ ዝርከቡ ኣካለ ስንኩላን ኣኼባ ኣካይዳ ብዝዓቕመይ ወፈያ ገይረ። ስለዚ ማሕበራውን ጉዳይ ስደተኛታትን ቤት ጽሕፈትና ስርሑ ይሰርሕ ኣሎ። ስለዚ እቲ ብዓቕምና ንገብሮ ዘለና ምድግጋፍ ካብ 2009 ዝጀመረ ኮይኑ፣ ብ2010፣ 2011፣ 2012 እንዳበለ ይኸይድ ከምዘሎ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። እቲ ኣብ 2011 ን 2012 ዝተገብረ ሓገዛት ኣብ ኢትዮጵያ ገዚእካ ዝተዓደለ’ዩ። ምዑታት ኣባላት ደግሓኤ ድጋፍ ህጹጽ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናቶም ንምሓጋዝ ዝገብርዎ ዘለው ንጥፈታት መጎሳ ዘድልዮ’ዩ። ውጹዓት ወገናትና ንምሕጋዝ ዝግበር ሓርኮትኮት ንቕድሚት’ውን ምስ ኩነታት እንዳተዓጻጸፍካ ክኸይድ ዘለዎ ምዃኑ ርኢና ኣለና። ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራን ካልኦትን ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት መታን ክሕገዙ ብቀጻሊ ክቃልሓኦ ኣለወን እብል። ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ብዘይዝኾነ ፖለቲካዊ ጸጊዕነት ኩሉ በብዓቕሙ ከወፍየሉ ዘለዎ ሰብኣዊ ምድግጋፍ ዝጠልብ ብምዃኑ፡ ህዝብና ኣብ ዘዘለዎ ከባብን ብዘለዎ ዓቕምን ሓገዛቱ ከወፊ ሓበሬታ ክረክብ ስለ ዘለዎ።

ሕቶ፡ ሕራይ ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ፡ ብመንገዲ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝወጸ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት’ዮም ዘለው’ሞ እዚ ንስኻ ምስ ተደጋገፍትኻ ትገብሮ ዘለኻ ሓገዝ ንኹሎም ክሽፍን ዝኽእል ድዩ ወይ ንዝተወሰኑ ጥራሕ’ዩ እንተተብረሃልና?

ብ/ካሕሳይ፡- እዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ። መጀመርያ እቲ ሓሳብ ምምንጫውን ተበግሶ ምውሳድን ዝምጎስ ኮይኑ፡ ከም’ቲ ዝበልካዮ ነዚ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ስደተኛ ዝኣክል ሒዘ ኣየመጻእኩን። ናብኡ ክንበጽሕ ግን ርሑቅ ኣይመስለንን።  በቲ ሕጂ ተታሓሒዝናዮ ዘለና ሓድሽ መደባት’ውን ሓገዛትና ክሰፍሕ ምዃኑ’ዩ ዝርደኣኒ። ብፍላይ ኣብ’ቲ ዳሕረዋይ ማእከል ናይ’ቲ ምትሕግጋዝ ነቶም ካብ ኣራዊታዊ ጭፍራ ህግደፍ ኣምሊጦም ዝመጹ ኣስታት 1500 ዝኾኑ ኣቦን ኣደን ዘይብሎም ህጻናት፡ ንዘለዎም ከቢድ ጸገማት ንምሽፋን ዘኽእል ዓቕሚ’ኳ እንተዘየለ፡ ነቲ ዝርካቡ ዓይነታዊ ደገፋት ምግባርን ተስፋ ከይቆርጹ ኣብ ዘይተደላዪ ነገራት ከይኸዱ ምኽርን ሞራልን ምሃብ ዘትኮረ’ዩ። ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝብልኩኻ ግን ንካልኦት ኣይንሕግዝን ማለት ኣይኮነን። ዳርጋ ኩሉ ጽጉም ስለዝኾነ፡ እንገብሮ ሓገዝ ምስ ወለዶም ናብ ዘለው ህጻናትን ኣካለ ንስኩላንን’ውን ክልሕም ጻዕሪታት እንዳተገብረ’ዩ። ብቐንዱ እቲ ሒዘዮ ዝመጽእ ካብ ዝተፈላለዩ፡ ንኣብነት ካብ ሰላምን መሰል ዝብል ማሕበር፣ ሕብረት ኤርትራውያን ዝተባህለ ብደቅና ዝተጣየሰ ናይ ቃልስን ረድአትን ማሕበር፡ ብካልኦት ግዱሳትን ዝተዋጽአ’ዩ። እዚ ድሩት ዓቐን ዘለዎ ስለዝኾነ ናብ ውሱናት ሰባት’ዩ ዝበጽሕ።

ንምዕዳሉ ብዝምልከት ዝጥቀመሉ ኣገባብ፡ መጀመሪያ ምስ ኣካየድቲ ናይ ኣራ ተራኺበ እዋናዊ ጠለብ እንታይ’ዩ ኢለ ይሓትት፡ ምኽርን ሓበሬታን ይረክብ፡ ንሳቶም ድማ ተወኻኺሶም ነቶም ብትሕቲኦም ዘለው ሓቲቶም እዝን እዝን ሓጽረታት ኣለና ክሽፈን ዘይተኻኣለ ዝብል ሓበሬታ ይህቡ’ሞ ብምኡ መሰረት ምስ ጭቡጥ ትሕዝቶይ ኣዛሚደ ክግብሮ ዘለኒ ይገብር።

ሕቶ፡- እቶም ኣብ መዓስከራት ዘለው ወገናት ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጸገማት ከምዘለዎም፡ ዋሕዚ ስደት ድማ ብቀጻሊ ይኸይድ ምስ ምህላው ትገበሮ ሓገዝ ቀጻልነቱ ከመይ’ዩ?

ብ/ካሕሳይ፡- ብመሰረቱ ትምኒትና መንግስቲ ህግደፍ ካብ ሱር መረቱ ተበንቊሱ፡ ኣብ መቓብሩ ንኹሎም ህዝብታት ኤርትራ ብማዕረ ዝርኢ፣ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዘኽብር፡ ምስ ጎረባብትናን ዓለም ተሰማሚዑ ዝኸይድ፡ ብሕጊ ዝምራሕን ዝመርሕን፣ ሻንፈት ዘይረምጥጥ ዓይኒ ዘይፍጥጥ፡ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝጭርሖኡ ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል’ዩ። ቀልስና ቀጻሊ ክሳብ ዝኾነ ግን ብውድብ ለኸ ዝሓዝናዮ መደባት ክዓቢ፡ ንጽጉማት ወገናትና እንገብሮ ሓገዝ ዝተማለአ ክኸውን ብኹሉ ዓቕምና ክንረባረብ ኢና። ምኽንያቱ ኩነታት ክንዲ ዝኾነ ይጸንክር ዓቕምና ዝፈቕዶ ኩሉ ተጠቒምና ህዝብና ካብ ምርዳእ ኣይከነቋርጽን ኢና። ብወገና ተዓጢቕናሉ ዘለና ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓማማትና’ዩ። እዚ ግን ሃገር ለኸ ዝወረደ ህዝባዊ ጸገም ስለዝኾነ ኩሉ ብህዝቡ ዝግደስ ኤርትራዊ ከክንድታ ዓቕሙ ተፍቅደሉ በብቲ ዝድልዮ ኣገባብ ክረባረበሉ ምስ ዝኽእል ብዝያዳ ክቃለል ከም ዝኽእል ምርዳእ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

ሕቶ፡- ከም ጭቡጥ መግለጺ ብልሽዊ ምሕደራ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ’ቲ መዓስከራት ብብዝሒ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዘለው፡ ብፍላይ ደቂ-ኣንስትዮ ኣዝዩ ብዘሕዝን መልክዑ፡ ብዘይተደላዪ ጥንስን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ይሽገራ ከም ዘለዋን ኣብኡ በጺሖም ዝመጹ ሰባት ዝዛረብሉ ጉዳይ’ዩ ንስኻኸ እንታይ ተዓዚብካ እንታይ ምሂርካ ወይ ምዒድካ? 

ብ/ካሕሳይ፡- እዚ’ውን ካብ’ቲ ኣብ መዕስከር ስደተኛታት ዘሎ ኣሰቃቒ ተርእዮታት’ዩ። ብፍላይ እቶም ስድራ ዘይብሎም ቆልዑ ብናይ ረድኢት ማሕበር ስለዝኣለዩ ናይ ረድአት ማሕበር ድማ ክንዲ ዝኾነ ብጽፈት ይስራሕ ክንዲ ወለዲ ኮይኑ ክሕዝ’ውን ይፈትን ክንዲ ኣቦን ኣደን ክኸውን ኣይክእልን። ካብ’ቲ ብጭብጢ ዝተዓዘብክዎ ኣብ’ቲ ውዑይ ዕድመ ዝርከባ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዓስ ክር ዝብለን ስለዘይብለን /ስለዘይብሎም እንተብምትላል እንተብምፍርራሕ ክሳብ ኣብ ደቂ-12-13 ዓመት ዕድመ ናይ ጥንሲ ምንጻል ኩነታት ከምዘሎ’የ ተሓቢረ። ነዚ መሰረት ገይረ ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ኣስተምህሮ ሂበ ኣለኹ። ብደርጅኡ ዝቐነሰ ይመሰል ግን እቲ ጸገም ህልዊ’ዩ። ካብ’ቲ ዘሰከፈኒ ሓደ ናይ ጥንሲ ምስዳድ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ግዳይ ሕዱር ሓማማት ከይኾኑ፡ ግዲ የለሽ ኣተሓሳስባ’ውን የጥርዩ ብምህላዎም፡ መጻኢት ኤርትራ ናበይ ዝብል የሻቕለኒ። ኣብ’ቲ ዝገብሮ ኣኼባታት ብግልጺ ካብ ስርቂ ካብ ሓሶት ካብ ምትላል ካብ ጭካነን ፍኑው ስጋዊ ርክብን ነብሶም ክከላኸሉን ክድሕኑን ከምዘለዎም’የ ዝመክርን ዝምህርን። ኣቦኹም ኣደኹም ኣኽብሩ። ኣቦኹምን ኣደኹም ብቐረባ ኣብ ዘይብሉ ድማ መማህራንኩምን ኣለይትኹምን ኣኽብሩ እንዳበልኩየ ዝምህር፡ እዚ ኣስተምህሮ’ዚ ቀጻላይ ክኸውን’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዞም ህጻናት እዚኣቶም ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣረሜናዊ ጉጅለ ካብ ወለዶም ርሒቖም ሕማቕ ኣተዓባብያ ይዓብዩ ስለዘለው፡ ነዚ መዓስከራት’ዚ ክምሕደጎ’ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ኩሉ ግዱስ ድማ ክሓስበሉን ግብራዊ ተሳትፎ ከርእየሉን ከምዘለዎ ክጠቅስ ይደሊ።

ሕቶ፡- ዝኸበርካ ብ/ካሕሳይ ኤርትራውያን ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ዝወርዶም ዘሎ ብደላት ኣብ ታሪኽ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ካብ ዘስካሕክሕ ማእሰርትን ዘይተኣደነ ገነዘባዊ ክፍሊትን ሓሊፉ፡ ብምትሕብባር ናይ’ቲ ንኤርትራ ይመርሕ ኣለኹ ዝብል መንግስቲ፡ ውሽጣዊ ኣካላቶም ተተመዝሒቑ ኣብ ዕዳጋ ዝወርደሉ ዘሎ ኣሰካፊ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና፣ እቶም መሻርኽቲ ጭፍራ ህግደፍ ዝኾኑ ሸፋቱን ነጋዶ ሰብን ነዚ ሰብኣውነት ዝረሓቖ ተግባር ከም ቀጻሊ ምንጪ ቁጠባዊ እቶት ዝሓዝዎ ይመስሉ፡ ኣብ’ቲ መስመር ዝርከባ ሃገራት ሱዳን፣ ሊቢያ፣ ግብጽን እስራኤልን’ውን ንኣውያት ኤርትራውያንን ምሕጽንታ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣወንታዊ መልሲ ክህባ ኣይረኣያን’ሞ በዚ መስመር ንዝጎዓዙ ኤርትራውያን እንታይ መልእኽቲ ተመሓላልፈሎም?

ብ/ካሕሳይ፡- እዚ ካብ’ቲ ዘስቀቕ ተርእዮ ከም ምዃኑ መጠን ኩሉ ናይ ጥዑይ ሰብ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ፡ ከተሓሳስቦን ክሳቐየሉን ዘለዎ’ዩ ዝመስለኒ። እዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፍሉይ ሓልዮት ከርእያ’የ ኢልካ ትጽቢት ትገብረሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ መጀመሪያ ኣብ ኣተሓሕዛ ህዝብኻ ክትግደስ፡ ገዛኻ ከተጽርን ስለ ዝግባእ። ኣነ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኮነ፡ ኣብ ሱዳን’ውን ኣብ ዝኸድክሉ ምስቶም ስደተኛታት ክረዳዳእ ኣንፈት ክሕዙ፡ ጠንቂ ናይ ስደቶም መንግስቲ ህግደፍ ምዃኑ ከይዝንግዑ፡ መሰረታዊ መፍትሒ ናይ’ዚ ድማ ነቲ ጠንቂ ምውጋድ ደኣምበር ርሑቕ ስደት ከምዘይኮነ ይምህር’የ። ስለዚ እዚ ዝገለጽካዮ ኣብ ታሪኽ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ኣሰቃቒ ተርእዮ’ዚ ከም ሓደ መለዋወጢ ኣቑሑት፡ ቅያር ኣካላት ናይ ኤርትራዊ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ወሪዱ ክሽየጥ እንከሎ፡ ሓደ ካብ’ቲ ነብስ ወከፍ ኤርትራዊ ኣዕሚቑ ክሓስበሉ ከስተንትነሉን መፍትሒ ከናድየሉን ዝገበኦ ደኣምበር፡ ብካልእ ግዳማዊ ሓይሊ ክፍታሕ ትጽበዮ ኣይኮነን። እቲ ጠንቂ ኤርትራዊ፣ እቶም ግዳያት ኤርትራውያን፣ እቲ ዋኒን ናይ ኤርትራዊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ብህዝቡ ዝግደስ ወገን፡ ዝጠፍእ ዘሎ ወለዶ ድሒኑ ኣብ ሃገሩ ተመሊሱ ክመሃር፡ ክሰርሕ፡ ቤተሰቡ ክናቢ፣ ተመርዕዩ ክወለድ ክዝምድ ዘኽእሎ ፖለቲካዊ ባይታ ንምፍጣር ክቃለስ ኣለዎ። ምኽንያቱ እዚ ተርእዮ’ዚ ክውንን ኣሰቃቕን’ዩ።

እዚ ጉዳይ’ዚ መግትኢ ክረክብ፡ ገበነኛታት ተታሒዞም ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ፡ እተን ኣብ ሃገረን ገበን እንደተፈጸመ ያዕ ዘይብላ ሃገራትን መንግስታትን፣ ነዞም ብዘይካ ካብ ውልቀ ምልካዊ ጭፍራ ብዝወረዶም ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ምስዳዶም፡ ኣብ ርእሲአን ዝፈጸምዎ ገበን የለን። ስለዚ ብሰብኣውነት ብዝኸተማሉ ንምኽባር መሰል ስደተኛታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ውዑላት ተገዚአን ንመሰል ስደተኛታት ከኽብራ ዘዘኻኽር ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ብመዘክርራትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ናብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ድምጽና ኣስሚዕና ኢና። ገሊኡ ሰማዒ እዝኒ ዝረኽበ’ዩ። ገሊኡ ኸኣ ጸማም እዝኒ ዝተዋህቦ’ዩ። እቲ ፍታሕ ኣብ ኤርትራዊ’ዩ ዘሎ። ካብ’ዞም በዚ ሓደገኛ መስመር ዝጠፍኡ ዘለው ገለ መንእሰያት ኣብ ሱዳን ምስ ኣተው፡ ኣብኡ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኢምባሲ ህግደፍ ሓድሽ ፓስፖርት ከምዝወስዱ ሓበሬታ ኣሎ’ዩ። ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ ከም ዝበሃል ብሰንኪ’ዞም ከም’ዚ ዝገብሩ ካብ ቀታሊ ሃዲሞም ናብ ቀታሊ ዝሰግዱ ውሑዳት፡ ብዙሓት ንምድሓን ኣብ ዝግበር ፈተነ ገለ ዕንቅፋት ኣየጋጥምን ማለት ኣይኮነን፡ የጋጥም’ዩ።

 ናብ’ቶም መንግስታት እዚኦም ሃዲሞም ዝመጹ ስለዝኾኑ ኣድሕንዎም ኣይትእሰርዎም ኣይተከላብትዎም ዝብል ጥራዓን ምስ እተቕርብ እንታይ ትብሉ ኣለኹም እዚኦም ናይ መንግስቲ ኤርትራ መንነት ዘለዎም’ዮም ዝብል መልሲ ምስ ተዋህበካ ሓይሊ ትስእን። ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ግን ካብ ጸገማት ከድሕኖም ምስ ተኣስሩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንከውጸኦም ዓቕሙ ዘፍቅደሉ ካብ ምግባር ተቖጢቡ ኣይፈልጥን። ምስኦም ዝተጓዕዙ ኣሕዋቶምን ኣዕሩኽቶምን ኣብ በረኻታት ሲና ዓዕ እንዳበሉ  ገዲፈሞም መጺኦም ንስክላ ካብ ሞት ኣምሊጦም ኣብ ኤውሮጳ ምስ ኣተው፡ መሰነይታ ወረቐት ካብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ረኺቦም፡ እተን ሃገራት ምስተቐበላኦም፡ ተጣዒሰ ንዓደይ ኢሎም ፈውሲ ከም ዝተገብረሎም፡ ናብ መንግስቲ ህግደፍ ዝምለሱ’ውን ኣይተሳኣኑን። እዚ ካብ’ቲ ዘሕዝን ኩነታት’ዩ። “ካብ ካራ ዘምለጠት ደርሆ ናብ ካራ” ከም ዝበሃል መግረፍቲ ዝናፍቑ መናእሰይ ከምዘለው’ውን ሓደ ካብ’ቲ ዘሰንብደና’ዩ። መኻይዶም ብማይ ጽምኢ ኣብ ሰሃራ መይቶም ከይቀበሩ ገዲፈሞም፡ ኣበረኻታት ሲና ኣካላቶም ክቑረጽ ዝረኣዩ ክንሶም፡ ተመሊሶም ከም በዓል ፈውሲ፡  ወረቐት ናይ ህግደፍ መሊኦም ኣብኡ ትሙስሙስ ክብሉ ክትሪኦም እንከለኻ እንታይ ዓይነት ኣእምሮኦም ዝሰሓቱ’ዮም ዘብልካ’ዩ። ስለዚ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድና ግን ከኣ ከም’ዚ ዓይነት ዝተደዋወሰ ኣንፈቱ ዘይነጸረ ኣካይዳታት ዕንቅፋት የጋጥመና ከምዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ’ዚ ዘለናዮ ክንድሕን፡ ኤርትራዊ ሓድነት ከገድሰናዩ። ኤርትራዊ ሓልዮት ከገድሰና’ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክብሎ ዝደሊ ናይ ኩሉ ቅኑዕ ኤርትራዊ ሕልና ኣብ ጸረ-ህግደፍ ዘትኮረ፡ ኣምሳይኡ ንናይ ህዝብታት ልዕልነትን ወሳንነት ዝቕበልን ዘኽብርን፡ ብማዕረ ተኸባቢርና ብሰላም ንነብረላ ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክንሃንጽ ምእንቲ፡ ነዚ ዘሎ ኩምራ ጸገማት ክንስዕሮ እንተደኣ ኮይኖ ሓድነትና መተካእታ የብሉን’ሞ ውጹዕ ኤርትራዊ ሓድነትካ ኣትርር።

                              ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,908,641 وقت التحميل: 0.24 ثانية