Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ምስ ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ ዝገበረቶ ቃ&#46
أخبار

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምስ ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን

ሕቶ፡ ስደትን ሳዕቤናቱን ክመጽእ ዝገበረ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝዝወር ጉጅላዊ መንግስቲ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ዕንደራ ፖሊሲ ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። ብፍላይ እቲ ዋሕዚ ስደት ብደረጃ ስድራ-ቤት ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረግቶትን ካብ ወለዶም ጠፊኦም ዝመጹ  ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሜኦም ህጻናትን ዘጠቓለለ ምስ ምዃኑ ኤርትራ ሕጂ ናበይ ተምርሕ ኣላ ክንብል ንኽእል?

ብ/ካሕሳይ፡- ብፍላይ ኣብ’ቲ ቅድሚት በጺሕካ ወለዶ ሃገሩ ገዲፉ ክብተን፡ ዓይነ-ስውራት ዓዶም ገዲፎም ክኸዱ፣ ዓበይቲ ኣቦታት ኣዴታት ዓዶም ገዲፎም ክኸይዱ፣ ህጻውንቲ ብዘይ ኣቦን ኣደን ብሕማቕ ኣተዓባብያ ክዓብዩ ክትርኢ እንከለኻ ናይ ጽባሕ ኤርትራ እንታይ ክትከውን’ያ እንታይ ክትመስል’ያ ኢልካ ምስ ተሓስብ ብሓቂ ትጭነቕ። ብትኽክለኛ ኣወንታዊ ኣእምሮ ንዘለዎ ዜጋ ዘየደቅስ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይመስለንን። ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ኣብ ወርሒ ካብ 12-13 ዝዕድሜኤን ህጻናት ክሳብ 20 ናይ ጥንሲ ምንጻል ተርዮታት የጋጥም ክበሃል እንከሎ’ኮ፡ ስሩት ባህሊ፣ ልምድን ሃይማኖት  ኤርትራ ተሳዒሩ ፍኑው ኣተዓባብያ’ዮም ዝዓብዩ ዘለው። እዚ ከይቕጽል ደው ከነብሎ ዘለና ድማ ንሕና ኢና። ኣብ ኢድና ዘሎ፣ ኣብ ውህደትና ዘሎ፣ ጭዋዳታትና ኣትሪርና ምስ ምቅላስ ዝተኣሳሰር ብምዃኑ፡ ናብ ካልእ ከየማዕደና ወይ ንጽባሕ ኢልና ብይጽነሓለይ ከየወንዘፍና ቀዳምነት ሂብና ክንፈትሖ ክንረባረብ ኣለና። ከም’ዚ ዘለዎ ክቕጽል ዕድል እንተሂብናዮ ግን እቲ ዘኹርዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒትን መንነትን ክህሰ ምዃኑ ክስቆረና ይግባእ። ብደረጃ ህጹጽነቱ ነብስ ወከፍ ብህዝብን ሃገርን ዝግደፍ ሰብ ናይ መጀመርያ መርሖኡ ሰሪዑ ክሰርሓሉ ዝግባእ ጉዳይ ምዃኑ ከየዘኻኸርኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣብ መን መርሐ፡ ኣብ ሕቶ መሪሕነት ክትበኣስ፡ እዋኑ ኣይኮነን። ሎሚ ዝምራሕ ነገር የለን። ኣብ ኣመራርሓ ዝዋጠጡ ዝበኣሱ ክርኢ እንከለኹ ካብ’ቲ ዘስንብደኒ ነገር’ዩ። ምምራሕ ማለት’ኮ ምግልጋል’ዩ። ምኽዳም’ዩ። ባሪያ ምዃን’ዩ። ከተሽካዕልለሉ እንተኾንካ ግን፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጭፍራ’ውን እኮ ይመርሕ ኣለኹ’ዩ ዝብል ዘሎ። ብተግባር ግን ናይ ትፍኣት መራሒ፣ ናይ ህልቂት መራሒ፣ ናይ ጥሜት መራሒ፣ ናይ ወለዶ ምብራስ መንግስቲ’ዩ። ስለዚ ሕጂ ኣበረኻ ኢና ዘለና፣ ዝምራሕ ነገር የብልናን፣ ናብ ስልጣን ዘጓዪ ነገር የብልናን፣ ስልጣን ናይ ህዝቢ’ዩ ዝብል እምነት እንተደኣ ሃሊዩና ኮይኑ፡ ኣብዘየለ ኣብዘይመድረኹ ንስልጣን ካብ ምቁርቛስ ኣብ ህንጸት ሓይሊ ሓሳብ ነድህብ። ካብ’ዚ ወጻኢ ገና ኣብ ታተ እንከለና እንተደኣ ኣብ ሕቶ ስልጣን መን ቀደመ ንስሓሓብ ኮይና፡ ጉዳይና ንምፍታሕ ኣጸጋሚ ክኸውን’ዩ። ስለዚ ሕጂ’ውን ኣሎ ዝበሃል ምንቅስቓሳት በርገሳውያን ማሕበራት፡ ብዝተፈላለዩ ኣስማት ዝጣየስ ዘሎ ናይ መንእሰያት ይኹን ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ማሕበራት፡ ሽግር ህዝብታት ኤርትራ ምፍታሕ ናይ መጀመሪያ ዛዕባና ክኸውን’ዩ ዝግባእ። ቅድሚ’ዚ ውልቀ ድሌታትካ ኣብ ቅድሚት ሰሪዕካ  ካልእ ኣማራጺ ምርኣይ ናይ ጥፍኣት ጥፍኣት ካብ ምጽባይ ሓሊፍ ካልእ ትርጉም የብሉን። ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዝብሎ ነገር እንተሃለወ ዘይመሰረታዊ ካልኣዊ ፍልልያትና ብንቕሓት ወጊድና፡ ህዝብታትና ብሓሳብ ተሓቛቚፉ ኣብ ሃገሩ ክነብር፡ ምስሊ ፖለቲካ ሃገርና ናብ ንቡር ክንመልሶ፡ መንእሰያት ክመሃሩ ክመራመሩ ሃገሮ ክመርሑ ክበቕዑ እንተደኣ ይድለ ሃልዩ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዘይተደላዪ ምስሕሓባት ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚርካ ክሳብ ፖለቲካዊ ውድባት ክዕጠቐሉ ዘሎ ውዕውዑ  ሕቶ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

እዚ ዝብል ዘለኹ እናሻዕ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ጸገማት ብዓይነት ይርኢ ስለዘለኹን ክብል ስለዘገድድን መብዛሕቲኡ ግዜ ድማ ምስ ንብዓተይ ስለ ዝቃለስን’ዩ፡፡ ኣብ ሓድነት ዓወት ኣሎ። ኣብ ምጽውዋር ምዕባለ ኣሎ። ኣብ ሓልዮትን ምድግጋፍን ምድሓን ህዝብታት ኣሎ። ስለዚ ናይ መጀመሪያ ስራሕና ነዚ ደኣምበር ንውልቃዊ ስልጣን ክኸውን የብሉን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንውልቃዊ ስልጣን ዝግበር ምትህልላኽ ብሰንጠቕ ክንቃለሶ ከም ዘለና ኣትሪረ እላቦ።   

ሕቶ፡- ብጻይ ካሕሳይ መበል 21 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ 2012 ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መሬት ኤርትራ ከም ዘኽበርካ ኣብ ኢንተርኔት ዝተዘርገሐ ዜና ተኸታቲለ ነይረ፡ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ክትብለና ትኽእል?

ብ/ካሕሳይ፡- ሕጂ ነርቨይ ተንኪፍካዮ! ብትኽክል ንመጀመርያ ግዜ ናጽነት ኤርትራ  ምስ ህዝብና ምስ ሰራዊትና ኣብ መሬት ዓድና ከነብዕል እንከለና ዝተሰመዓኒ ሓጎስ ቃላት ‘ውን ኣይረኽበሉን። ናይ ካልኣይ ምውላድ ስምዒት እዩ ተሰሚዑኒ። ድሕሪ 37 ዓመት’የ ኣብ መሬት ዓደይ ኮይነ መዓልቲ ነጻነት ከብዕል ክኢለ። ዋላ እኳ ኣብ 2002 ጸላኢ ገዲፍዎ ምስ ከደ ኣብ ሰንዓፈ  ከይደ እንተነበርኩ፡ እዚ ናይ ሎሚ በዓል ነጻነት ግን ፍሉይ ስምዒት’ዩ ፈጢሩለይ። ካብ’ቲ ፍሉይ ስምዒት ዝፈጠረለይ ድማ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ነቲ ብዓልን ነቲ መግለጽን ኣብ ፓል-ቶክ ስመር ልዕሊ 700 ሰባት ብመጉልሒ ናይ ቴለፎናት ክከታተልዎ ምኽኣሎም’ዩ። እዚ ንህዝቢ ዓድታት ቅኒንን ቅኒቶን ከምኡ ‘ውን ንናይ ፕሮፖጋንዳ ውደባን ዕጡቕ  ኣሃዱታትና ፍሉይ ስምዒት ነይርዎ። ብጉጅለ ባህሊ ስኒት ተዓጂቡን ደሚቑን  ምስ ፈተውትናን ጎረበትናን ብምኳን ዘኽበርናዮ ፍሉይ መደብ ብምንባሩ፡ ንዓይ ናብ ንእስነተይ ዝመለሰኒ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ ክብል ይኽእል።

ሕቶ፡- ንስለ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ብምቅላስካ ጥራሕ ከም ገበን ተቖጺሩ መሬት ሃገርካ ከይረገጽካ ዓሰርተታት ዓመታት ጌርካ፡ ከም ኣጋጣሚ ኣብ ጽምብል ነጻነት ምስቲ ብዕልልታ ዝተዓጀበ ስሩት ኤርትራዊ ባህሊ ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ ወለድኻ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ምርኻብካ ከም ተጋዳላይ ካሕሳይ እንታይ ስምዒት ፈጢሩልካ?

ብ/ካሕሳይ፡- ከምቲ ኣቐዲመ ክብሎ ዝጸናሕኩ ሓያል ስምዒት እዩ ተሰሚዑኒ፡ ብፍላይ ናይተን ክልተ ዓድታት ሽማግለታት ረኺበ ምስ ኣዕለልክዎም፡ ክሳብ ክንደይ ብህግደፍ ጅሆ ተታሒዞም ክሳቐዩ ምጽንሖም ዘርእየካ ብሩህ ነገር’ዩ ነይሩ። ተወለድቲ ናይ’ዘን ዓድታት ውሑዳት ኣይኮኑን ብዙሓት’ዮም። ብሰንኪ ህግደፍ ስለዝተበታተኑ ግን፡  ቅኒን ኣስታት 50 ዝኾኑ ገባር ዘለዋ፡  ቅኒቶ ድማ ኣስታት 150 ዝኾኑ ገባር ኣለውዋ። ካብዚ ናይ ስደት ሒዘዮ ዝመጻኹ ቁሩብ ተረፍ ገንዘብ ነተን ክልተ ዓድታት ብረሾ መቒለ ከረክቦም ብምባል፡ ኣብ ዶብ ናይ ክልቲአን ዓድታት ነቶም ሽማግለታት ብምእካብ፡ ዝኣክል ሒዘ ብዘይ ምምጻአይ ይቕሬታ ሓቲተ፡ ነተን ሒዘሎም ዝመጻኹ 10.000 ብር  ኣረኪበዮም።  ንሳቶም ብወገኖም ከም ናይ ህዝቢ ውድብ  ንዓና ምዝካርኩም ጥራሕ እኹል እዩ፡፡ ካብኡ ዝዓቢ ኣሃዱታትኩም ህድሞታትና ሰሪሖሙልና’ዮም፡፡ ንዓቕሚ ዘይብሎም ግራውቶም ሓሪሰምሎም’ዮም፡፡ ብተወሳኺ ‘ውን ንክልተ ዓድታት ኣኪብኩም ንበዓል ናጽነት ብድሙቕ ኣገባብ ከተብዕሉ እንከለኹም ህዝባውነትኩምን ብቕዓትኩምን ኣረጋጊጽና ኣለና ብምባል፡ ብግልጺ ጸላኢ ከይምለሶም ከም ዝምነዩ ሓቢሮም። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ሓድነተን ከረጋግጻ ኣለወን ክብሉ ድማ ኣትሪሮም ተላብዮምና። እዚ ኩሉ ድማ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ብምስልን ድምጽን ናብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ተመሓላሊፉ ኣሎ።    

ሕቶ፡- እቲ ህዝቢ ናይ’ተን ዓድታት ኣብ መንግስቲ ህግደፍ ዘለዎ ርድኢት እንታይ ይመስል? ማሕበራዊ መነባብርኡ’ኸ ከመይ እዩ?

ብ/ካሕሳይ፡- ማሕበራዊ መነባብርኦም ጠቕሊሉ ዝተጎሳቖለ’ዩ። ኣብ ግዜ ህግደፍ ዝተበደሉ ህዝብታት ‘ዮም። ኣብ ሓዲግ ‘ዮም ዘለው። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣትዮም ዘድሊዮም ከይሽምቱ  መንገዲ ዝተዓድጾም ‘ዮም፡፡  ናይ ማይን መግብን ጸገማት ኣለዎም፡ ኣማራጺ ዘለዎም ናብ ውሽጢ ትግራይ ኣትዮም ምሽማት እዩ። ነዚ ጸገም’ዚ ንምቅላል ብውድብ ደረጃ ብጾት ምስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ተራኺቦም  ናይዘን ክልተ ዓድታት ጥርዓን ኣቕሪቦም ‘ዮም። መንግስቲ ክልል ትግራይ ገለ ሓገዛት ገይሮም’ዮም። ናይ ጽሩይ ዝስተ ማይ ጸገም ግን ዛጊት ፍታሕ ዝረኸበ ኣይኮነን። ኣሃዱታትና ኣብቲ ቦታ ብምህላዎም ንዝተጸገሙ ስድራቤታት ብምሕጋዝ ግቡኦም የበርክቱ ኣለው። ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ስቪካዊ ማሕበራት፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ ውልቀ-ሰባትን ንህዝቢ ናይ’ዘን ክልተ ዓድታትን ነቶም  ኣብ መዓስከራት ዘለው ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ንምርዳእ ጻዕርታቱ ከሐይል እላቦ።

ሕቶ፡- ብጻይ ካሕሳይ እዚ ህግደፍ ዘምጽኦ ኩምራ ጸገማት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክፍታሕ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል?

ብ/ካሕሳይ፡- ሽግርና ክንፈትሕ ብልቢ ንቃለስ እንተድኣ ሃሊና ኮይና፡ ብመጀመሪያ ውሽጣዊ ስስዐን በለጽን፣ ውድባዊ ትምክሕትን ጽበትን፣ ብሄራዊ ትምክሕትን ጽበትን፣ ሃይማኖታውን ትምክሕትን ጽበትን ካብ ነብስና ከነወድ፡ ህዝባውን ሓባራውን ኣረኣእያ ክንውንንን ይህልወና። ምኽንያቱ ካብ ትምክሕታውን ጸቢብን ኣተሓሳስባታት ነብስና ሓራ እንተዘይገይርና መፍቶ ጸላኢ ክንከውን ኢና። ስለዚ በየናይ መልክዕ ወይ ኣገባብ ይግለጽ ብዘይገድስ ትምክሕታዊ ኣረኣእያን ንሱ ዝወለዶ ፈታውን ጸላእን ዘይፈሊ ጸቢብ ኣተሓሳስባን ዕንቅፋት ናይ ዓወትናን መሰረታዊ ፍታሓትን ብምዃኑ፡ ብደርባዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ክንስዕሮ ዘለና። መሰል ምኽባር ዝብል፣ ፍቶታዊ ማዕርነት ዝብል፣ ወሳንነት ህዝብን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ዝብል፣ መሰረታዊ ኣተሓሳስባታት ኣብ ኣእምሮና ልዕና ክሕዝን ኣብ ተግባር ክንሰርሓሉን ይግባእ። ምልኪ ኣብ ዘይበረሰሉ፡ ሃገራዊ ሰላም ኣብ ዝተዘርገሉ፡ ኣድሕኑና ዝብል ኣውያት ህዝብታትና ሰማዪ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ኤርትራዊ ኣካላት ተቖራሪጹ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ኣብ ዝወረደሉን ኣጨናቒ መድረኽ፡ ናይ ስልጣን ውድድር ቦታ ክወሃቦ የብሉን።

 ነቲ ባሕሪ ብሓባር ንስገሮ፡ ነዚ ክንሰግሮ  ከኣ ንህግደፍ ምስ ናይ ጸጥታ ትካላቱ ካብ ስሩ ብምምሓው ንደርብዮ። ኣብ መቓብሩ ህዝባዊ ስርዓት ንምትካል ንረባረብ። ነዚ ንምግባር ድማ ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ከነወግድ፡ መሰረታዊ ፍልልያት ድማ ብግቡእ ከነመሓድ ክንበቅዕ ኣለና። ህግደፍ ካብ ኣብዘሓ ህዝብታት ኤርትራ ዝተነጸለ፡ ብደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝተፈንፈነ፡ ብቀንዱ ኣብ ውሱናት ወተሃደራዊ መኮነናትን ዕሱባት ወይጦታት ዝተሓጽረ ዝመሽመሸ ናይ ውሑዳት መንግስቲ ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምጉሓፉ ከቢድ ጸገም ኮይኑ ኣይረኣየንን። ጸገምና ሓይሊ ህግደፍ ዘይኮነ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዘይቅርዑይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን’ዩ። ኣብ ውሽጥና ዘሎ ምትሕንዃላትን ግልጽነት ዘይብሉ ኣሰራርሓን’ዩ ድራር ጸላኢ ዝገብረና ዘሎ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ብንቕሓት ክሳብ ዘይሰገርናዮ ግን፡  ክንዕወት ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ንመንግስቲ ህግደፍ ነበረ ክንገብር ይድለ እንተድኣ ሃልዩ፡ ከምቲ “እንተክንብርኩት’ስ ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝብል ምስላ  ኣቦታት፡ ህግደፍ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝብና  ምዃኑ ብንጹር ምቕማጥ ከድሊ’ዩ።፡  መሰረታዊ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብመትከላት ናይ ሓድነትን ቃልሲን ከነመሓድር፡ ዘይመሰረታዊ ፍልልያትና ድማ ከነወግድ ከድሊ’ዩ። ዝተበታተነ ዓቕሚታትና ኣላፊና ሓሳብ ምስ ግብሪ ኣጠዓዒምና ቀዳምነት ክወሃብ ዘለዎ ቀዳምነት ሰሪዕና ክንወፍር ከድሊ’ዩ። ብከም’ዚ ንኩሉ ህዝቢ ኣሕቢርና ተቓሊስና ከነቃልስ እንተድኣ በቒዕና፡ እቲ መንገዲ ሓጺር ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርን።

ሕቶ፡- ዝኸበርካ ብጻይ ካሕሳይ ይሕደጎ ሕቶታተይ ኣብዚ ወዲአ ኣለኹ፡ ብወገንካ ዘየልዓልናዮም ክበሃሉ ኣለዎም ትብሎም ነገራት እንተለካ ዕድል ክህብካ?

ብ/ካሕሳይ፡- ብወገነይ ንፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ንስለ’ቲ ቅኑዕ መስመር ጨቢጥኩም ንመላእ ህዝብታት ኤርትራ ብማዕረ ዘተኣናግድ ትገብርዎ ዘለኹም ዘይሕለል ናይ ቃልሲ ምርብራብ፡ የመስግን።  ንመላእ ህዝብታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብዝተፈላለየ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ተጠራኒፉ ንዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ድማ፡ ፖለቲካ ሃገርና ናበይ የምርሕ ከምዘሎ ብልቦናን ርግኣትን ጠሚቶም  ንብዙሕነት ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሃይማኖታትን ብሄራትን ቅቡል ብምግባር መስመር ሒዙ ዘላቒ ዝኾነ ፍታሕ ንምምጻእ ክቃለስ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ  መልእኽተይ ከመሓላልፍ ይፈቱ።

ዝኸበርካ ብጻይ ካሕሳይ ይሕደጎ ንስለቲ ዝሃብካኒ ረዚን ትሕዝቶ ዘለዎ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ፡ ብስም ኩሎም ሰማዕቲ ሬድዮ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራን ብስመይን የመስግነካ የቐንየለይ።

                        ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

                          Email address hdemocrasia@yahoo.com

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,285,707 وقت التحميل: 0.23 ثانية