Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ህጹጽ ዜና ካብ ምብራቃዊ እንባታት &#47
أخبار

ህጹጽ ዜና

ካብ ምብራቃዊ እንባታት ኤርትራ፡ 

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘዋፈሮም ዕሱባት አብ ምብራቃዊ እንባታት ኤርትራ ህዝቢ ናይ ምጽናት ዕማም ተታሕዞሞ አለው።

ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝመጸና ህጹጽ ዜና ከምዝሕብሮ ህዝቢ ዓዲ “ላዔታን” ብዕሱባት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝበጽሖም ዓመጽ ብጅግንነት ይምክቱ አለው።”ላዔታን” ኣብ ከባቢ ታሪኻዊት ዓዲ “ሮብሮብያ” እያ ትርከብ።

ናይ`ዚ አብ ልዕሊ ህዝቢ “ላዔታን” ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ቀነዲ መበገሲ ድሕሪ ምስዋር ኣማሓዳሪ ናይ “ላዔታን” እዩ።እቲ አማሓዳሪ ናይ ትውልዲ ቦትኡ “ሮብሮብያ” እዩ።

እቲ ኣማሓዳሪ ማእከላይ ዕድሜ ዘለዎን ብህዝቢ እቲ ከባቢ ፍትውን፡ ንረብሕኦም ኩሉ ዝካአሎ ከም ዝገብር ይምስከረሉ።እቲ መራሒ ዝተሰወረሉ ኩነታት ዘይብሩህ አብ ልዕሊ ምኻኑ ክሰብ ሕጂ አበይን ከመይ ከም ዘሎን ዝተፈልጠ ነገር የለን።ነቲ መንግስቲ ራሕሪሑ ድዩ ከይዱ ወይስ እቲ ስርዓት ዝለአኾም ናይ ጸጥታ ሐይልታት ሰዊሮሞ አለዉ ገና አብምልክት ሕቶ ይርከብ። እቶም ናይቲ ስርዓት ዕሱባት ክንዲ አብ ልዕሊ እቲ አማሐዲሩ ወሪዱ ዘሎ ናይ ምስዋር ኩነታት ዘጻርዩ፡ ንባዓልቲ-ቤቱ ንቀረባ ቤተ-ሰቡን ክአስሩ መጺኦም።ነዚ ኩነታት ዝተዓዘቡ ተቀማጦ እታ ዓዲ ንባዓልቲ-ቤቱ ሒዞማ ክኸዱ አየፍቀዱን ብትሪ ድማ ተቃዊሞም።ህዝቢ`ታ ዓዲ ብበትርን እምንን ዘርአይዎ ብርቱዕ ተቓውሞ እቲ ኩነታት ካብ ቅጽጽር ወጻኢ ከይዱ፤ዋላካ እቶም ናይ ስርዓት  ልኡካት ዘመናዊ አጽዋር ሕዞም እንተነበሩ ህዝቢ ብዘይ ፍርሒ ገጢምዎም ብዝሕ ደም ፈሲሱ።ናይ ህዝቢ ነድርን ቅጥዔን ዝተዓዘቡ ህግደፋውያን ነቲ ክትግብርዎ ዝመጹ ናይ ምእሳር ስራሕ ከይፈጸሙ ከይዶም።ንጽቢሒቱ ተወሳኺ ሐይሊ ሰብን አጽዋርን ብምሐዝ ናብታ ዓዲ ተመሊሶም፡እቲ ግፍዒ ክብቲ ዝሐለፍ ማዓልቲ ብዝኸፍኤ መልክዑ ቀጺሉ፡ልኡካት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብቶ ተቀማጦ`ታ ዓዲ ብዙሐት ደቂ-ተቧዕቲዮ ብምእሳር ሒዞሞም ከይዶም፡ እቲ ቀንዲ ዘምጽኦም ንብዓልቲ-ቤት አማሐዳሪ ንምእሳር ዝነበረ ውጥን አይቀንዓነሎምን፡እዚ ኩኸውን ዝገበረ ምኽንያት አንስትን ቆልኡትን ምስ ኩሎም ተቀማጦ “ላዔታን” ዘርአይዎ ናይ ምክልኻል ጅግንነት እዩ።

 ሕጂ እቲ ወጥሪ ንግዝይኡ ዝሃድኤ ይመስል ግን ህዝብቲ ከባቢ ንስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ጽቡቅ ገሮም ስለዝፈልጥዎ ኣብ ዝኮነ ግዜ ዕሱባት ብምልአኽ ከልእ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከይወስድ አብ ተጠንቀቅ ይርከቡ።

ከም ዝዝከር አብ 2009 ዓ.ም አንጻር ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ዓቢ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝተኻየደሉ ከባቢ እዩ።ሽዑ`ውን ህዝቢ “ሮብሮብያ” ከባቢአን ዝተሳተፍዎ ሰፍሕ ተቃውሞ እዩ ነሩ።ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ አብ ውሽጢ ሃገር ንህዝቢ`ቲ ከባቢ ንምርዓድን ምንብርካኽን ዝተፈላየ ዓይነት ዘመናዊ ኣጽዋርን ሄሊኮብተራትን አሰኒዩ ዘካየዶ መጥቃዕቲ እዩ ነሩ።ህዝቢ`ቲ ከባቢ ብምረት ዝዝከር መጥቃዕቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ህዝቢ ከጽንት ተዓጢቁ ዝፈጸሞ እከይ ተግባር ምኻኑ ይፈልጡ። ህዝብ`ቲ ከባቢ ብጅግንነቱ ፍሉጥ ብቀሊሉ ዘይንብርከኽ ካብ ጥንቲ አትሒዙ ይምስከረሉ።ንአብነት ናይ ኢትዮጰያ ናይ ምስፍሕፍሕ መሳፍንቲ ሕልምታት ኣብ ምግጣምን ንመስውእቲ ድልዋት ምኻኖም ዘረጋገጹሉ ብዙሕ ግዜ ነሩ፤ ብራስ አሉላ ዝፍለጥ መስፍን አብ 1879 አብ “ሮብሮብያ” ኩናት ገጢሞም ከምዝሳዓርዎን ሰራዊቱ ሕዙ ንአስመራ ከም ዝሃድም ገሮሞ።

 በዚ ኣጋጣሚ ንኩሎም ናይ ውሽጢ ዓድን ዓለምን ናይ ዜና ማዕናት ተኸላኸልቲ መሰላት ደቂ-ሰብን ከምኡ`ውን ተቃወምቲ ውድባትን አባላተንን ብዘለዎም ዓቕሚ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝበጽሕ ዘሎ ገበን ከቃልዑን ክከላኸሉን ጻውኢትና ነቅርብ።ነዚ ህዝቢ ናይ ምጽናት ሰራም ስራሕ ክምክትዎ ኣብ ውሳኔ ዝወስዱ ዓለማዊ ትካላት ብህጹጹ ክተብጽሑልና ድማ ነማሕጽን።

እዚ ጅግና ህዝቢ ዓዲ አብ አምላኹ(ረቢ) ብምምርካስ ኩሉ ክበጽሖ ዝኽእል ተጻብኦታት ህግደፍ ክምክት ተዓጢቁ አሎ።

 ዝኾነ ካብቲ ከባቢ ዝመጸና ሐበረታ ኣብ ግዝይኡ ክንሕብር ኢና።

20/08/2012

አሕመድ ነጋሽ

ahmednagash@yahoo.com

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,905,360 وقت التحميل: 0.36 ثانية