Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
16/10/1445 (24 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 67 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ያኣልክ ዘረባ

ካብ ዚኦም ንገላግሎ ንህዝቢ

ERITREAN Tyrants 012.jpg

ያኣክል ዘረባ ነተግብሮ እቲ ሕድሪ

ወዲ ሰብ ሓላፍ እዩ ታሪኽ ግን ነባሪ//

ንነጻነት ንሓርነት

ተቃሊስና ንሰላሳ ዓመት

ምስ ኣራጋገጽናዮ ነጻነት

ተመኒና ክትከውን ሃገረ ገነት//

እወ

ነዛ ሃገር ደሚናላ ትማሊ

ዓመጽ ምስኣ ክትበሊ

ግን ኣይነበረን ኣኻሊ

ምልኪ ወሊዱ ቲ ዓቅሊ

ንግዛእ ኣሎና ብሕጊ ኣድገ ብቕሊ//

ስለዚ

ያኣክል ዘረባ ደቂ ኤረይ

ዋዕሮ ምስ ሽደናይ

ንህዝቢ ንምድሓን ኑዑናይ

ክቅበሉና ኣያይ ምስ ኣቦይ

ምስ ሃደሙ እኒ መንደላይ

ክዕልላ በዓል ኣደይ

እንዳበላ ሎምስ ወጊሑለይ

በዓል ኣብሻይ ማዓሮይ ሳንዳይ

ክዘላ እንዳ በላ ንሃንሰይ

ንመስቀለይ ድርብ ኮቦሮ ሓዛለይ//

ውድባት ያኣክል ዘረባ

ሰራዊትክን ኣብ ሓደ ኣክባ

ህዝቢ እንዳ ተሃርመ ብዳርባ

ህግደፍ ኣፍሪሶሞ ሕጊ እንዳባ

  ንኤረትራ የጽንትዎ ኣለዎ ንህዝባ//  

ያኣክል ዘረባ ነተግብሮ እቲ ሕድሪ

ኢሰያስ ኣብ ድኽመትና ይነብር

ሞይቱ ኮሎስ ድላዩ ይገብር

ተሳኢኑ ሕድሪ ሰማእታት ዘተግብር

ገጢሙ ኣሲሩ ኣብ ሓመድ ዘንገርግር//

ያአክል ዘረባ

እንባታት ምስ ኩርባ

ተዛረባ ኣዳል ቶጎሩባ

ከም ቀደምክን ተቐረባ

ንተኣኻኸብ ኣሎና

ካብ ሩሑቕ ቀረባ//

ያኣክል ዘረባ ነተግብሮ እቲ ሕድሪ

ደቂ ሾሞንተ ኣውራጃታት ክተቱ

ህዝቢ እንዳ ጸነተ ኣይትታዓመቱ

ብሂወቱ ኮሎ እንዳ በለና ሞይቱ

ጻሕታሪ ዕግርግር ኣኺሉ ውድቀቱ//

ያኣክል ዘረባ

ኣየናይ ዲክታቶር ኣሎ

ብዘረባ ዝተሳዕረ

ዘዝተዛረበ እንዳ ታኣስረ

ተባህለ ህዝቢ እንዳ ማረረ

ወዲ ሃገር መሪርዎ ዶብ እንዳ ሰገረ

እንታይ ክመጻና ካብዚ ዝመረረ//

እወ

                    እንዳ ኣውረደና ናብ ዕዳጋ          

እንዳ ሸጠና ከም ጉዚ ስጋ

ህዝቢ ኣጥምዩ ይበልዕ ኣድራጋ

ዘይንሰብሮ ብበትሪ መሾንጎጋ//

ኣሎዶ ከማና ዝመረሮ

ብኢሰያስ መራሒ እንባጋሮ

ሕጊ ዓዋሉ ቅተሎ እሰሮ

ነጻነትና ተጨውዩ

ብጭፍራ ቁንጣሮ//

ነተግብሮ እቲ ማሕላ

ኤረትራ ክወግሓላ

ንዋዕሮ ክሕሎ መሰላ

ንኢሰያስ ድራኩላ

ዕምሩ ነሕጽረላ

ደቂ ኤረይ ድርብ ክዕልላ//

ያኣክል ዘረባ ነተግብሮ እቲ ሕድሪ

ኣብ 75 ዝተገበረ ቅያ እኮሎ

ደርጊ ንህዝቢ ምስ ቀተሎ

ኮማዶስ ተበጊሶም ካብ ዶንጎሎ

ብእግሮም ኣስመራ ደበኽ ኢሎም

በላዕ ጣዕዋ ብረት ምስ ከልከሎም

መኻዚኖ ሰይሮም ብረት ተዓዳዲሎም

ትዝክሩ ዶ ክካላኸሉሉ ንህዝቦም//

ኣብ ግዝየኻ ዋርሳይ ደኣ

እታ ዋዕሮ ብጀነራላት

ምስ ተጋህሰ ክብረታ ሰጊኣ

ይካኣሎ ምስ ኮነ በዳሊኣ

ምስ ተዓዘመ ዋርሳይ መሰተኣ

ምሱኡ ሓቢራ ኣርሒቓ ጠፊ

መደምደምታ ንግበረሉ

ንህዝቢ ኤረትራ ክሓልፈሉ

ውድባት ሰሚርኩም ንቐሉ

ሹዑ መንእሰይ ክዓስለኩም ባዕሉ

ንህግደፍ ካብ ሱሩ ነቒሉ

ነስመራ ክእትወኩም ሓዚሉ//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,393,912 وقت التحميل: 0.24 ثانية