Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈ&#472
أخبار

ER Democratic Allaince 012 A.jpg

ጋዜጣዊ መግለጺ

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ፡

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዕለት 01/10/2012 ኣብ ዝጀመረ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳ ሰሪዑ ዝረኣዮ ጉዳይ ብዛዕባ ብዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ፡ ንባሕቲ መስከረም 2012 ኣመልኪቱ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡ ዕምቆት ብምርኣይ እዚ ከኣ፡ ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋኣቲ  ይኹን ክሳብ ሕጂ ኣብ ምምካት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፈሎ ዘሎ መስዋእትን፡ ዝትንክፍን ዘናሹን፡ ንኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣከዋውና ህዝቢ ኤርትራ ዘናኣእስን ስለዝኾነ ነዚ ብዲምሓኩኤ ዝወጸ መግለጺ ብኩሎም ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣካላት ህዝቢ ኤርትራ ዝኹንኑ መግለጽታትን ጽሑፋትን ብምውጻእ ንጀማሪ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጀግና ስዉእ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ምትንካፍን ምንሻውን ኣብ ዝኾነይኹን ግዜ ዘይምኹኑይ እኩይ ተግባር ምዃኑ ብምርግጋጽ  ንኩሉ ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራን ብ24 ግንቦት 1993 ብውጽኢት ብረታዊ ቃልሲ ንዝተረጋገጸ ሃገራዊ ናጽነት ዝትንክፍ ብምዃኑ ኣስሚረምሉ። ስለዚ ዲምሓኩኤ ብዝወሰዶ ዘይሓላፍነታዊ መርገጺ’ዚ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ክወስዱ ግድን ይኸውን።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብ ፖለቲካውን ስርዒታውን ሓላፍነቱ ብምብጋስ ዲምሓኩኤ ንህዝቢ ኤርትራ ብጽሑፍ ይቕሬታ ከቕርብ ተሓቲቱ። ይኹን ደኣምበር ኣብ መርገጺኡ ጸኒዑ ብምርካቡ ኩሎም ኣባላት ኪዳን እንኮላይ ዲምሓኩኤ ዝተሰማምዕሉ ሰነዳት፡ ነዚ ብምግሃሱ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብ ልዕሊ ዲምሓኩኤ ፖለቲካዊ ቻርተርን ቅዋምን ኤዲኪ ከተግብር ይግደድ።

በዚ መሰረት፡-

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ቻርተር ኤ.ዲ.ኪ ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ሓፈሻዊ መትከላት ዝብል ኣብ ቁ (2) ”ብጅግንነታዊ ሃገራዊ ተጋድሎ ዝሰረጸ ሃገራዊ ሓድነት ምዕቃብን ምዕዛዝን”፡ ኣብ ቅዋም ኤ.ዲ.ኪ ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ ኣብ ዓንቀጽ 4ተ ንኡስ ዓንቕጽ (ለ) ግቡኣት ኣባልነት ዝብል ኣብ ቁ (7) ”ምስ ዕላማታትን መትከላትን ኪዳን ኣብ ዝጻረር፡ ወይ ንኪዳን፡ ወይውን ንዝኾነ ኣባሉ ዝኾነ ውድብ ጉድኣት ኣብ ዘኸትል ምንቅስቓስ ዘይምስታፍ”። ከምኡ’ውን ኣብ ፖለቲካዊ ቻርተርን ቅዋምን ኤዲኪ ኣብ ዓንቕጽ 2ተ ዕላምታት ዝብል ቁ (2) ” ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምስራጽን ምሕላውን፡ ንሓባራዊ ሰላማዊ መነባብሮ ጥዑይ ሃዋሁ ንምፍጣርን ምዕያይ”። ብተወሳኺ ኣብ ቅዋም ኤዲኪ 4ይ ዓንቀጽ፡ ኩነት ኣባልነት፡ ኣብ “መ” ምድስካል ቀዋሚ ኣባልነት ኣብ ዝብል “ኣባልነት ናይ ዝኾነ ውድብ፡ ወይ ሰልፊ ኪዳን፡ ጉዳዩ ኣብ ማእከላይ መሪሕነት ክሳብ ዝቐርብ፡ በዚ ዝስዕብ ምኽንያታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ከደስክሎ ይኽእል፡- (1) ፖለቲካዊ ቻርተርን ቅዋምን ዝግህስ ተግባራት ምስ ዝፍጽም።”

ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ብዕለት 2 ጥቅምቲ 2012  ኣብ ዘካየዶ ኣኼባኡ ኣባልነት ዲምሓኩኤ ኣብ ዝመጽእ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት መደምደምታ ክሳብ ዝግበረሉ ደስኪሉ ክጸንሕ ወሲኑ።

ኣብ መደምደምታ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ፡ ብሰንኪ መሪሕነት ዲምሓኩኤ ንዝተወሰደ መርገጺ መትከላዊ መርገጺና ኣብ ህዝቢ ኩናማ ጽኑዕ ምዃኑ እናገለጽና፡ ህዝቢ ኩናማ ከም ሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ መጠን ኣካል ዝሓለፈን ዘሎን ኤርትራዊ ሃገራዊ ዕዮታት ምዃኑ ነረጋግጽ።  

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

02 ጥቅምቲ 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,913,412 وقت التحميل: 0.20 ثانية