ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ
መበል 75 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርምርን
ደጋጊምና ነጠንቅቕ ኣሎና
ኣይነፍቅድን ብዓዋተ ዝመጻና//
ብዓዋተ ዝመጻና
ኣይንርእዮን ኢና
ካብ ኢሰያስ ፈሊና
ብስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ
<<(_፧>>ጂግና ዝመጻና_>>፧<<)
እወ ንሱ ጀማሪ ሰውራና
ዓዋተ ኣቦ ኩሉና
ንኣስላምና ክስታና
ዓዋተ ዓዋተ ንብል ደጋጊምና
ንጭፍራን መሰልቶምን ጸሪግና
ከም ኩሎም ሰማእታትና
>>ኣብ ርእሲ ከተማ ናይ ኤረትራ>>
<<እወ<<
ሓርነታዊ ቃልስና
ምስ ኣራጋገጽና
በኣሰማቶም ሰኒድና
ሓወልቲ
ክንተኽለሎም ኢና//
ኣብ ልዕሊ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ
ኤረትራዊ ወደባት ደሎ ሒመታ
ጸረ መግዛእቲ ዝበለ ቱታ
ኤረትራ ክትማሓዳደር ብዋናታታ
ሓራ ክትከውን ካብ ገዛእታ//
ኣይግዛእን ኢሉ ዝኸፈለ መስዋእቲ
ሃገሩ ሓራ ክትከውን ምእንቲ
ኣይተጣራጠረን
ከም ዝረክብ ሰዓብቲ//
/ደጋጊንማ ነጠንቅቕ ኣሎና
ኣይነፍቅድን ብዓዋተ ዝመጻና//
መንዩ ንዓዋተ ዘይሽሙ ዝሃበ
ዉሑድን ብዙሕን ዝተዛረበ
ኣብ ዘበን ደርጊ ዝጸገበ
ሸለል ተባሂሉ ካብ ገጋኡ ዘይተኣረመ//
ኣይንደልን ብዓዋተ ዝመጻና
ናይ ቶም ዝቐደሙ ከይኣኽለና
ከሙኡ ኢሎም መጺኦም
እንዳ ሃቡ ዘይሽምና
መቓቒሎም ኣፍሲሶሞ ደምና
ኣይነፍቅድን ዝደሓሩ ከሙኡ ክደግሙና//
ደጋጊምና ነጠንቅቕ ኣሎና
ደጋጊምና ነተንቅቕ ኣሎና//
ከም ተመን ሕንዚ ዝተፉኡ
ካብ ኢሰያስ ዝተማህሩ ከክፉኡ
ዝምነዩ ዕምሪ ኢሰያስ ከናዉሑ
ኣብ ምፍልላይ ዝበልሑ
ጭርሖ ጭፍራ ዝጭርሑ//
ዓገብ ዘይሰምዔ
ኣይድቅስን ጉዱ ከይተቐለዔ
ፖሎቲካዊ ጽፊዒት ከይተጸፍዔ//
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለለም
ዕወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|