Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
10/10/1445 (18 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
 ቃል ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ኣብ መኽፍቲ 2ይ ጉባኤ &
أخبار

ER NAT COUCELL EX OFFICE.jpg

 ቃል ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ኣብ መኽፍቲ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝቅረበ፡

ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ 

ዝኸበርካ ኣቦ መንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ጉባኤተኛታት

ዝኸበርኩም ወከልቲ ውድባትን ስቪካዊ ማሕበረሰባትን

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ

ብቐዳምነት እንቋዕ ናብዚ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ቃልሲ ሰልፊ ኣል ናህዳ ኤርትራ ኣብ ምሕያል ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝብና ኣገዳሲ ተራኡ ክጻወት ዝኽእል ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኹም ኣብቀዓኩም እንዳበልና ንኹሎም ጉባኤተኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን ብስም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ልዑል ገድላውን ሕውነታውን ሰላምታና ክነቕርበልኩም ንፈቱ።

ብምቕጻል ኣብዚ ‘’ኩሉ ዓቕምታትና ንድሕነት ህዝብን ሃገርን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝጋባእ ዘሎ ታሪኻዊ ጉባኤኹም እዚ ክንሳተፍን ቃልና ክነስምዕን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንዝገበረትልና ዕድማ እንዳመስገንና ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኹም ብዓወት ንኽዛዘም ዘለና ሰናይ ምንዮት ንገልጽ።

ዝኸበርኩም ጉባኤተኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን!

ሎሚ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኹም ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ህሞት ጭቡጥ ወድዓዊ ኩነታት ሃገርናን ኩነታት ደንበ ተቓውሞናን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኣተሃላልዋ ኣለዉ ብሕጽር ዝበለ ኣዘኻኺርካ ምሕላፍ ኣገዳሲ ይመስለና።

ጸረ-ህዝቢ ጨፍጫፊ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ኩለ-መዳያዊ ጭቆናን ግፍዕታትን ኣብ ዝኸፍአ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ ውድዕነት፡ ዞባና ሰላምን ምርግጋእን ከይረክብ ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ምትኹታዃትን ግብረ-ሽበራዊ ስረሓትን ቀጻሊ ኣብ ዘለወሉ ህሞት፡ ሕጂ እውን እንተኾነ ብስም ምክልኻል ሃገርን ወፍሪ ልምዓትን ድሮ ንበቲኹ ዘሎ ዓቕምታት ሕብረተሰብና ንተሪፍዎ ዘሎ ቁሩብ ቁራቦ ተተርኢሱ ክዓርብን ንብርሰትን ምብትታንን ህዝብን ሃገርን ከቃላጥፍን ትሕቲ 70 ዝዕድሚኦም ብረት ኽዓጥቁ ዘገድድ ሕጊ ገይሩ ኣዕናዊ ፖሊሲታቱ ብሓይሊ የተግብር ኣሎ እዩ። 2ይ ውድባዊ ጉባኤኹም ‘’ኩሉ ዓቕምታትና ንድሕነት ህዝብን ሃገርን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝጋባእ ዘሎ ነዚ ኣብ ሃገርና ኣንጸላልዩ ዘሎ ህዝብን ሃገርን ምብትታንን ምብራስን ሓደጋ ብትኽክል ዝጠመተ ኮይኑ ኣብ ምፍታሑ ምስ ኩሎም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ደንበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ምስ ኩሎም ውድባትን ስቪካውያን ማሕበረሰባትን ኣብ ክሊ ሰፊሕ ጽላል ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ተሓቚፎም ዘለዉ ሓቢሩን ኣሐይሉን ኣብ ምቅላስ ልዑል ሓላፍነት ዘሰክሞ ብምዃኑ ጉባኤኹም ፍሉይን ታሪኻውን ይገብሮ ንብል።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ጉባኤተኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን!

ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ታሪኽ ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ኮይኑ ኣብ መስርሕ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ተበጊሱ ዘሎ ሓያል ናይ ተቓውሞ መስርሕ ይኹን ደኣ እምበር ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታትን ዝንባሌታትን ዝሓቖፈ ሰፊሕ ጽላልን ዝተፈላለዩ ተመኩሮታትን ዘለዎ ጀማሪ ፖለቲካዊ ሓይሊ መጠን ትካላዊ ኣሰራርሓኡን ኣወዳድባኡን ኣብ ምጽፋፍን ምሕያልን መድረኻዊ ዕማማቱ ኣብ ምምላእን ዝተባባዕ ጅማሮታት ተጓዒዙ ኣሎ እዩ። ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ሓፋሽ ህዝብና ካብ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ናይ ሕሰመ መከራ ህይወት ንምንጋፍን ሃገር ካብ ውድቀት ንምድሓንን መላእ ህዝብና ኣብ ዙርያኡ ኣዕሲሉ ነቲ ኩሉ ከረጋግጽ ዓቕምታቱ ኣዋዲዱ ዓቕሚ ባይቶ ንምዕባይ ተበጊሱ ዘሎ ኣወንታዊ ጅማሮ ናብ ዝሓሸ ደረጃ /ብርኪ/ ንምስግጋሩ ዙርያ ምላሽ ልዑል ተሳትፎ ናይ መላእ ኣባሉን ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብን ልዑል ርብርብ ዝሓተና ብምዃኑ ጻዕርታት ብተዓጻጻፊ ክብ ከብል የድሊ። እዚ ንምርግጋጽ ልዑል ሰብኣውን ንዋታውን ገንዘባውን ኩሉ መዳያዊ ክኢላውን ዓቕምታት ዝሓተና ብምዃኑ ነዚ ደረጃ ብደረጃ ንምሕያል ልዑል ትኹረትን ተወፋይነትን ዝሓተና ይኸውን። ብፍላይ ከኣ ተረከብቲ ሕድሪ ንዝኾኑ መንእሰያትን ደቂ ኣነስትዮን ንዘርእይዎ ዘለዉ ናይ ቃልሲ ድልውነቶም እናተባባዕና ብልዑል ንቕሓትን ውደባን ናይዚ እዋናዊ መድረኻዊ ዕማማት ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ኣብ ምዕዋት መሪሕ ተረኦም ንኽጻወቱ ብዝበለጸ ተጠርኒፎምን ሓድነቶም ኣዕቊቦምን ምስ ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ሓቢሮም ክረባረቡ ኣለዎም ንብል።

ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ብነጋዶ ሰብ ዝኾኑ ሸፋቱ ኣብ ሲናይን ካልኦት ከባብታትን ዝገጥሞም ዘሎ ዘሕዝን ክስተታት በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ኣህጉራዊ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ልዑል ቆላሕታ ክህበኦን ኣብ ምፍታሑ ክተሓባበራ ንጽውዕ።

ኣብ መደምደምታ ጉባኤኹም ብዓወት ክዛዘም ዘለና ምንዮት ደጊምና እንዳገለጽና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ከም ኣካል ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ መጠን ዝጸንሐ ኣገዳሲ ተርኡ እናነኣድና ሕጂ’ውን ብዝበለጸ ሓይሉ ብምውጻእ ዕዙዝ ተርኡ ክጻወት ትጽቢታትና ልዑል ምዃኑ ንገልጽ። ምስ’ዚ ብምትእስሳር’ውን ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንሃገሩ ከም ነጻ መድረኽ ናይ ቃልስና ገይርና ክንጥቀመሉ ዝሃቦ ዕድላትን ዝገብሮም ምድግጋፋትን ከምኡ እውን ንስደተኛታት ኤርትራውያን ዝገብሮም ሓገዛትን በዚ ኣጋጣሚ ከየመስገናዮም ክንሓልፍ ኣይንደልን።

ዓወትን ድምቀትን ን2ይ ውድባዊ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ!

ዓወት ንደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ!

ውድቀት ንቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

18 ጥቅምቲ 2012

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,268,681 وقت التحميل: 0.31 ثانية