Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
08/10/1445 (16 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ይኣክል ንምልክነትን ምድንጋርን &#4656
أخبار


ይኣክል ንምልክነትን ምድንጋርን ሰይጣን

 በላዒ ሰብን ዝኮነ ኣዱላይ ቀርኒልዮስ

ደቂ ብሔር ኩናማ ኤርትራ ምስ ካልኦት ኣህዋቶም ብሔራት ንሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ብ1961 ብጀግና ስውእ ኣቡና ተጋድላይ ሃምድ እድሪስ ኣዋተ ዝተጅምረ ስውራ ከም ሓው ሰሎሞን ኣርዳዲ ቅድሚ ሃደ ወርሒ ዝብሉ ተቃሊሱምን ክቢድ መሰዋእቲ ከምዝከፍሉ ርእሲ ግሉስ ሓቒ እዮ። ብካሊእ ሽነኽ ግን ኣቡታትና ከም ዝምስክሩዎ ውሑዳት ገብኛታት ብሽም ብሔር ኩናማ እናሽቅጡ ውልቃዊ ራብሓኦም ንምርካብ ምስ መስፍናዊ ስርዓት ሃይለ ስላሴን ፋሽስታዊ ሰርዓት ድርግን ብምኳን ብርክት ዝብሉ ንናጽነት ዝቃልሱ ዘንበሩ ኤርትራውያን ይኹኑ ኢትዮጵያውያን እንኩላይ ሃገራውያን ድቂ ኩናማ ክቅንጽሉን ክቅትሉን ይግብሩ ከምዝንበሩ ዘይካህድ ሓቒ እዪ። ግንባር ቅደም ናይ'ዚ ኦውዲት'ዚ ዑስማን ኣጋርን ስድራቤቱን ቅጺሉ ከኣ፡ ወዱ ኣዱላይ ቀርኒልዩስ ከም ኣብነት ከጥቅስ ይክኣል። ኣነ ከም ውዲ እቲ ኣከባቢ መጠን ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ'ዚ ካብ ካልኦት ዝሃሸ ኣፍልጦ ኣሎኒ ክብል ይኽእል እየ። ሰለዚ ተግባርን ኣካይዳን ናይ'ዚ ሰድራቤት'ዚ ሓደን ሓደን ኡዩ ብምባል ንሱ ድማ ብዋጋ ኻልኦት ብዝኾነ ይኹን መንግዲ ንብስኻ ምርባሕ ጥራሕ እዩ። ኣቡታትናን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ እንክልዎ እዚ ሰድራቤት'ዚ ምስ ኣንጻር ሰፊሕ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድው ብምባል መእለያ ዘይብሉ ንጽሃን ዜጋታት ክእስሩን ክሃልቁን ክፍናቅሉን ኣረመናዊ ገብኛዊ ተራ ከምዝንብሩም ዝፍለጥ እዩ።

ድህሪ ውድቅት ፋሽስታዊ ሰርዓት ድረግ ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ ሰርዓት ምህድራ ክትኽል እንክሉ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ግን ምልካዊ ሰርዓት ህግደፍ ፖለቲካዊ ሱልጣን ምስ ጨብጠ ንብህጊታት ብሔራት ኤርትራ ብምጭዋይ ኣብ ዳግማይ ውጽዓን ጨፍጨፋን ድቅድቅ ጽልማትን ከኣትዎ ገይሮዎም። ሰለዚ ድቂ ብሔር ኩናማ ከምቶም ካልኦት ኣህዋትም ድልይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ፍትሓዊ ቃልሱም ክቅጽሉ ተገዲዶም። ብፍላይ ድህሪ ኢትዮ- ኤርትራ ናይ ዶብ ኩናት ብርከት ዘብሉ ድቂ ብሔር ኩናማ ኤርትራ ተፍናቂሎም ናብ መሬት ኢትዮጵያ ክሰደዱ ተገዲዱም። ዲሞክራስያውን ፍትሃውን መሰላቶም ንምርካብ እቲ እንኩ መማርጺ ፍትሃዊ ቃልሲ ምቅጻል ጥራሕ ከምዝኮነ ብምርዳእ ብጀጋኖ ኣህዋትና ብ1995 ኣብ ሱዳን ተመስሪቱ ዘንበረ ብጋሽ ሰቲት ዝጽዋዕ ዝንበረ ክፋል እቲ ውድብ ዳግማይ ስርርዕ ብምግባር ብ1998 ዲምክራስያዊ ምንቕስቃስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ከምስረት ትኽእሉ ይኹን ዳ'ምበር ኣዱላይ ቀርኒልዮስን ቤተ ሰቡን ንመስረቲ እቲ ውድብ ዘንበሩ ሓደ ድህሪ ሓደ ብምቅጻልን ምቅታልን ከብሕትዎ ኽእሎም። ውጽኢት ናይ'ዚ ብጊዜ ፋሽስታዊ ሰርዓት ድረግ ዝርኽብዎ ዘንበሩ ጉጅለዊ ራብሓታት ብምስኣን ብሽም ዝካይድ ዘሎ ቃልሲ ተብልጾምን ( ንሕና ድቂ ብሔር ኩናማ ማይኖርቲ እና) ብምባል ንዝግብሩዎ ዝጽንሑን ዘሎን ምልካውን ቅንጽላውን ብልጻውን ተግባርት ሽፋን እናግበሩ ጽኒሖም። ምርኣይ ናይ'ዚ ንምግላጽ ዝኣከል ከኣ፡ ሃደ መዓልቲ ኣብ ዲምሓኩኤ እንክልኹ ምስ ኣርበዓተ ርእሰ ኮይነ ንኣዱላይ ቀርኒልዮስ ሓደ ካባና ሰለምንታይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ደጀን ዘይንግበር ኢሉዎ? ዓሻ ኢኻ እምባእር ንሕና ሕጂ ንርኽቡ ዘለና ክብርን ቦታን ሓገዝን ድህሪ ውድቕት ሰርዓት ህግደፍ ክንርኽቡ ኢና ይምስለካ ዶ? ንዓና ዝሓሸ ዕድል እቲ ውድዕነት ከም ዝሎ ክቅጽልን እቶም ጽልእታና ዝኹኑ ብሔር ኩናማ ክሳብ ዝቅንጽሉን ወይ ንወጻኢ ክኽዱን ንሕና ድማ ሓገዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምርካብ ብሽም ብሔር ኩናማ ኤርትራ ኣቡይ ክኽትሉ ዘይኽእለ ዝደ ብምኽታል ብሰድራቤትና ዝትዕብለለ ሓያል ውድብ ከንምስርትን ክንግብትን ምክንያቱ ፖለትካ ኩሉ ጊዜ ፈይናንሳውን ማህባራውን ራብሓታት ንምርካብ ዝሓሸ መሳርሒ ሰለ ዝኾነ እዩ። ዕላማ ዝኮነ ውዲ ሰብ ኣብ'ዚ ዓለም ንሱ እዩ። ንሕና ኣብ ኤርትራ ክንዲ እቶም ኻልኦት መስዋእቲ ሰለምንታይ ንኽፍል? ምኽንያቱ ውሕስነት ዘይብሉ ወይ ኣብ ዘይንጹር ውጽኢት ምውፋር ጌጋ እዩ። ድህሪ ውድቅት ሰርዓት ህግደፍ ንሕና ኣብ ትሕቲ ትምክሕቲ ድቂ ትግረኛን ዓረባዊ ጽበት ድቂ ማታሕቲ ከንኣቱ ምዃና ዝጠራጥር ኣይኮነን። ሰለ'ዚ ተውላውልና መንባር ዝሓሸ እዮ። ማለት ጉጀላዊ ራብሓና ምስዓብ ጥራሕ እዩ ዝገድስና እምበር ውድቀት ሰርዓት ህግደፍ ኣኮነን ብምባል ኣዱላይ ቀርኒልዮስ ስፊህ መልስ ሂቡናን ከምዚ ዝኣመስለ ሕቶታት ከይንሓትት ኣጥንቂቁናን።

ኣነ ከምቶም ፍትህን ዲሞክራስን ብህጊ ዘለዎም ካልኦት ተጋድልቲ ዲምሓኩኤ ምልካውን ቅንጻላውን ኣካይዳ እቲ ውድብ ብምንጻግ  ዕጫይ ቅንጽላን ሞትን ኣብ ኢድ ጉጅለ ኣዱላይ ቀርነልዩስ ከይኽውን ብሕክምናዊ ምክንያት ናብ መድብር ሽምልባ ክኽይድ ተዕድለ። ብድህሪኡ ናብ ዝልኽዉ ቦታ ክይደ። ኣነ ክብሉ ዝድሊ ኣብ'ዚ እንትሉ ንሱ ድማ ኣዱላይ ቀርነልዩስን ሰድረቤታዊ ጉጅለኡን ኢዶም ኣብ ጊዜ ድረግን ሕጅን ብደም ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን እንኩላይ ድቂ ብሔር ኩናማ ዝጥህለን ዝፍሰስን ኣብ ቅድሚ ህጊ ክሕተቱ ይግባእ። ሰላም ኣብ ኤርትራ ይኩን ኣብ ኢትዮጵያ ክስፍን ኣይገድሱምን ኢዮም። ብኣንጻሩ ጉጅላዊ ራብሓኦም ጥራሕ እዩ ዝግደሱም። ውጽኢት ናይዚ ከኣ፡ ብዙሓት ተጋድልቲ ነቲ ውድብ ርሕርሆም ብምግዳፍ ናብ መድብር ሽምብላ በብመዓልቲ ይኽዱ ኣለዉ።

እዚ ባሕቲ መስከረም ብምልካዊ ጉጅለ ቀርኒሎስ ውጺኡ ዝንበረ ኣሕፋርን ኣስካፍን ኣዋጅ እዚ ንብሔር ኩናማ ዝውከል ከምዘይኩነን ምውዳቕ ምልካዊ ሰርዓት ህግደፍ ከምዘግድሱን ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ መልሲ ኣዱላይ ቀነልዩስ ዝረጋግጽ እዩ። ዕላማ ናቱ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተቃልስቲ ሃይልታት ሑማቕ መንፈስን ሕዝቢ ኩናማ ከም ትኽትልቲ ክርስታና ብምግላጽ መውዳእታ ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ግርጪት ብምብርዓን ተቃልስቲ ሃይልታት ኣብ ክንዲ ናብ ቀዳምይ ጽላኢ ምውዳቕ ሰርዓት ህግደፍ ምቅናዕ ኣብ ካልኣዊ ሽግራት ብምእታው ንህድ ህዱ ክብላልዕን ክዕንውን ጉጀላዊ ራብሓታት ኣዶላይ ቀርነልዩስ ክቅጽልን ከምዝዓልመ ኣብ ባይታ ይርአ ኣሎ። ድቂ ብሔር ኩናም ክርስትያንን ኣስላምን ባህላዊ እምነት ዘለዎም ዳ'እምበር እቶም ክርስትያን መብዛሕትኦም ካቶሊክ ክኾኑ እንክልዎ እቶም ኣስላም ከኣ፡ ኽትሚ ኢዮም። ኩሎም ድቂ ብሔር ኩናማ ብምልካውን ኣድናጋርን ኣውዲታት ኣዶላይ ቀርነልዩስ ከምዝይየደናግሩ ይኣምን። ከም'ውን ካልኦት ድቂ ብሔራት ኤርትራ ብፍላይ እቶም ክርስትያን ዝኾኑ ንውህዳት ጽብብትን ጊዜያዊ ራብሓ ዘልውምን እንተ ዘይኮይኑ እቶም ዝትርፉ ንቁሓት ብምዃኖም ከምዘይድናግሩ ምእቲ ብምእት ይትኣማምን።

ኣብ መውደኣታ ኣዱላይ ቅርኒሉስን ጉጀለኡን ብዝካይድ ዘሎ ፍትሃውን ዲምክራሳውን ቃልሲ ኤርትራ ዝግድሱን ቀድማይ ዕላማኦምን ኣይኮነን። ንሱ ድማ ካብ ጊዜ ኣቡታቶም ጅሚሩ ዝኽዱዎ ዘለዎ ኣካይዳን ተግባርን ዝረጋግጹ ሃቒ እዩ። ሰለዚ ኩሉ ድላዪ ለውጢ ዝኮነ ኤርትራዊ ነዚ ከምክትን ክብድህን ኣልዎ እናብልኩ ኣብ ጎኒ ስፍህ ሕዝቢ ኩናማ ድው ክብልን ፍትሃዊ መሰላቶም ኣብ ምርካብ ክግፍን ኣብ ዝካይድ ዘሎ ዲምክራስያዊ ቃልሲ ብንጽል ይኩን ብሃባር ልዑል ተራኦም ከዓዘዝን ይጽውዕ። እቶም ኣዱላይ ቅርኒልዩስ ዝውጽኡ እዋጅ ብምዝምዛ ጊዜያዊ ጽቢብ ውልቅዊ ይኩን ጉጅላዊ ይኩን ፖለቲካዊ ራብሓታት ንምፍሓስ ዘጎይዮ ዘለዎ ውገናት ዓገብ እናብልኩ ሃገራዊ ራብሓ ከቅድሙ ብምጽዋዕ ህድነት ተቃልስቲ ሃይልታት ክጥንኽሩ ይላቦ። ይኣክል ንምልክነትን ምድንጋርን ሰይጣን በላዒ ሰብን ዝኮነ ኣዱላይ ቀርኒልዮስ እናብልኩ ብዚ ዝረባይ ይውድእ። 

ውድቕት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ጉጅለ ኣዶላይ ቀርኒልዮስን!!

ሰላምን ዲሞክራስን ንኩሎም ብሔራት ኤርትራን ጎረባብቲ ሕዝቢታትን!!

ካብ ሃደ ጉዱስ ወዲ ብሔር ኩናማ

04 ሕዳር 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,219,628 وقت التحميل: 0.19 ثانية