Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 79 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ህዝባዊ ባርዕ ከይልብልበኩም

ህግደፋዊያን ትዕደሙ ኣልለኹም//

VIC 2012.jpg

ያኣክል ክውዕየካ ብማንካ

ክዝሕለካ ቢኢድካ

ወዲ ኤረይ ኣቡዑርካ

ጽመድ ኣትሪርካ

ዝተበደልካዮ ያኣኽለካ

ክትጋላገል ካብ ናይ

ሕጊ ኣልቦ ማሕለኻ//

ኮኾብ ጽባሕ

መንገዲ ሓብር ክወግሕ

ምስ ወግሔ ሓርነት

ክነስተማቕር ጽባሕ//

AFWARKEY GROUP.jpg

ነዛ ሃገር እንታይ ግበሪ ትብልዋ

ንሳስ ኡይ ምበለት ኣፍ እንተ ዝህልዋ//

ኣጆኹም ኣጆና መቃልስተይ

ኣጆኹም ኣጆና መናእሰይ

ዋዕሮታት ኣለዋ ምሳና ደቂ ኤረይ

ኣብ ጀነቭ የራኽበና ደቂ ሃገረይ//

እወ ንሕና ልሳን ዉጹዓት

ንቃለስ ዘለና ብትብዓት

ጸረ መጽነቲ ደቀባት//

ከይንጠልም ኣቲና መብጻዓ

ኣይትነብርን ኢያ ተረጊጻ

ሃገር ብእኽብካብ ተሃዊጻ

ብማንኪ ክሻ ተበጽቢጻ

ህግደፋዊያን

እተን ተስፋ ዝቆረጻ

ዓዲ በጺሔን ምስ ተመልሳ

ብፍርሂ እቲ ዘረኣየኦ ከየጋልጻ

ኣብ ገዛ ይዕበጣ ደገ ከይወጻ//

ክሳብ ማዓስ ክተጣቑዑ

ገንዘቦም ቁማር ዝተበልዑ

እቶም ኣብ ዳሳት ህግደፍ

ከብዶም ብሕሩሩ ዝስዕስዑ

ክትርእዮም ከብድኻ ዝበልዑ

ጻዊዒትና ዘይትሰምዑ

እንታይ ተሪፍኩም ምሳና

ምስ ደለይቲ ፍትሒ ዘይትሕወሱ

ካብ ተሓቢእኩም ተልቅሱ//

ህግደፍን ሓሶትን

ሓዳር ዝበታትን

የባእስ ሰብኣይን ሰበይትን

ሓንቲ ማዓልቲ ኣላ

ዝጓሓፉላ ጭርናዓቱን ንሱን//

ስደት ንገለ ውርደት

ስደት ንገለ ልደት

ገለ ገንዘብ ይኣሪ

ተባህለ እንዳ በለ የውሪ

ገለ ማኪና የጥሪ

ሹዑ

ክራባታ ገሩ ይብል ሸናዕ

ገለን ብጉዳይ ሃገሮም

ናብቲን ናብትን ይጻፋዕ

ገለ ኣይግዱ ሰኺሩ ይብል ዓዕ

ገለ ኣብ ጉዳዩ ይድለ ክጽዋዕ//

ገለ ከኣ ኣብ ባዓላት

ኣይግዱ ይስዕስዕ ይድሰት

ኣብ ሆተል ተሓጺቡ ይድቅስ

ገለ ንስለ ፍትሒ ኣብ ሃለ ይግምሰስ//

ብድሕሪኡ ኣጋይሹ ኣፋንዮም

ረሃጾም ንፍትሓዊ ቃልሲ ኣፍሲሶም

ከይተሓጸቡ ይምለሱ ንቤቶም

ተመሊሶም ነብሶም ወዲቦም//

ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ይሳተፉ

ኣብ ግንባራት ዘለዉ በጃ ይሓልፉ

ንድሕነት ህዝቢ ሂወቶም የሕልፉ

ገለን ብኾፎም ክይተሰከፉ   

ንደለይቲ ፍትሒ ይዝልፉ//

ገለ ብማዕዶ ይምካሕ

ገለ ብተመልከተለይ ይስጣሕ

ብናይ ኢሰያስ መምርሒ

ንጹሃት ቀቲሉ

ኣብ ስልጣን ይውጣሕ

ገለ ይቃለስ ንዓመታት ንፍታሕ

ንጭፍራ ህግደፍ ከብል ፋሕ ፋሕ//

ነዛ ሃገር እንታይ ግበሪ ትብልዋ

ንሳስ ኡይ ምበለት ኣፍ እንተ ዝህልዋ//

ገለ ብድቅሱ ተቃለስቲ ይሓሚ

ገለ ይዕዘብ መንእሰይ ክደሚ

ገለ ጸረ ምልኪ ይገጥም ግጥሚ

ከተግብር ናይ ህዝቢ ሕልሚ//

ነዛ ሃገር እንታይ ግበሪ ትብልዋ

ንሳስ ኡይ ምበለት ኣፍ እንተዝህልዋ

እቶም ኣፍ ዘለዎም እዮም ጠሊሞምዋ

ኣእዳዎም ኣጣሚሮም እንዳ ተዓዘቡዋ

ጠሊሞም ናይ ሰማእታት ለበዋ//

ጸረ ጠላማት የድሊሎ ምውህሃድ

ንድሕነት ህዝቢ ሰሚርካ ምኻድ

ጸረ ከዳዓት ክሳድ ምሓዝ

ንገፋዕታ መልሓሶም ምግራዝ//

ኡይ ዝብል ውሒዱ

እቶም ዝበዝሑ

ርእሶም ኣድኒኖም ይኸዱ

ይቃወሙ እቶም ዝዋሓዱ

እቶም ዝበዝሑ

ኣብ ዳሳት ጭፍራ የኹዱዱ//

እዛ ሃገር እንታይ ግበሪ ትብልዋ//

ክቅንጠጥ ናይ ኤረትራዊያን ፍርሒ

ብልሒ ጨናፍርኪ ኣስፋሕፍሒ

ክንምክቶ ንናይ ጭፍራ መምርሒ

ካብ ሱሩ ክሞሖ ናይ ኢሰያስ ሸርሒ//

ወጮ እንተ ተገምጠለስ ወጮ

መልክዕ የብሉን ኣብ ስኑ ዘለዎ ፍጮ

ኣይንነብርን ኢና ብጭፍራ ክንባሳጮ//

ብሓገዝኩም ደም ህዝቢ

ደሙ ኮይኑ ደም ከልቢ

ናይ ንእሽቶ ዓቢ

ትልኽ ትብል ኣላ ልቢ

ክትድሕኑ ካብ ህዝባዊ ናዕቢ

ህግደፍ ሕጂ ዓድጉ ቀልቢ

ንዲክታቶር በልዎ እንቢ//

ኣስመራ ምስ ገበረት ዝሓይሽ

ሹዑ እወታ ሹዑ

ንህግድፍ ውሕጅ ይወስዶም

ናብትን ናብትን ጋፈዔ

ሕነ ክፈዲ ናይቶም ዝተገፍዔ//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓምመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,917,426 وقت التحميل: 0.26 ثانية