Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
 ቃል ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ &#4
أخبار

ER Democratic Allaince 012 A.jpg

 

 ቃል ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ንመኽፈቲ መስመሪ ጉባኤ ሓሙሽተ ፖሎቲካዊ ውደባት

 

ዝኸበርኩም መሪሕነትን መሰረታትን ሓሙሽተ ፖሎቲካዊ ውድባት:

Ø ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ  ለውጢ

Ø ሃገራዊ  ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊት  ኤርትራ

Ø ሰልፊ  ጉባኤ  ኤርትራ ሓባራዊ መሪሕነት

Ø ሰልፊ ሃገራዊ ስኒት ኤርትራ

Ø ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ሓርነት መጻኢት ኤርትራ

ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሳናዳኢ ሽማግለ መስመሪ ጉባኤ

ዝኸበርኩም ተወከልቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ዝኸበርኩም ተወከልቲ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ መስመሪ ጉባኤን ዕዱማት ኣጋይሽን

ብቀዳምነት ኣሰናዳኢ ሽማግለ መስመሪ ጉባኤ ሓሙሽተ ፖሎቲካዊ ውድባት ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ጉባኤ’ዚ ተረኺብና ቃል ክንህብ ንዝግበረልና ዕድመ ብስም ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዕዙዝ ምስጋናና ነቕርብ። ንመስመሪ ጉባኤኩም ድማ ዓወትን ኣሳልጦን እናተመነና ንጉዕዞ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዕዮታት ንቅድሚት ዘስጉም ውጽኢታት ሒዙ ክወጽእ ተስፋ ንገብር።

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ መስመሪ ጉባኤ፡-

መስመሪ ጉባኤኩም ዝካየደሉ ዘሎ ህሞት፡ ኣብ ሃገራዊ መዳይ ምስ ንርኢ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝኾነ ግዜ ይካየድ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ግፍዓዊ ፖሊስታቱ ኣብ ምቕጻል ይርከብ። ህዝብና ኣብ ሕሉፍ ገድላዊ መድረኻቱ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ዓሚቕ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ወዲቑ ክንሱ፡ እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብን ሃገራት ከባቢናን፡ ኣዕናዊ ተርኡ ካብ ምቕጻል ኣይተቖጠበን ዘሎ። ንመላእ ኣፍራይ ሓይሊ ሕ/ሰብ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ንህዝብና ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ነጻ ምርጫታትን ምቹእ ዕድላትን ምፍጣር፡ ብፖሊሲ ዕስክርና እናኸተበ፡ ንጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታት ህግደፍ እናገልገሉ፡ ኣብ ዘይፍትሓዊ ኲናት ዘባርዖ ክዳጎኑ ይገብር ኣሎ። እዚ ውድዕነት’ዚ ድማ ኣብ ጉዕዞ ነካይዶ ዘለና ደሞክራስያዊ ቃልስና ይኹን ኣብ መጻኢ ዳግማይ ህንጸት ሃገር በሰላታቱ ዕጽፊ ዝገበር’ዩ፡፡ ሳዕቤን ናይዚ ውድዕነት’ዚ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቅርጺ ናይቲ ስርዓትን መሓውራቱን ምልሕላሕ ዝረኣየሉ ኩነታት ይግሃድ ኣሎ። እዚ ኩነታት’ዚ ስቓይ ህዝብና ድርብ ክኸውን ዝገብር ይኹን ደኣንበር፡ ቀጻልነት ናይዚ ስርዓት’ዚ ይነጽግ ምህላዉ የመላክት። ህዝብና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ካብዚ ስርዓት’ዚ ንምንጋፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ተቓውምኡ ኣብ ውሽጢ እናማዕበለ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድልውነቱ እናረጋገጸ ይመጽእ ኣሎ።

ህዝብና ብስንኪ’ቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ሕሰምን መኸራን ክስደድ ይግደድ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ መንእስያት ኣብ ምድረ-በዳ ክሞቱ፡ ኣብ ባሕሪ ክሰጥሙ፡ ኣብ ገለ ዶባት ክቅተሉን ክእሰሩን ብኣስገዳድ ንሃገሮም ክምለሱን ዝግደድሉ ኩነታት ብምህላዉ፡ እዚ ተርእዮታት’ዚ ኣብ ቅድሚ ደምበ ተቓውም ክንምክቶ ዝግባእ ካልእ ብድሆ ይኸውን ኣሎ። ስለዚ ነዚ ተርእዮታት’ዚ ንምቕላሕን ንምፍታሕን መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣገዳሲ ተራ ክጻወቱ ይግባእ። ከምኡ’ውን ኩሎም ዝምልከቶም ግብረ-ስናይ ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሕ/ሰብ ዓለምን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝርከብሉ ሃገራት ውሕሰነት ሂወቶምን ብኣህጉራዊ ቻርተራት ዝሰፈር መሰላቶም ክወሓስን ሓላፍነታዊ ተርኦም ክጻወቱ ንጽውዕ።

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ መስመሪ ጉባኤ፡-

ሓሙሽተ ፖሎቲካዊ ውድባትኩም በዚ ታሪኻዊ መስመሪ ጉባኤ ኣቢሎም ሓድነታዊ ምትሕንፋጽ ከረጋግጹ ምኽኣሎም፡ ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዓይነታዊ መወሰኽታ ምዃኑ ንግንዘብ፡፡ ተመሳሳሊ ወይ ተቐራራቢ መደብ ዕዮን ሕገ-ህንጻን ዘለዎም ውድባት ኣብ ምትሕንፋጽ ንምብጻሕ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘለውዎ ሓደጋ ምብትታን ብምስትውዓል፡ ካብ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታት ምንጋፍ፡ ገድላዊ መድረኻዊ ዕማማት ምግንዛብ፡ ንህልዊ ብድሆታት ንምግጣም ድልውነት ምርግጋጽ፡ ንካልኣዊ ፍልያያት ብምስጋር ሓባራዊ ራእይ ንምስማርን ኣብ ሓደ ፖሎቲካዊ ኣካል ተጠሚርካ ሓባራዊ ገድላዊ ዕዮ ብምንጻር ባይታ ንምምማድ ተባዕ ውሳኔታትን ሃናጺ ተበግሶታትን ዝሓትት ምዃኑ ነስተውዕል። ስለዚ እዚ መስመሪ ሓድነታዊ ጉባኤኩም’ዚ ምልክነት ንምግጣም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉዕዞ ደሞክራስያዊ ለውጢ መሪሕ ተራ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ንምዕዛዝ፡ ካልኦት ውድባት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ ከተባብዕ ተስፋ ንገብር።

ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ንምግጣም ኩሉ ዓቕምታት ደምበ ተቓውሞ ምጥርናፍ ሓባራዊ ዕላማን እዋናዊ ሕቶን ብምዃኑ፡ ምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላን ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤን ክዕቐብ ዘለዎ ዓቢ መኽሰብ’ዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ውሽጣዊ ሓድነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ምዕዛዝን ምድልዳልን ኣገዳሲ ምዃኑ ንግንዘብ። ኣብ’ዚ ሁመት’ዚ ገለ ውገናት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ከም ናይ ሓደ ሃይማኖታዊ መሳርሒ ገይርካ ብምርኣይ፡ ዘይመልክዑ ከትሕዝዎን ብጹዑቕ ከጸልምዎን ተዋፊሮም ይርክቡ። እዞም ሽነኻት እዚኣቶም በዚ ኣገባባት’ዚ እንተቀጺሎም ማለት ንገዛእ ርእሶም ካብ ሃይማኖታዊ ዝንባሌታት ሓራ ከይኮኑ ንውሽጣዊ ሓድነት እቲ ባይቶ ክዝርግዎ እንተዘይኮይኖም ከጥቅምዎ ከምዘይክእሉ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከነረጋግጸሎም ንፍቱ። እዞም ሃይማኖታዊ ዝንባሌታት ከንጸባርቑ ዝፍትኑ ወገናት ንቅዱስ ገድላዊ ዕላማታቱ ዝትንክፍ ብምዃኑ፡ ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ  ብግቡእ ከስተውዕለሉን ክምክትዎን ይግባእ ንብል። ስለዚ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኩሉ ገድላዊ መሳርሒታትና ብመሰረት ደምበ ተቓውሞ ዝሰማምዓሉ መሰረታዊ መትከላት ህልዊ ብድሆታት ንምግጣም፡ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍን፡ ሓባራዊ ዕቱብ ስርሓት ምስልሳልን ኣገዳሲ ዕማም ምዃኑ ይግንዘብ።

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ መስመሪ ጉባኤ፡-

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣብ ኤርትራ፡ ዞባናን ዓለምን ተቕያያሪ ምዕባሌታት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ህሞት ኣብ መንጎኩም ተራኺብና፡ ብውጽኢት መስመሪ ጉባኤኩም ዝወለድ ሓድሽ ውድብ ኣብ መጻኢ ንሓድነት ደምበ ተቓውሞ ዓይነታዊ ኣበርክቶ ዘበርክት ክኸውን ልባዊ ትምኒትና ንገልጽ። ከምኡ’ውን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉዕዞ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዓይነታዊ ዝላ ንምምዝጋብ፡ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮታት ግቡእ ትምህርቲ ብምውሳድ፡ መስመሪ ጉባኤኩም ንመላእ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ጽላል ንምጥርናፍ ዘተባብዕ ውሳኔታትን መደባትን ሒዙ ክወጽእ ልዑል ተስፋ ንገብር።

ዓወት ንመስመሪ ጉባኤኩም!!

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

05 ጥሪ 2013

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,290,420 وقت التحميل: 0.22 ثانية