Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
15/10/1445 (23 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ብምኽንያት ምርሻን 28 አባላት ሓይሊ &#
أخبار

Red sea afar 012.jpg

ብምኽንያት ምርሻን 28 አባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝኾኑ ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝወጸ መግለጺ

    ስርዓት ህግደፍ ን 28 አባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ አብ ከባቢ ባርዶሊ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብጋህዲ ረሺኑ፡ እቶም ብምሉኦም ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝኾኑ አባላት ሓይሊ ባሕሪ ንና ጽጌራዳ ገብረመድህን አማሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊት ቀይሕ ባሕሪ መራሒ መኪናኣ ዝነበረ ከተህድሙ ፈቲንኩም ብምባል ቅድሚ 3 መዓልቲ ንብሙሎኦም አብ ከባቢ ባርዶሊ ከምዝረሾኖም ካብቲ ቦታ ዝበጻሓና ዝተረጋገጸ ዜና ሓቢሩ፡፡ እዚ ብጨፍጫፊ ትካላት ዑሉላት ህግደፍ ዝተወሰደ ጅመላዊ ህልቂት›ዚ መቀጸልታ ናይቲ ብስዉርን ብጋህድን ክገብሮ ዝጸነሐን ዘሎን ባራባራዊ ተግባራቱ ኾይኑ፡ ሙሉእ ናይዚ ጅምላዊ ህልቂት›ዚ ተሓታቲ ዝኸውን መንግስቲ ኤርትራን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ነቲ ናይ ምርሻን ትእዛዝ ዘመሓላለፈ ኮሎኔል ወዲ ሓሊማ ምኻኑ ዲሞክራስያዊ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ይሕብር፡፡ እዚ ዘስካሕክሕ ጅምላዊ ህልቂት›ዚ ንህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንምንብርካኽን ንምጽናቱን ንምፍርራህን እካ እንተኾነ፡ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝያዳ ጽንዓትን ሰንቅን ከምዝኾነ እንዳረጋገጸ፡ ሕነ ናይዞም ጩቁናት ሱዉኣት ደቁን አሕዋቱን ድማ አብ ዝጥዕም ጊዜን ኩነታትን ክፈዲ ምኻኑ ንኹሎም አብ ትሕቲ እቲ ጨፍጫፊ ስርዓት ዝነብሩ ዘለዉ ዉጽዕ ህዝብና ክገልጽ ይፈቱ፡፡ በዚ አጋጣሚ›ዚ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ነዚ ተግባር›ዚ ክኹንኖን ህዝብና ዝውሕሰሉን ሂወቱ ዝድሕነሉን ኩነታት ክፍጠር ብትሪ ይጸውዕ፡፡ እዞም ካብ ዘይውዳእ ሃገራዊ አገልግሎትን ጊላነትን ናይቲ ስርዓት ክናገፉ ናብ የመን ክሃድሙ ዝፈተኑ አሕዋትና ፍሉይ ዝገብሮ እንተሎ፡ ንአውቲስታ አማሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ምስ መኪንኡ ንመህደሚ ሽፋን ክኾኖም ስለ ዝመረጽዎ ኢዩ፡ አብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መንእሰያት ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ብሚሳይላት አብ ውሽጢ ጀላቡኦም እንከለዉ ከምዝተሓምሸሹ ዝዝከር ኮይኑ፡፡ አብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ዘርኢ ናይ ምጽናት ፖሊሲ ተኸቲሉ ይኸይድ ከምዘሎን ብዘይ እዚ ዓይነት ፖሊሲ›ዚ ክነብር ዘይክእል ስርዓት ብምኻኑ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም አበሳ ህዝብናን ህላዌናን ናይ ምጽናት ተግባራት ዘካይድ ዘሎ ስርዓት ንምውጋድ አድላይ ዘበለ ኩሉ ዓይነት ሓገዛት ንዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ንውጹዕ ህዝቡን ከቕርብ በዚ አጋጣሚ›ዚ ውድብና ይጽውዕ፡፡ ንስድራ ቤት ስዉኣትን ቤተሰቦምን ንዓናን ጽንዓት ይሃበና እንዳበልና፡ ውድብኩም ነዚ ንህላዌ ህዝብና ከይተሓለለ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝፈታተን ዘሎ ስርዓት: ጨፍጫሪ አህላቒ ተግባራቱ አብ ምቅላዕን ትካላቱ አብ ምትርማስን ንምውዳቑን ከምእውን መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝብና ንምርግጋጽን ከይተሓለለ ክቃለስ ምኻኑ ደጊሙ ከረጋግጸልኩም  ይፈቱ፡፡

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,379,935 وقت التحميل: 0.25 ثانية