Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
17/10/1445 (25 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
E wot Wthadrawe Serhet Ahdotaat D.G.H.AREITRA
أخبار

 DEMOCRATI FRON FOR ERITREAN UNITY.jpg

ዕዉት ወተሃደራዊ ስርሒት ኣሃዱታት፡

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደ.ግ.ሓ.ኤ)፣

ትማሊ 25 ሚያዝያ 2016 ናይ ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓልን ጀጋኑ ኣሃዱታት  ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ኣብ ልዕሊ ናይ ጸላኢ ናይ ስለያ ኣሃዱ በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ዕዉት ወታሃደራዊ ስርሒት ኣካይዶም።

እዚ ኣብ ከባቢ መስሓል ኣኽራን ኣብ ሞንጎ ዓዲ ሽሁን እንጎበይቶን ፍሉይ ስሙ ማይ በለሳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ናይ ጸላኢ ናይ ስለያ ኣሃዱ ተሃንዲዱ ንሃዱታትና ከትቅዕ ኣብ ዝመጸሉ ሓያል ዘየዳግም ጸረ-መጥቃዕቲ ገጢሙዎ ብውጽኢቱ ዛሕዛሕ ኢሉ ክሃድምን ክሳራታት ክጉልበብን እዩ ኮይኑ።

ኣብዚ ልዑል ሓርበኛዊ ሓቦን ጽንዓትን ሰኒቖም ብጅግንነታዊ ተወፋይነት፡ ብዝተዋደደ፡ ስጡምን ቅልጡፍን ናይ ደባይ ስልቲ ኲናት መርሆ ዝተዋግኡ ምዑታት ኣሃዱታትና ካብ ስለያ ጸላኢ 2 ምውታትን 3 ቁሱላትን ክኾኑ እንከለዉ፡ 3 ብረት ካላሽን ኮፍን ሓደ /1/ ወታሃደራዊ ክሻፋን መንዚዖም፡ ጸላኢ ዛሕዛሕ ኢሉ ጭርኡ ደጒሉ እናተበታተነ ናብ ዝመጸሉ ክምለስ ከም ዝተገደደ፡ ወኪል ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብቲ ግንባር ዝሰደድልና ዜና ይሕብር።

እዚ ናይ ጸላኢ ስለያ ኣሃዱ እዚ ኣብዚ ከባቢ ንኡስ ዞባ’ዚ ንዝነብር ሰላማዊ ህዝቢ ብዙሕ ግዜ “ለይቲ ለይቲ ብጸልማት ናይ ደ.ግ.ሓ.ኤ /ሳግም/ ኣሃዱታት እናመራሕኩም፡ ስንቂ እናተሽከምኩም፡ እናተቐበልኩምን፡ ጽሑፋቶም ኣብ ፈቐዶ ህዝቢ ዝእከበሉ ቦታታት እናበተንኩም ብዛዕባና ሓበሬታታት እናኣብጻሕኩም ትተሓባበርዎም ኣለኹም ኢኹም”..እናበሉ ክኣስርዎምን ክቕጥቅጡዎምን ካብ ዝጸንሑ ሓደ ካብቶም ዕሉላት ኣሃዱታት ናይ ስለያ ጸላኢ ኢዩ።

ጀጋኑ ናይ ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓልን ኣሃዱታትና እዚ ዕዉት ጅግንነታዊ ወተሃደራዊ ስርሒት’ዚ ፈጺሞም ብሰላም ናብ ቦተኦም ከም ዝተመለሱ ወኪል ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብቲ ቦታ ዘመሓላለፈልና ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!!

ውድቀት ንጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!

ዝኽርን ክብራን ንጀጋኑ ስዉእትና!

ናይ ፖለቲካን ፕሮፖጋንዳን ቤት-ጽሕፈት፡

ደሞክራስያዊ ንባር ሓድነት ኢርትራ

26 ሚያዝያ 2016

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,432,038 وقت التحميل: 0.30 ثانية