Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ናይ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ናይ ዋዕላ &#46
أخبار

ናይ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ናይ ዋዕላ ሽማግለ ቆይማ።

ኣብ ከተማ ሳንድያጎ ብዕለት 22 ግንቦት ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ደቡባዊ ካሊፎኒያ ዝመጹ ኤርትራውያን ዝተረኽብዎ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሰሚናር ተጌሩ ውዒሉ። ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ማለት ካብ ደቡብ ናይ ጎቦታት ተሃቻፒ (Tehachapi Mountains) ኣስታት 113 ኪሎሜተር ሰሜን ናይ ሎስ ኣንጀለስ ክኸውን እንከሎ ብደቡብ ከኣ ክሳብ ዶብ መክሲኮ ዝዝርጋሕ ብምዕራብ ብሰላማዊ ውቅያኖስ ብምብራቕ ከኣ ነቫዳን ኣሪዞናን ኣውራጃታት ዘዳውብ እዩ። ኣብዚ ቦታዚ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ኣብ ከባቢ ሳንድያጎን፤ ሎስ ኣንጀለስን ሳን በርናርዲኖን እዩ ዝቕመጥ። እታ ዝወጸት ሽማግለ ነዘን ዓበይቲ ከተማታት እዚኣተን ኣብ ግምት ዘእተወት እያ።

ኣብ' ሰሚናር ዝተፈላለዩ ወረቓቕቲ ንዋዕላ ዝምልከት ቀሪቦም። ከም'ኡውን ዝተፈላለየ ሓሳባት ብዛዕባ ዋዕላ ፈሲሱ። ኣብ መጨረሽታ ኩሎም ኤርትራውያን ብፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውን ማሕበራትን ጌሮም ድምጾም ከስምዑ ንክኽእሉ እተሰርዕ ንኣብ ደቡባዊ ካሎፎርኒያ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ዘማእከለት ሽማግለ ቖይማ። እታ ሽማግለ ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ብዝመጹ እያ ቆይማ። ዕላማ እታ ሽማግለ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ኣብ ዋዕላ ድምጾም ከስምዕሉ ዘኽእል ኣገባብ ፈጢራ ቀጻሊ ናይ ዘተ መስርሓት ከተሰላስልን ወከልቲ ህዝቢ ንዋዕላ ከተምርጽን ኢዩ። ኣብ' ሰሚናር’ዚ ብዙሓት ለበዋታት ነታ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብፍላይ ዘላ ኣሰናዳዊት ኮሚቴ ዋዕላ ከም'ኡውን ነታ ብደረጃ ዓለም ሓላፍነት ተቐቢላ ዘላ ኣሰናዳዊት ዋዕላ ሽማግለ ካብ' ተሳታፊ ሰሚናር ህዝቢ ቀሪቦም። ገለ ካብቶም ዝቐረቡ ለበዋታት ከኣ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም

1. እዚ ዋዕላ እዚ ህዝቢ ኣብ ናይ ጥፍኣት ኩነታት ከሎ ይግበር ምህላዉ ተስፋ ዝህብ ክነሱ ብህዝብና ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ስለዚ ከም ህጹጽ ጉዳይ ክርአ ብእኡ መሰረት ከኣ ንኢደኪ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክቕይሮን ናቱ ሓጋግን ፈጻምን ኣካል ካብ ህዝብን ካብ ኤዲኪን ክወጽእን፤

2. ሓደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ፡ ብሓደ እዝን ሓባራዊ ፖለቲካዊ ኦርየንተሽን ዝመሃር ንህዝቢ ዝከላኸልን ሓይልታት ምክልኻል ዘዐቁብን ነቲ ግዜያዊ ቅዋም ወይ ተመሳሳሊ ስም ዘለዎ መትከል ዝምእዘዝን ንመትከል/ቅዋም/ቻርተር ወይ ካልእ ስም ዘለዎ ብልዑል ሕጊ ባይቶ ተማእዛዝነት ዘለዎ ክኸውን ይጥለብ

5. ባይቶ ኤርትራ ናይ ድያስፖራ ኤርትራውያን ዓቕምታት ብምጥቃም ዝሰርሕ ብኹሎም ናይ ወጻኢ ወኪላት ዝምራሕ ሓደ ናይ ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክህሉ፡

4. ሓደ ፈራዲ ኣካልን ንዘለዉን ናይቀደም ቅዋማትን ቻርተርን ጽላታትን (ኮቬናንትስ) ኣኻኺቡ ዘጽንዕ ናይ ሕግታትን ካልእ ኣካዳምያዊ ዓቕምታትንን ዘለዎም ኤርትራውያን ኣኻኺቡ ንህዝቢ ዘቕርብ ኮሚስዮን ክ። ኣብ ውሽጢ ንዘጋጥም ጸገማት ክንዲ ንቓልዕ ወጺኡ ህዝቢ ዘናውጽ ኣተጋግብርኡ ዝርኢን (ኤቲክስ ኮሚቴ) ከ'ኡውን ንፈጻሚት ኣካልን ሓጋጊት ኣካልን ዝፍትሽ ኣካል ካብ ባይቶን ህዝብን ክወጽእ።

6. መሰጋገሪ መንግስቲ ወይ ካልእ ስም ዘለዎ ኣካል ንህግደፍ ኣልጊሱ ስልጣን ንህዝቢ ዘረክብ ሓይሊ ብህጹጽ ክወጽእ ዘኽእል ክኸውን፡

6. "ሃገራዊ ዋዕላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ "ዝብል ሰነድ ብሓልዮት መራኸቢ ሽማግለ ማኒፌስቶ ካስል 2006 ዝወጸ ናይ' ዋዕላ' ገለ ካብ' መበገሲ ሰነድ ኮይኑ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ኩለን