ኣኼባ
ንምዕዋት መስርሕ ዋዕላ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ
ኣብ
በይ ኤርያ ካሊፈርነያ U.S.A ብጉብእ ተሳላሲሉ
ኣብ ኦኩላንድ ካሊፈርነያ
ንምዕዋት መስርሕ ዋዕላ ንዲመኩራስያዊ ለውጢ ብዕለት 5/6/2010 ተኻይዱ ኣብዚ ኣኬባዚ ብግዳይ ህዝብን ሃገርን ዝሕለቁ
ተሳተፍቲ ኣኼባ ሃናጺ ንዋዕላ ዘዕውት ሓሳብን ምኽርን ለበዋን ሒዞም ናብ ኣኼባ ተሳቲፎም ኣኼባ መስርሕ ናይ ዋዕላ
ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መኽፈቲ ዝኽረ ሰማእታት ናይ ሕልና ጾሎት ተከፊቱ።
ድሕሪ ዝኽረ ሰማእታት
ኣኼባ በቲ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ ዝሰርዓቶ ኣጀንዳ ኣቡኡ ብዕምቆት መግለጺ
ተዋሂቡዎ
ብድሕሪ ብዑምቆት መግለጺ ክኣ ካብ ህዝቢ ኣባላት ውድባት ዘይኮኑ ንሪኢቶታትን
ሓሳባትን ሎቦዋታትን ሒዞም ንዋዕላ ዝሳተፉ ኣኼበኛ ወከልቱ ዝኾኑ ብዕሊ ነዞም ብስእሎም ዝስዕቡ 7 ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ
ትርከቦም መርጾም።
እቶም ተመሪጾም ንዋዕላ ዝኸዱ ክኣ ነቲ መድረኽ ተቐቢሎም ነቲ ኣኼባ
ብቀጻልነት መሪሖሞ።ብዙሕ ጠቃምን ሃናጽን ኣብ ዋዕላ ክዝተየሎም ዝግቦኦ ብዙሕ ሓሳባት ምኽርታትን ሎቦዋትን ነቶም ብምርጫ ንዋዕላ
ዝኸዱ ካብ ኣኺባ ተለግሱሎም።
ንመስርሕ ዋዕላ
ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ኣከበኛታት ዘርኣዮ ሓልዮት ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ኹሉ ኣብዝብል ቴማ ጸቂቶም ሪኢቶታትን ሓሳባትን
ከቕሩቡ ከለው ናይ ቃልስኻ ሽውሃት ዘሔድስን ዘባራትዕን ኮይኑ ክንድምንታይ ንስርዓት ህግደፍ ንህዝብና ብዘስካሕክሕ መከራን
ሓሳርን ዘውርደሉ ዘሎ ስልጣን ናይ ህዝቢ ብምልኪ ዝገበተ ዲክታይተራዊ ስርዓት ብኹሉ ኣጋባብ ተጠቂምካ ከልክስ ኣለዎ ዝብል ድምጺ
ካብ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ብምብጋስ ብብዝሒ ይስማዕ ነይሩ።
ብምክብባር
ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ ዝሰርዔ ዓኼባ ጽማቅቕ ናቱ ነዚ ዝተጠቅሰ ይመስል ነይሩ።
ዓወት ንመስርሕ ሃገራዊ
ዋዕላ ንድሞኩራስያዊ ለውጢ
ውድቀት ንስርዓት
ህግደፍ መንደፍ
ዕለት
6/6/2010
በይ ኤርያ ካሊፎርነያ
U.S.A
|