Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ግሃድኤ፡ ዞባ ሕቡራት ሃገራት ኣመ&#465
أخبار

           ER Na Sa Front.jpg
 

ግሃድኤ፡ ዞባ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን 4ይ ጉባኤኡ ኣካይዱ ብልዑል ድምቀት ዛዚሙ፡

06/07/2010     

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ኣብ ትሕቲ “ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” ዝብል መሪሕ ጭርሖ ማዕሪጉ 4ይ ጉባኤኡ ካብ 2-3 ሓምለ 2010 ኣካይዱ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ብልዑል ድምቀት ከምዝተዛዘመ ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።
እቲ ጸብጻብ ብዝርዝር ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ ዞባዊ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን፡ ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞን፡ ብዛዕባ ውድብ ግሃድኤን ኣመልኪቶም ሰፊሕ ተንታን ከምዘቕረቡ ተሓቢሩ።
ከምኡውን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ዘሕልፎ ዘሎ ሃገር ከደን፡ ገደብ ኣልቦ መሪር ሂወት ብምስትብሃል ውድብና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ መላእ ህዝብና ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ደልሃመት ንምንጋፍ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ኣብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቁጠባውን መዳያት ቃልሱ የበርኽ ከምዘሎ መዚኖም።
ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣስዒቦም፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዘመዝግቦ ዘሎ ዓወታት ብቀሊሉ ዝረአ ከምዘይኮነ ግልጺ ገይሮም። ከም ኣብነት ብምውሳድ ኪዳን ኣብ ምዕዋት ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝገብሮ ዘሎ ልዑል ጻዕርታት ኣሞጒሶም። ውድብና ግሃድኤ’ውን ነዚ ተወጢኑ ዘሎ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት ካብ መጀመርትኡ ኣትሒዙ ዘይሕለል ኣበርክቶ ክገብር ከምዝጸንሐን ከምዘሎን ሓቢሮም። ተሳታፍነት ህዝቢ ክዓዝዝ’ውን ጸዊዖም። ብተወሳኺ ለውጢ ብዝኾነ ዓይነት መንገዲ ብምድጋፍ ወተሃደራዊ ክንፊ ዘለወን ውድባት ሓቢርካን ተዋሃሂድካን ንምቅላስ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ንኢዶም።
ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ፡ ብዛዕባ ግሃድኤ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ግሃድኤ ካብቲ ኣትይዎ ዝነበረ መዋጥር ሳላ ጽንዓት ሰራዊትን ሓያል መሰረታትን መሪሕነትን ሰጊሩ ቀጻልነቱ ከምዘረጋገጸ፡ ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ንህዝቢ ዘበሳብሱ ኣባላት መርበብ ስለያ ስርዓት ህግደፍ፡ ብጀጋኑ ተባዓት ኣሃዱታት ግሃድኤ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ወተሃደራዊ ስርሒት ህያው ምስክር ምዃኑ ግልጺ ገይሮም። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ተባዕ ሰራዊት ግሃድኤ ብሽም ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ መሰረታት ግሃድኤ ምስጋና ከምዘቕረቡን ኣጆኻ ሓየት ኣብ ጎንኻ ኣለና ዝብል መልእኽቲ ከምዘሕለፉን እቲ ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።
ብድሕሪ ሰፊሕ መብርህን መግለጽን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ፡ ብዛዕባ 4ይ ዞባዊ ጉባኤ ዝምልከት ብመራሕቲ ዞባ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን በቢ ዝምልከቶም ኣካላት ዕዮታት ጸብጻብ ምስ ቀረበ ቀጺሉ መድረኽ ንሕቶን ርእይቶን ክፉት ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ንዝቐረበ ሕቶን ርእይቶን ዘዕግብ መልሲ ምስ ተዋህበ ነቶም ኣቕረብቲ ንዘርኣይዎ ጽፈትን ተወፋይነትን ካብ ተሳተፍቲ ጉባኤ ዓቢ ምስጋና ከምዝቐረበሎም፡ ብምቕጻል ነቲ ጉባኤ ትመርሕ ብጉባኤኛ 3 ዝኣባላታ ሰክረታርያ ከምዝተመርጸትን፡ ጉባኤ ብሰክረታርያ ተመሪሑ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ 5 መራሕቲ ዞባን 1 ተጠባባቕን ንመጻኢ ክልተ ዓመት ዝመርሑ ተመሪጾም ክብል እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።
ኣብ መዛዘሚ 4ይ ጉባኤ ግሃድኤ፡ ዞባ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን
እዞም ዝስዕቡ ውሳኔታት ብዝርዝር ኣቐሚጡ፡-
1. ጉባኤ፡ ውድብና ግሃድኤ በቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ሓጎጽጎጽ ብጻዕርን ጽንዓትን ኣባላቱ ህልውንኡ ኣረጋጊጹ ሓያል ውድብ ክኸውን ዝገበሩ ኣብ ኩሉ ዓለም ንዝርከቡ ኣባላት ግሃድኤ ኣሞጒሱ፡
2. ጉባኤ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጨካን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ፡ ንዝተቓወመ ኣብ ቤት ማእሰርትን ጎዳጉድን ዳጒኑ ብዘይ ፍርዲ ዘሕቅቖም ዘሎ፡ ናብራ ሓሲምዎም ናብ ስግረ-ዶብ (ስደት) ዝፈተኑ ብዘይምሕረት ብጥይት ይርሽን ከምዘሎ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ እታ ብክቡር መስዋእቲ ደቃ ልዕላውነታ ዘረጋገጸት ሃገርና ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ፡ ቀጻልነታ ኣሰካፊ ኮይኑ ስለ ዘሎ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ርእሲ ስርዓት ህግደፍ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ (ማዕቀብ) ከተግብሮ ጸዊዑ።
3. ሰራዊት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ምሓውር ትካላት ስለያ ስርዓት ህግደፍ ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ዓወታት እና ሞጎስና ንሕና ኣባላት ውድብ ግሃድኤ ኣብ ጎኑ ደው ኢልና ካባና ዝጥለብ ዘበለ ከነማልእ ምዃንና ነረጋግጽ።
4. ጉባኤ፡ ንተቓውሞ ሓይታት ኩሉ ፍልልያተን ወጊደን ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ዝብል መርሆ ብሓደ ተሰማሚዐን ህዝብን ሃገርን ከድሕና ጸዊዑ።
5. ንመስርሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝምልከት ክንድቲ ብዙሕ ጻዕሪ ዝተኻየዶ ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ ካባና ዝጥለብ ዘበለ ከነማልእ ምዃንና ነረጋግጽ።
6. ጉባኤ፡ ነቲ ብስርዓት ምልኪ ህግደፍ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ብዝብል ምስምስ ኣብ ክንዲ ንምልኪ ስልጣን ምክልኻል፡ ንሃገርን ህዝብን ተኸላኻሊ ኮይኑ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ጎኒ ህዝቡ ደው ክብል ጸዊዑ።
7. ነቶም ኣብዚ መስርሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ኣይንሳተፍን ዝብሉ ሸነኽ ከም ተቓለስቲ እና ኣኽበርና ንመርገጾም ዳግም ርእይቶ ገይሮም ናብ መስርሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክሳተፉ ጉባኤ ኣማሕጺኑ።
8. ንጎረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ኢትዮጵያ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝወርዶ ሕሰመ-መከራ ምጽዋር ስኢኑ ናብ ስደት ብቀጻሊ ዝውሕዝ ዘሎ ህዝብና ዕቑባ ምፍቃዳ ጉባኤ ሞጒሱ።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ
ግሃድኤ ዞባ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን፡

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,280,448 وقت التحميل: 0.28 ثانية