Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ERITREAN PEOPLE'S DEMOCRATIC FRONT nited States of America & Canada
أخبار

ER. PE. DEM FRONT.jpg
United States of America & Canada

ናይ ሓዘን መግለጺ

መስዋእቲ ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን

ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን ረዳ፡ ምክትል ኣቦ-መንበር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤ)ን ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን፡ ብረቡዕ 21 ሓምለ 2010 ብዘጋጠሞ ድንገታዊ ሓደጋ ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ከምዝተፈልየ ብመርድእ ምስተሓበረ ንኩሎም ስድራ-ቤቱን ንምሉኣት ናይ መቃለስቲ ብጾቱን ኣብ ኣዝዩ ከቢድን ዓሚቝን መሪር ናይ ሓዘን እዋን ኣእትዩና ይርከብ።

ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን፡ ካብ ወላዲኡ ኣቶ መስፍን ረዳን፡ ወላዲቱ ወ/ሮ ጅራ ገብረን ኣብ ኣውራጃ ሰራየ (ዞባ ደቡብ) “ደቂ ወራሲ” ዝተባህለ ዓዲ ብ15 ጥሪ 1958 ይወለድ ድኣምበር፡ ካብ ወዲ 18 ዓመቱ ጀሚሩ ንሃገሩን ህዝቡን ምሉእ ነጻነትን ሓርነትን ከምጽእ ዝተበጀወ ጅግና ተጋዳላይ ኢዩ።

ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን ምክትል ኣቦ-መንበር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤን) ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ኮይኑ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ ብትብዓትን ቆራጽነትን ግቡኡ ከወፊ ዝጸንሐ ጽኑዕ ደሞክራስያዊ ተቓላሳይ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንኩሉ ብቕዓቱት እኳ ኣይንዳረጎ እምበር ኣጆኻ ምስቶም ኩሎም ዝሓለፉ ጀጋኑ ስዉኣት ቅሰን፡ ነቲ ክሳዕ ዕለተ-መስዋእትኻ ዝተቓለስካሉ ዓላማ ድማ ኣብ ሸትኡ ከነብጽሖ ምዃና ቃል ንኣትወሉ ሰዓት’ዩ።

በዚ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ናይ ሓደጋ መሪር መስዋእቲ ጅግና ተቓላሳይ ብጻይና ተስፍሁነይ መስፍን፡ ንብጾትና ተቓለስቲ ትርሓስን ንደቅና መሪሕን እልልታን ዓሚቝ ዝስምዓና ከቢድ ሓዘን እንዳገለጽና፡ ንመላእ ኣባላት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራን ፍትዋት ተቓለስቲ ምሉኣት ስድራ-ቤቱን ፈተውቱን ኣዕሩኽቱን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንኩሎም ስዉኣትና!

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤ)

ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን

23 ሓምለ 2010

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,303,814 وقت التحميل: 0.09 ثانية