Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ደምዳሚ መግለጺ  ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼ&#47
أخبار

Alaince 1.jpg

ደምዳሚ መግለጺ

 ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት

 

ኣብ ኤርትራዊ ዓውደ ፖለቲካ ኣገደስቲ ምዕባለታት ኣብ ዝተኽሰተሉን፡ ብሰንኪ ጨቋኒ ፖሊሲን ተግባርን ገዛኢ ስርዓት ኣብ ፖለቲካውን ጸጥታውን መነባብሮኣ’ውን ኩነታት፡ ስቅያት ህዝቢና ኣብ ዝዛይደሉን ዘሎ ወቅቲ፡ ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ 26-28 ሓምለን 17-18 ነሓሰን 2010 ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣሰላስሉ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ዓውደ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓባራዊ ቃልሲ ዕላማኡ ንምርግጋጽ መታን ክኽእል ኣብ ጉዕዙ ተጋድሎኡ መሳርዑ ንምጥርናፍን ራእዩ ንምስማርን፡ ፖለቲካውን ሲቪላውን ሃይማኖታውን ኩሎም ክፍልታት ህዝብና ዝተሳተፍዎ ሃገራዊ ዋዕላ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክግብር ብምኽኣሉ ኣገዳሲ ፍጻሚ ኣመዝግቡ።

ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ማእከላይ መሪሕነት፡ ምርግጋእን መጻኢ ዕድልን ኤርትራ ዝህድድ ዘሎ ሓደጋታት ምንቁልቋል ብምስትውዓል፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ በድማዕነት ምዕያይን ጻዕሪታት ምጽዓቕን ኣረጋግጹ። ከምኡ’ውን ኣብ ፖለቲካውን ምሕደራውን ህዝባውን ዜናውን መዳያት ዘጠቓለለ ጸብጻብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዕቱብ ምይይጥ ብምክያድ፡ ንዝተመዝገቡ መኽሰባት ምዕቃብን፡ ዝተኸሰቱ ውሽጣዊ ጸገማት ንምእላይን፡ ኣድላዪ ምይይጣት ገይሩ። ብመሰረት ጸብጻብ ጠቕላላ ተቆጻጻሪ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ኣታውን ወጻኢን ገንዘብ ኤዲኪ ዝተኸሰተ ጉድለታት ብዘይምህላዉ፡ ነቲ ገንዘባዊ ኣካይዳ ንእዱ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገራዊ ዋዕላ ሓደ ካብቶም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝፈጸሞም ኣገዳሲ መደብ ከም ምዃኖም መጠን፡ ማእከላይ መሪሕነት ካብ ምስንዳኡ ጀምርካ ክሳብ ምፍጻሙ  ብዘይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓላፍነት ክከታትሉ ክግምጊሞን ጸንሑ’ዩ። ምስ’ቲ ኩሉ ከምዚ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ንጥፈታት ክካየዱ እንከሎዉ ዝኽሰቱ ጽንኩርነትን ጸገማትን፡ ማእከላይ መሪሕነት ሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ብኣወንታ ተዋስኡ’ዩ። ማእከላይ መሪሕነት ንኣሰናዳኢት ሽማግለን ዕዮታት ሃገራዊ ዋዕላ ዘመሓደረት ሰክርታርያን ንእዱ። ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ጉዕዞ ተጋድሎ ብትሕዝቶን ዓቐንን ኣገዳስን ሓድሽን መፈለምታ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ተሞኩሮ ከም ምዃኑ መጠን፡ ሕጽረታት’ኳ እንተነበርዎ፡ ዕዉት ምንባሩን ናብ ለውጢ ብዝድርኹ ካልኦት ስጉምቲታት ምዕዛዝ ከም ዘድልን ኣረጋግጹ።

ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዝቖመት ኣብ ህዝቢ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ምክያድን ንኩሉ ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካውን ሲቪላውን ሓልታቱን ኣብ ጎኒ ተቓውሞ ንምስላፍን፡ ዲሞክራስን ምርግጋኣን ሰላምን ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዝሰፈና ኤርትራ ንምህናጽ ጥዑይ ባይታ ዘንጽፍ ኣካቢ ሃገራዊ ጉባኤ ምክያድን፡ ንረብሓ ፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢና ናይ መንግስታትን ሰልፍታትን ኣህጉራዊ ደገፍ ንምርካብ ዕማም ዝተሸከመት ሃገራዊት ኮምሽን ኤርትራ ደገፉ ይገልጽ።

ሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ዓቢ ኣቃልቦን ግዜን ስለ ዝወሰደ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብዚ ወርሒ ነሓሰ 2010 ጉባኤ ከካይድ ኣይከኣለን። ስለዝኾነ ማእከላይ መሪሕነት ቅዋም መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ጉባኤ ምክያድ ወሲኑ። ከምኡ’ውን መሪሕነታዊ ኣካላት ከምቲ ዝጸነሕዎ ክመርሑ ዳግም እምነት ኣንብርሎም።

ማእከላይ መርሕነት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ህዝብን ዝርከብ ህዝቢና ጸረ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክስለፍን፡ ተቓውሞኡ ብኩሉ ኣገባባት ቃልሲ ክብ ከብልን፡ ዕዮ ታቃውሞ ንምሕያል መሳርዑ ክጥርንፍን ጸዊዑ። ኩሎም ፖለቲካው ሲቪላውን ሃገራዊ ሓይልታት ነቲ ዓቢ ቅሩብነት ዝጠልብ ዕማማ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክበቕዑ መታን፡ ኣሰራርሓኦም ንምምዕባልን ሽግራቶም ንምስጋርን ጸዊዑ። ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣቀባብላን መነባብሮን ንምምሕያሽ ብዝወስድዎ ዘሎዉ ሃናጺ ስጉምቲትን ንዲሞክራስያዊ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና ብምድጋፍን፡ ንዋዕላ ምዕዋት ዝድሊ ሎጅስታካውን መሳልጥያታትን ብምቕራብን ዝለዓለ ሞጎሱ ይገልጽ።

 

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!!

ማእከላይ መሪሕነት

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤ.ዲ.ኪ)

20 ነሓሰ 2010

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,277,586 وقت التحميل: 0.11 ثانية