Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ህዝባዊ ተቓውሞ ምብራቅ ኣከለ ጉዛ&#48
أخبار

 ህዝባዊ ተቓውሞ ምብራቅ ኣከለ ጉዛይ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት

 ጸረ ስርዓት ኢሳያስ ናይ ዝከየደቶም ጅግንነታዊ ኩናት ሙሉእ ሓበሬታ ተቐርብ፦

ጅግና ህዝቢ ኤርትራ!!

ጀጋኑ ደቂ ምብራቅ ኣከለ ጉዛይ !!

 

ደገፍቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ኩሉ ቦታታት !1

ህዝቢና ካብቲ ከፋፋልን ኣድልዎኣውን ባዓለጋዊ ስነ ምግባርን ስርዓት ኢሳያስ ሓራ ክሳብ ዝኸውንን ሕብረ ሰልፋዊ ዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ዝተክልን ህዝባዊ ተቓውሞ ቀጻሊ’ዩ። ህዝባዊ ተቓውሞ ምብራቅ ኣከለ ጉዛይ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት፡ ጸረ ወልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ተቓውሞ ከልዕልን መስዋእቲ ክኸፍልን ካብ ዝደረኽዎ ምኽንያታት ክገልጽ ይፈቱ። ቅድምኡ፡ ብምኽንያት ብኣቦ ሓርባኛታት ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ መበል 49 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢና ጽቡቕ ምንየቱ ይገልጽ።

ህዝባዊ ተቓውሞ ምብራቅ ኣከለ ጉዛይ ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ተቓውሞ ከልዒል ካብ ዝደረኽዎ ዝስዕቡ’ዮም፦

ቀዳማይ፦ ኣብ ዓዲ ቀይሕ፣ ሰንዓፈ፣ ሃዘሞ፣ ፎሮ፣ ደቀምሓረን ኢራፋለን……ወዘተ መሻይኽን ዓበቲ ዓድን ምጭዋይን ምእሳርን።

ካልኣይ፦ ህዝቢ ምብራቅ ኣከለጉዛይ ንምጥማይ፡  ናብዚ ከባቢ’ዚ እኽሊ ከይኣቱ ምእጋድ።

ሳልሳይ፦ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጠሮ ክስተት ጥምየት መዝምዙ፡ ንህዝቢ በስገዳድ ኣብ ጋሽ ባርካ ብዘይድልየቱ ክሰፍር ምግባር።

ራባዓይ፦ ንህዝቢ ምብራቅ ኣከለ ጉዛይ ኣብ ቀጽሪ ጥምየት እናዓጸዎ እንከሎ፡ ጽዑቕ ጊፋታት መንእሰያት ምክያድ።

ሓሙሻይ፦ መሬት ህዝቢ ብምህጋር ህዝቢና ኣልቦ መሬት ኮይኑ።

ሻዱሻይ፦ ሰብኣዊ ክብረታት ህዝቢ ምግሃስን፡ ደቂኣንስትዮ ምዕማጽን።

ሻዋዓይ፦ ኣብ ገጠራት፡ እስላማዊ ክብረታትን ሕሽማን ዘሎዎ ሕጃብ ደቂኣንስትዮ ከይለብሳ ምኽላእን ተቐልዐን ክኸዳ ምስግዳድን።

 

ህዝባዊ ተቓውሞ ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ምስተላዕለ፡ ህዝቢና ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣንጻር ወልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ዘቕነዖ ኩናት ናብ ሰፊሕ ህዝቢ ንምቕላሕ ንዋታውን ንያታውን ዜናውን ደገፋት ኣበርክቱ። እዚ ድማ ህዝቢ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ወልቀ መላኺ ዝተመዘዖ ኩሉ ዓይነት መሰሉ ንምምላስን፡ ንዝተደፍሩ ሰብኣውን ባህላውን ክረታቱን ሰብኣዊ ክብሪታት ደቂኣንስትዮኡን ንምክልኻል ድሉው ምዃኑ ዘረጋግጽ’ዩ።

 

ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ድሕሪ’ቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ዕሽል ዕድመኡ ንምጭላቕ ዝወሰዶ ሰፊሕን ጽዑቕን ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት፡ ነቲ ኣብ ምብጋስ ተቓውሞ ዝተኸስተ ባዕላዊነት(ዓፋዊያ) ክእርምን ነፍሱ ክውድብን ኩነታቱ ክሰርዕን ኮይኑ። ህዝባዊ ተቓውሞ ምብራቅ ኣከለ ጉዛይ ምእንቲ ህዝባዊ ዕላማ ንምርግጋጽን፡ ምእንቲ ናይቶም ንሓርነትን ክብርን ህዝቦም ዝተሰወኡ ጀጋኑ ሕነ ምፍዳይን፡ ኣብ ምቹእ ግዜን ቦታትን ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ግጥምያታቱ ከከይድ ኣብ ዘኽእሎ ኩነታት በጽሑ ምህላዉ የገልጽ

ዓሚ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ተቓውሞ ናይ ዘካየዶ ሰፊሕ መጥቓዕቲ ዕላማ፡ ንህዝባዊ ተቃውሞ ብኣካል ምቕንጻል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ብምስፋንን ጭውያን ምእሳርን ብምድፋምን ዓዲ ገዲፉ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ንምስፋር ብምስግዳድን ምቅታል መንፈስ ተቓውሞ’ውን’ዩ ኔሩ። ኣብዚ ከባቢ.ዚ ምእንቲ ሃይማኖትካ ምኽባርን፡ ንክብረ ደቂኣንስትዮ ምሕላውን፡ ንመሬትካ ምክልኻልን ጸረ ወረርትን ጎበጥትን ካብ ቅድመ ምእቲ ዓመታት ብወሎዶታት ዝወራረስ ጅግንነታዊ ህያው ተቓውሞ ዓሚቕ ሱር ዘሎዎን፡ ሓርነትን ክብረታትን ኣብ ደቂ’ዚ ከባቢ’ዚ ቅዱስ ምዃኑን ስርዓት ኢሳያስ ኣይፈለጦን’ዩ። ኣብዚ መዋእል’ዚ ኣብኡ ቍልዒ ተቓውሞ ምብጋስ፡ ብዘይጥርጥር መንእሰያት ህልዊ ወለዶ ከምቶም ጀጋኑ ወለዶም ተምበርክኽካን ርእስኻ ኣድኒንካን ምንባር ኣየፍቕዱን’ዮም። ጭቆና ዜግነት ስለዘይብሉ፡ እቲ ዝመረረ ጭቆናን ኣድልዎን ድማ ናይ ደቂ ቤትካ(ሃገርካ)’ዩ። ህልዊ ወለዶ ደቂ’ዚ ከባቢዚ፡ ጸረ ጨቋኒ ስርዓት ኢሳያስ ክለዓሉ ሃገራዊ ጉቡኦም’ዩ። ስለዚ ተቓውሞና ጽንዓቱ ካብ ጭካነ ወጽዓ ስርዓት ኢሳያስ ጥራይ ዝምንጪ ዘይኮነስ፡ ካብ ኣብ ታሪኽ’ዚ ከባቢ ሱር ዝሰደደ ተቓውሞ’ውን’ዩ።

 

ጽኑዕ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ!!

ተባዕ ህዝቢ ምብራቅ ኣከለ ጉዛይ!!

 

ህዝባዊ ተቓውሞ ድሕሪ ሓደ ዓመት መኸተ ጸረ ጨቋኒ ስርዓት ኢሳያስ ዜናዊ መደባቱ ኣብ ምስራዕ ይርከብ። ዓሚ ኣብ ሞንጎ ህዝባዊ ተቃውሞን ጨቋኒ ስርዓትን ናይ ዝተኻየድ ዘይተጣጠነ ኩናት ሓበሬታት ንህዝቢ ምቕራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ይረኣየና። እቲ ግጥም ከመይ ነበረ? ክንደይ ከ’ዮም ተሰዊኦም? ዝርዝር ሓበሬታ ቀደም ሰዓብ ብምኽታል ብከምዚ ዝስዕብ ነቕሪቦ ኣሎና።

 

ቀዳማይ፦  ካብ ዓዶ-ዳጋ ክሳብ ሮብሮቢያ

ስለያ ጸላኢ፡ ሓሙሽተ ተቓወምቲ ዝሓቖፈት ኣሃዱ ኣብ’ቲ ከባቢ ትንቀሳቐስ ምህላዋ ሓበሬታ ምስ ረኸበ፡ ነዞም ተቓወምቲ ንሓሳእን ንሓዋሩን ብሓንቲ ስርሕት ካብ ስሮም ንምምሓው ልዕሊ 120 ኣባላት ፍሉይ ስለያ ዝሓቖፈት ገዝፍ ሓይሊ ኣዋፍሩ ናብ ዓዶ ዳጋ ዘእትዉ መንገዲታትን ኢምባታትን ጎላጕልን ብከሚን ዓጽይዎ። ዓርቢ 5 ሰነ 2009 ሰዓት 5 ንግሆ ሓይልታት ስለያ ጸላኢ ንቦታታት ተቓወምቲ ኣጥቕዐን። ኣብ ግምት ሓይልታት ጸላኢ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ ተዅሲ ምስ ጻዕጸዐ፡ እቶም ተቓወምቲ ኣብ ዕርዲ እንከይ ጸነዑ ተበታቲኖም ብዝሃድምሉ ኣቕጣጫ ኣብ ከሚን ወዲቖም በብሓደ ክማረኹ’ዮም ዝብል’ዩ ኔሩ። እንተኾነ ጊና ኣብ ዓውደ ኵናት ብተሪር ጽንዓትን፡ ወተሃደራዊ ጥበብን ተቓወምቲ ሰንቢዱ። እቲ ኵናት ክሳብ ሰዓት 11 ቀትሪ ቐጽሉ። ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ሰፍ ዘይብል ክሳራት ክውርድሉ። ጸላኢ ኣብ ሓጽር ሰዓታት ክድምሲሶ ከም ዘይክእል ተረድኡ።

 

ውጽኢት ኵናት ዓዶ-ዳጋ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ፦

 

ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብርዓን ጸላኢ ዝወሰዶ ወፈራ ፈሽሉ። ወተሃደራዊ መራሕቲን ስለያዊ ሓለፍትን ምስጥር ጽንዓት ተቓውሞን፡ ምንጪ ደገፉን፡ ባህሪኡን ንምፍላጥ ሓያሎ ሕቶታት ከልዒሉ ተገዲዶም። ንዞም ሕቶታት ንምጽናዕ ወተሃደራዊ ስለያ ፍሉይ መደብ ተዋሂብዎ። ኣብ ሞንጎ ወተሃደራዊ መርሕትን ስለያዊ ሓለፍትን ኣዋርሕ ዝወሰደ ናይ ኮለላን ስለያን መደባት ሓበሬታት ምልውዋጥን ምትንታንን፡ ሓለፍቲ ዞባዊ ስርሕታትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ስለያን ዝሓቖፈ ዝተኣከቡ ሓበሬታት ምርኩስ ብምግባር ኩነታት ንምግምጋምን ወሳኒ ስጉምቲ ንምውሳድን ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2009 ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ኣኼባ ጌሮም። ገለ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ስለያ፡ ናይ’ዚ ዝነቶገ ሓደገኛ ኩነታትን ኣብ ህዝቢ ኣሕልፍዎ ዘሎ መንፈስ ጽልኢ መንግስትን ንዕሱብ ኮለኔል ሽፋ ዑመር ሓላፍነት ኣሰኪሞምዎ። ነዚ ኩነታት’ዚ ሱር ከሰደደ እንከሎ፡ ብሰላምዊ ኣገባብ ንምፍታሕ፡ ምስቶም ተቓወምቲ እትራኸብ ካብ ህዝቢ ሽማግለ ምውጻእን ነቶም ተቓውምቲ ምሕረት ምሃብን ዝብል መፍትሒ ሓሳብ ኣቕርቦም። እንተኾነ ግን፡ ቀታሊ ኣሕዋቱ ዕሱብ ኮሎኔል ሽፋ ዑመር ሹም ስነ ሞጎት ሓይሊ ብምጥቓምን ሕድገታት ብዘይምግባርን ጥራይ ክፍታሕ ከም ዘሎዎ ኣብ ዝብል ተሪር መርገጺኡ ሒዙ ደው በለ። ደጋግሚ ድማ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ተቓውሞ ብሓይሊ ምጭፍላቕ ከም ዝካኣል ኣረጋግጹ። ኣብ መወዳእታ ከም ፍታሕ ብኣጋኡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ዝርኢ ዓብሊሉ። በዚ መሰረት ክሳብ ነዚ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝፍጽም ፍሉይ ሓይሊ ክሳብ ዝምዘዝ፡ ካብ ውሽጢ ህዝቢ ምስቶም ተቓወምቲ እትራኸብ ሽማግለ ኣብ ሞንጎኡ ኣባላት ስለያ ዘሎዋ መዚዙ። እዚ ሰርዓት’ዚ ኣብ ውሽጢ ውድቡ ይኹን ወይ ኣብ ሞንጎኡን ህዝብን ዝፍጠር ሽግይራት ብሰላምዊ መገዲ ናይ ምፍታሕ ተሞኩሮ ከም ዘይብሉን፡ ብመብጸዓታቱ ዘይምእዘዝን፡ ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ኣብ  ሕቡኣት ኣብያተማሕቡስ የብልዮምን ገልኦም ካኣ ኣብ ጸበብቲ ሸላታት ሂወቶም ይሓለፍን ስለዘሎዉ፡ ክሳብ ዝዳሎ ግዜ ንምኽሳብ ዝወስዶ ዘሎ ሙናዋራት ምዃኑ ህዝባዊ ተቓውሞ ተርድእይዎ።

 

ውጽኢት ኩናት ዓዶ-ዳጋ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ተቓውሞ፦

 

እቶም ኣብ ዓዶ ዳጋ ወፍሪ ጸላኢ ዝፍሸሉ ጀጋኑ ተቓወምቲ፡ ምስ’ቶም ኣብ ዲዖት ዝዓረዱ ጀጋኑ ተቓወምቲ ተራኺቦም። ተንኮላት ጸላኢ ንምቕላዕን ውዲታቱ ንምፍሻልን ነፍሶም ከሰርዑ ጀምሮም። ኣብ ቅድሚ ህዝባዊ ከም ቀንዲ ሽግር ኮይኑ ዝተደቀነ ሕጽረት ዕጥቂ ኔሩ። ህዝባዊ ተቓውሞ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምፍታሕ፡ እንተስ ብሓይሊ ወይ ብሱልካ፡ ካብቲ ነውራም ሽም ዝነበሮ መዓከር ተድሪብ ዊዓ ዕጥቂ ምርካብ ወጥኑ። ፈዳይ ስርሒት ብምፍጻም ቁሩብ ዕጥቂ ሰሊቡ። ኣብ ኩናት ዓዶ ዳጋ ሰለስተ ጀጋኑ ተሰዊኦም። ብዕለት 4 ሓምለ 2009 ኣብ ዓስፋት መስመር ሓዲሽ- ኢራፋለ ወተሃደራዊ ማኪና ሓምሽሹ። ኣብኣ ዝነበበሩ ሓይልታት ጸላኢ ምውትን ውጉእን ኮይኖም።

 

ካልኣይ፦ ኩናት ጋራንቱ-ሮብሮቢያ

ጸላኢ ብመሰረት ሓሳብ ቀታሊ ኣሕዋቱ ኮለኔል ሽፋ ዑመር ሹም ምድልዋቱ ምስ ወደአ፡ ንህዝባዊ ተቓውሞ ምርዓን ዝብገሰሉ፡ ናይ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣመራርሓ ዝዕስክረሉን ቦታታት ኣንጽሩ። ህዝባዊ ንይዝርከበሉ ጋራንቱ ብስሉስ መኣዝን ማለት ብሰሜንን፡ ደቡብን፡ ምዕራብን፡ ከቢብዋ። ብወተደራዊ ሃይለ ኮብተራትን፡ ከቢድ ብረትን፡ ሕክምናን ዝተደገፈ፡ ብሰለስተ ቤርገዳት ዝቐመ ወቓዒ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣዳልዩ። ሓይሊ ጸላኢ ባሕቲ መስከረም 2009 ብሸነኽ ምዕራብ ተዅሲ ከፊቱ። ህዝባዊ ተቓውሞ ብጽንዓት ብምምካት ንሓይሊ ጸላኢ ምግስጋስ ዓግትዎ። ጸላኢ ንካልኣይ ጊዜ ብሽነኽ ደቡብ ምጥቓዕቲ ፈንዩ። ህዝባዊ ተቓውሞ ብጽንዓት መኪቱ። ንሳልሳይ ጊዜ ብሽነኽ ስሜን ኣጥቕዑ። ህዝባዊ ተቓውሞ ብጽንዓት እናተኸላኸለ እንከሎ ሓሙሽተ ብጅግንነት ተሰዊኦም። መራሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝነበረ ተወጊኡ። እቲ ኩናት ተመጣጣኒ ብዘይምንባሩ፡ ጸላኢ ብምድርን ብሰማይን ጽዕጹዕ መጥቓቲ ኣካይዱ። ናይ ሃይለ ኮብተር ሓገዝ ክሳብ ዝረክብ ዓሰርተታት ሬሳታቱ ከልዕል ኣይከኣለን። ንህዝባዊ ተቓውሞ ሕጽረት ጥዕቂ ስለዘጋጠሞ፡ ዳግመ ስርርዕ ንምክያድን ስልቲ ኩናት ንምቕያርን፡ ንድሕሪት ሰሒቡ። ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ምንስሓብ እንከሎ ኣብ ጋርሳባ ምስ ጸላኢ ገጥሙ። ሕጽረት ዕጥቂ ንምምላእ፡ ኣብ ሮብሮቢያ ካብ ክልቴ ኣባላት ስለያ ዕጥቂ መንዝዑ። ድሕሩ ጸላኢ ኣብ ሮብሮቢያ ገዛ-ገዛ ጎርጕሩ። ሓይልታት ስለያ ጸላኢ ቤት ስዉእ ዑስማ ዓሊ ኣደም ብምታው፡ በዓልቲቤቱ ደማ ዘይነቕጸ ሓራስ ስለዝነበረት ክትዛረቦም ኣይከኣለትን። ንዓኣ ከተልዒላ ዝጸነሐት ሓንቲ ሰበይቲ፡ ገዛ ሰብኡት የብሉን። ስብኡት ተደልዩ እንተልኹም ኮይንኩም ኣብ ዘልውዎ ስለተፈልጡ፡ ኣብኡ ኪዲዎም በለቶም። ሻቡ ዕጥቂ ኣብ ምንዳይ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ክልቴ ተቓወምቲ፡ ኣብ ሮብሮቢያ ምስ ኣብ ምጉርጓር ዝተዋፈሩ ሓይልታት ስለያ ጸላኢ ገጥሞም። ሽዑ ንሽዕኡ ሓድኦም ክስዋእ እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ክንዮ ገጠር ኣምልጡ ክሳብ መወዳእታ ጥይት ብጅግነት ክዋጋእ ድሕሪ ምጽናሕ ተሰዊኡ። እዞም ክልቴ ስዉኣት ጀጋኑ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ከቢድ ክሳራ ኣውሪደምሉ። ብድሕርኡ ጸላኢ ሬሳታት ክልቴ ጀጋኑ ብምሓውራቱ እናጎተተ ኣብ ጎልጎ ሮብሮቢያ ኣምጽኡ ሰጠሖም። ዓበይትን ንኣሽቱን ኣንስትን ህጻናት ብስጋዳድ ኣኪቡ ንሬሳታት ኪኸብዎም ድሕሪ ምእዛዝ፡ ዑስማን ዓብደላ ዝተባህለ ባእታ ፍሉይ ሓይልታት ስለያ ኣብ ቕድሚ’ቲ እኩብ ህዝቢ፡ ናይ ስዉእ ዕስማ ዓሊ ኣደም እግሪ እናልዓለ፡ ’’ትርእይዎም ዶ ኣሎኹም መንግስትናን ሃገርናን ዝጻበኡ መጠረስታኦም ከምዚ’ዮም ዝኾኑ’’ በለ። ከምዚ ዝበለ ኢሰብኣዊ ምርኢት፡ ተግባራት ኮማንዶስ እንካን ኣይሓለፈን’ባ ብምባል ንህዝቢና ዘመነ ኮማንዶስ ኣዘኻክሩዎ። ካብ ሞንጎ’ቲ እኩብ ህዝቢ በዓልቲ ቤት ስዉእ ዑስማን ዓሊ ኣደም ንቕድሚት መጺኣ፡ ኣብ ነፍሳ ንህዝቢ ዘደነቐ ርእሰ ምቑጽጻር ብምግባር፡ ካብ ነፍሳ ዝወጸ ድምጽ ምዃኑ ምእማን ብዘጸግም ሓያል ድማጺ ’’….. እዞም ኣብ ጸሓይ ስጥሕካዮም ዘሎኻ ጀጋኑ’ዚኣቶም ኣሕዋትናን ደቂናን ሰብኡትናን’ዮም። ቀቲልካዮም ኮይንካ’ምበር ንዓኻ ኣሕዋትካ’ዮም። ኣብ ከርስናን ኣብ ከብዲ ዓዲናን ዝተወልዱን፡ ምእቲ ክብረታትና ኣብ ማእከል ዓዲና ዝወደቑን’ዩም። መስዋእቶም ዘኽብሩን ከምኣቶም ንመስዋእቲ ዝቐረቡን ኣሕዋቶምን ደቆምን ኣሎዎም። ብመስዋእቶም ንኾርዕ። ኣይንጣዓስን። ዉዑይ ደሞም ብላሽ  ኣይተርፍን’ዩ’’ ክትቢል መደረት። ዓበይቲ ሰብኡት ካኣ’’… ንስኻን ኮለኔል ሽፋ ዑመር ሹምን ጓኖት ትቐትሉን ትዕዝቡን የሎኹምን። ኣሕዋትኩም ትቐትሉን ንዓና ወለዲኹም ትዕዝቡናን ኣሎኹም። ቀደም ይኹን ሕጂ ብመስዋእቲ ደቂና ንኾርዕ። ንስኻትኩም ብኢድ እቶም እትገልግልዎም ዘሎኹም ብውሳይ ትሞቱ ትኾኑ። ረቢልዓላሚን ናይ ኢድኩም ይፍደኹም። ንዚኦም ክልቴን ካልኦት ኣሕዋቶምን መንእሰያት ስዉኣት ደቂና ረቢልዓላሚን ኣብ ጀነቱ ይቐበልም’’ በሉ። ብድሕሪ’ዚ መሬት ጸጥ ምስ በለት፡ ኣንስቲ ዓዲ ዘሊለን ከይጥሕራኦም ብምፍራሕ፡ እቶም ሓይልታት ስለያ ቦታ ለቒቖም ሩሑቕ ከይዶም። ሰብኡትን ኣንስትን ህጻናትን ስዉኣት ደቀም ቀብሮም።

ሓፈሻዊ ውጽኢት ህዝባዊ ተቓውሞ፦

  1. ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዓቢ ህዝባዊ ተቐባልነት ረኺቡ።

  2. ኣብ ህዝቢና መንፈስ ተቓውሞ ኣጕህሩ።

  3. ጸላኢ ካብ ህዝባዊ ተቓውሞ ብምስጋእ፡ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሰብዓታት ዝሓለፈ ክፍለ ዘበን ናብ ዝሓደገቶ ገጠራት ምብራቅ ኣከለ ጉዛይ ክዕስክር ተገዲዱ።

  4. ጸላኢ መዓስከር ዊዓ ከግዕዝ ተገዲዱ።

 

ኣስማት ስዉኣት ህዝባዊ ተቓውሞ ዝስዕብ’ዩ፦

ተራ ቁጽሪ

ሙሉእ ሽም

ቦታ-መስዋእቲ

1

ዑመር ዓሊ ሓይዳር

ዓዶ ዳጋ

2

ኣሕመድ ሳልሕ ማሕሙድ

ዓዶ ዳጋ

3

እስማዒል ሽፋ

ዓዶ ዳጋ

4

ሱለይማን ሽፋ መሓመድ

ጋራንቱ

5

ኣሕመድ ዲን ዑመር

ጋራንቱ

6

ሳልሕ ዑስማን ኻሊፋ

ጋራንቱ

7

ኣሕመድ ሱለይማን

ጋራንቱ

8

ዕመር ዓሊ ያሕያ

ጋራንቱ

9

ዑስማን ዓሊ ኣደም

ሮብሮቢያ

10

ሱለይማን ስራጅ